ርእይቶ ዜጋታት ኣብ ጽምብል 28 ዓመት ናጽነት ኤርትራ

ምርኢት ኣብ ጽምብል መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ Image copyright Eritrea MOI
ናይ ምስሊ መግለጺ ምርኢት ኣብ ጽምብል መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ

ብቕንያቱ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ክካየድ ዝቐነየ ጽምብል 28 ዓመታት ናጽነት ኤርትራ ትማሊ ዓርቢ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ስታደዮም ኣስመራ ተባዒሉ።

ኣብዚ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ዝተኻየደ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምጅማር ሓዲሽ መዋእል ኢሉ ዝገለጾ በዓል ናጽነት ኣብ ውሽጥን ግዳምን ዝርከብ ህዝቢ፡ ናይ ምሕረትን ሕድገትን ብስራት ክሰምዕ ትጽቢት አሕዲሩ ምንባሩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተኽላይ ብርሃነ ይገልጽ።

ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኣመሪካ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝተኣኻኸቡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ፡ ኤርትራውያን፡ ባንዴራ ኤርትራን ቖጽሊ ኣውሊዕ ዝምልክታ ሰመያዊት ባንዴራ ፈደሬሽንን እናንበልበሉ "ኢሳይያስ ተኣለየልና" ዝብል ውዕውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ጀርመን፡ ኣብ ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ኢጣልያ፡ ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ሊብያ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ንመበል 28 ዓመታት ናጽነቶም ብዝተፈላለየ ስምዒት ይጽምብሉዋ ኣለው።

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ምዕራብ ዝነብሩ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራውያን ኣብ ስዊዘርላንድ-በርን፡ ጀርመን-ፍራንክፈርት፡ ካናዳ ዊኒፔግ ንመበል 28 ዓመት ናጽነት፡ ብውዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስ ከም ዝጸምበሉዋ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ጸብጺባ።

እቶም ዜጋታት፡ ኣብታ ረዛን ዕለት፡ "ምዕሩይ ዕድላት ዜጋታታ እተረጋግጽ ኤርትራ ንምህናጽ እጃሞም ከም ዘበርክቱ፡ ብንቑሕ ተሳትፎ ንሃገራዊ ብልጽግና ከምዝሰርሑን ቃሎም ብምሕዳስ ብዝተፈላለየ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታት ከምዝጸንበሉዎ ሓዳስ ኤርትራ ሓቢራ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ካልኦት ከተማታት ኣፍሪቃን እውን ዝተፈለለየ ጽምብል ተኻይዱ እዩ።

ኤርትራውያን ነበርቲ ኔዘርላንድስ ኣቶ ተኪአ ስምኦንን ገዛኢ ነጋስን: ርእይቶኦም የካፍሉ።

Image copyright Eritrea MOI
ናይ ምስሊ መግለጺ ምርኢት ኣብ ጽምብል መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ

ገዛኢ፡ 'ናጽነት ማለት እንታይ ማለት እዩ? ዝብል ሕቶ የልዕል'ሞ-ክቡር ዋጋ ዝተኸፍላ ሃገር፡ ክቡር ናጽነት ክቡር ፍትሒ ክህሉ ትጽቢት ከምዝነበሮ ብምግላጽ፡ ሕጂ ግን እቲ ህሉው ኩነታት ከምኡ ስለዘየሎ፡ ንመጻኢ ኣብ ዝጽምበል ናጽነት እቲ ህዝቢ ዝደልዮን ዝጠልቦን ምሕደራን ኣገልግሎትን ክርኢ ከምዝብህግ ይዛረብ።

ተኪአ እውን ተመሳሳሊ ሓሳባቱ እዩ ዘለዎ "ሰብ ብዝኾነ በደል ተኣሲሩ ኣብ ቅድሚ ሕጊ እንተዘይቀሪቡ፡ ዝመሰሎን ዝተሰመዖን ክዛረብ እንተዘይተተባቢዑ፡ ኣብ ዝኣመኖ ሃይማኖት ከየምልኽ እንተተኸልኪሉ፤ ናጽነት ስለዝተባህለ ናብራ ባርነት ዝንበር እንተኾይኑ-ናጽነት ትርጉማ እንታይ እዩ ኢልካ ምሕታት ግቡእ እዩ" ይብል።

ኣብ ስደት ኣብ ቀጠር ዝነብር ዜጋ፡ ኣብ ስደት ስለእነብር ከምቲ ኣብ ሃገር ዘሎ መዓልቲ ናጽነትና ከነኽብር ኣይንኽእልን ኢና። ዋላኳ ከምቲ እንደልዮ እንተዘይኮነልና፡ ከም ህዝቢ ንናጽነት ብዙሕ ዋጋ ስለዝኸፈልና ርዝነት መዓልቲ ናጽነትን ክብርታትናን ክንዕቅብ ይግባእ ኢሉ።

ኣብ ሃገረ ስዊድን ዝምንባሩ ገርጊስ ከማል፡ "ናጽነት ኩሉ ነገር እዩ ንዓይ። ኣብ ስደት ስለዘለኹን ብሕጊ እቲ ዝነብረሉ ዓዲ ስለዝምራሕ፡ ኣብ መዓልቲ ናጽነተይ ኣብ ስራሕ እየ ዘለኹ። ግን ሕጉስ እየ" ይብል።

ኣብ ስደት እተነብር ሰናይት ንጉሰ እውን መዓልቲ ናጽነት ኣብ ሃገራን ምስ ህዝባን ዘይምብዓላ እናተሰመዓ፡ ኣብ ሃገረይ ናጽነት ስለዝሰኣንኩ እየ ተሰዲደ። መዛኖይ መንእሰያት ኤርትራ፡ ኣብ ፈቀዶ ሳህራን ሊብያን ተደርቢና መጻወቲ ሊብያውያን ኬይንና። ኤርትራን ሰማእታትናን ናይ ኢዶም ኣይፈደናዮምን" ብምባል ብሃለዋታን ሃለዋት ህዝባን ተማርር።

ብዙሓት በዓል ናጽነቶም ከኽብሩ ካብ ስደት ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ከኣ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር፡ ንናጽነትን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዘለዎም ክብርን ፍቕርን ገሊጾም እዮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት