መንግስቲ ጀርመን ኣይሁዳውያን ይበፅሖም ብዘሎ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ኪፓ ከይገብሩ ኣጠንቂቑ

ብኣይሁዳውያን ደቂተባዕትዮ ዝግበር ሃይማኖታዊ ቆቢዕ ኪፓ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ብኣይሁዳውያን ደቂተባዕትዮ ዝግበር ሃይማኖታዊ ቆቢዕ ኪፓ

ኮሚሽን ጸረ-ሴማውነት ( 'ኣንቲ-ሴሚቲዝም' ) ጀርመን፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣይሁዳውያን ሃይማኖታዊ ቆቢዕ (ኪፓ) ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ንከይገብሩ ኣጠንቂቑ።

ኮሚሽነር ፈሊክስ ክሌን ነዚ መጠንቀቕታ ዘሕለፈ፡ ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት እናወሰኹ ብምምጽኦም እዩ።

"ኣይሁዳውያን ኣብ ኩለን ከባብታት ጀርመን፡ ሃይማኖታዊ ቆቢዕ ኩሉግዘ ክገብሩ ኣይምዕድን" ክብል ንጋዜጣ ፉንክ ተዛሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2018፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት፡ ኣዝዮም ከም ዝወሰኹ ፀብፃብ መንግስቲ እታ ሃገር የመልክት።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ 1646 ጽልኣት ዘንቀሎም ገበናት ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን ተፈፂሞም እዮም።

እዚ ኣሃዝ ኣብ 2017 ካብ ዝነበረ መጠን ገበን ብ 10 ሚእታዊት ከም ዝዛየደ ድማ ተሓቢሩ።

እዚ ኣብ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን ዝፍፀም ኣካላዊ መጥቃዕቲ እውን ብዕፅፊ ወሲኹ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 62 ኣካላዊ መጥቃዕትታት ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውኣን ዝተፈፀሙ እንትኾኑ፡ ቅድሚኡ ካብ ዝነበረ ኣሃዝ ብ 25 እዩ ወሲኹ።

ሚኒስትር ፍትሒ ጀርመን ካትሪና ባርሌይ እናወሰኸ ይመፅእ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን ዝፍፀም መጥቃዕቲ፡ "ንሃገርና ዘሕፍር ተግባር እዩ" ክብላ ንሓደ ጋዜጣ እታ ሃገር ተዛሪበን።