መንግስቲ ኣመሪካ ተወሰኽቲ 1500 ሰራዊት ናብ ማእከላይ ምብራቕ ክትልእኽ እያ

መራኽብ ውግእ ኣመሪካ Image copyright AFP

መንግስቲ ኣሜሪካ ነቲ ብሰንኪ ኢራን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ንምግጣም 1500 ተወሰኽቲ ሰራዊት ንማእከላይ ምብራቕ ክልእኽ ምዃኑ ሓቢሩ።

ምኒስተሪ ምክልኻል ኣሜሪካ ፓትሪክ ሻናሃን ኣብ ዘውጾኦ መግለጺ፡ ብዛዕባ እዚ ውጥን ባይቶ ኣሜሪካ ተሓቢሮም ከም ዘለው ድሕሪ ምሕባር፡ ተወሰኽቲ ነፈርቲ ውግእን፤ ኣጽዋርን ከም ዝለኣኹ'ውን ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ደናልድ ትራምፕ፡ ብዛዕባ ምንቅስቃስ እቲ ሰራዊት ዓርቢ ንግሆ ሓበሬታ ሂቡ ነይሩ ኢዩ። ንሱ እቲ ምንቅስቓስ ሰራዊት ብመጠኑ ውሑድ ከም ዝኾነ ሓቢሩ።

ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብቲ ከባቢ ወጥሪ ብምፍጣሩ፡ ናብቲ ወሽመጥ መራኽብ ውግእ ልኢኻ።

ኣብዚ ቐረባ መዓልታት፡ ሰብ መዚ ኣመሪካ 'ኣብ ኢራቕ ዘለው ብኢራን ካብ ዝድገፉ ሓይልታት ስግኣት ኣሎ' ስለዝበለ ዝያዳ ነፈርቲ ወግእ ከም ዝሰደዱ ሓቢሮም።

ይኹን እምበር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ኣብቲ ዞባ ዝያዳ ወተሃደራት ከም ዘየድልዩ ኣመልኪቱ ነይሩ።

ምኒስተሪ ምክልኻል ኣሜሪካ ፓትሪ ሻናሃን፡ ስለምንታይ ዝያዳ ሰራዊት ናብቲ ዞባ ክለኣኹ ተደልዮም ንዝብል ክምልስ እንከሎ፡ ''ኣነ ካብ ኣዛዚ ሓይልታት ናይቲ ዞባ፡ ተወሳኺ ሓይሊ የድልየኒ'ዩ ዝብል ሕቶ ተቐቢለ እየ ኣጽዲቐ'' ይብል።

ንሱ እቲ ዝተወስደ ውሳኔ ኣብቲ ዞባ ንዝርከቡ ሓይልታት ኣመሪካ፡ ብሓይልታት ኢራን ካልኦትን ንዝፈጠር ስግኣታት ኣብ ምምካት ከም መሓለውታ ዝተወስደ ስጉምቲ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ሻናሃን ከም ዝሓበሮ፡ ተወሰኽቲ ንስለያን ዳህሳስን ዘገልግላ ነፈርቲ ከም ዝለኣኻን ጭፍራ ነፈርቲ ውግእን፡ ናይ ምክልኻል ሚሳይል ከም ዝለኣኸ'ውን ሓቢሩ።

ድሕሪ እቲ ወጥሪ እንታይ እዩ ዘሎ?

ኣብዚ ወርሒ፡ ኣመሪካ ነተን ካብ እገዳ ኣመሪካ ነጻ ኮይነን፡ ካብ ኢራን ነዳዲ ዝገዝኣ ዝነበራ ሃገራት ጠጠው ከተብሎ ምስ ወሰነት እዩ እቲ ወጥሪ ተጀሚሩ።

እቲ ውሳኔ ንሰደድ ነዳዲ ኢራን ናብ ዜሮ ንምውራድን፡ ንመንግስቲ ኢራን ነቲ ካብ ነዳዲ ዝረኽቦ ዝነበረ ኣታዊ ንምኽላእን ዝዓለመ እዩ።

ፕረዚደንት ደናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብቲ ምስ ኢራን ዝኸተመቶ ውዕል ኒኩሉር ምስ ሰሓበት፡ ደጊሙ ኣብ ልዕሊ ኢራን እገዳ ከም ዘንበረ ዝዝከር ኢዩ።

ኣብ ርእሲኡ እውን መንግስቲ ኣመሪካ ሓንቲ ነፈርቲ ዝጸዓነት መርከብን፡ ቢ-52 ዝዓይነተን ነፈርትን፡ ናይ ምክልኻል ሚሳይልን ዝዓጠቐ ሓይሊ ኣብቲ ዞባ ክትልእኽ ወሲና'ላ።