ኣብ ህንዲ፡ ብባርዕ ሓዊ 19 ተምሃሮ ሞይቶም

ባርዕ ሓዊ Image copyright Getty Images

ሰበስልጣን ህንዲ፤ ከባቢ 19 ተምሃሮ ብባርዕ ሓዊ ህይወቶም ከምዝሰኣኑን፡ ካልኦት 20 ዝኾኑ ተምሃሮ'ውን ብኸቢድ ተጐዲኦም ኣብ ሆስፒታል ጉጃራት ሕከምናዊ ረድኤት ይግበረሎም ከም ዘሎን ሓቢሮም።

እቶም ተምሃሮ ካብቲ ዝመሃርሉ ዝነበሩ ህንጻ ክዘሉን ከወድቁን ተራእዮም። እቶም ዝበዝሑ ግዳያት፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 13-19 ዝርከቡ ኮይኖም፡ ትምህርቶም እናተኸታተሉ እንከለዉ እዩ እቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙ።

ቀንዲ መበገሲ እቲ ባርዕ ገና ኣይተፈልጠን ዘሎ። እቶም ሰብመዚ ከም ዝሓበሮዎ ግን፤ ናሕሲ ናይቲ ህንጻ ብቐሊሉ ብዝቃጸል ናውቲ ዝተሰርሐ ብምንባሩ፡ እቲ ሓዊ ብቕልጡ ናብቲ ክፍልታት ቀልጢፉ ከም ዝተላበዐ ሓቢሮም።

እቶም ተምሃሮ በቲ ባርዕን፡ ካብቲ ህንጻ ዘሊሎም ክወጹ ክፍትን እንከለዉን እቲ መጉዳእቲ ከምዝበጽሖም ናይቲ ከባቢ ሰብ መዚ ሓቢሮም።

ቀዳማይ ምኒስተር ህንዲ ናረድራ ሞዲ፡ ብትዊተር ኣቢሉ ናይ ጽንዓት ይሃብኹም መልኽቱ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ሓገዞም ከበርክቱ ጸዊዑ።

ወሃቢ ቃል መራሒ ክፍለ ሃገር ጉጃራት፡ እቲ ጉዳይ ክምርመር ትእዛዝ ተዋሂቡ ከም ዘሎን እቲ ጸብጻብ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ክወዳእ ትጽቢት ከም ዝግበር ሓቢሩ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዴልሂ፡ ኣብ ሓደ ሆቴል ብዘጋጠመ ባርዕ ሐዊ፡ 17 ሰባት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ዝዝከር እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት