ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ ኦጋዴን ተታሒዙ ንኢትዮጵያ ተውሂቡ

ሓሰን ኢስማዔል (ሓሰን ዴሬ)
ናይ ምስሊ መግለጺ ሓሰን ኢስማዔል (ሓሰን ዴሬ)

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሌ ብዙሓት ዘስካሕክሑ ተግባራት ይፍፀመሉ ከም ዝነበረ ናይ ዝግለፅ ቤት ማእሰርቲ 'ጄል ኦጋዴን' ሓላፊ ዝነበረ ሓሰን ዴሬ፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ሓሰን፡ ብሳጉኡ "ሓሰን ዴሬ" ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ሶማልያ እዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ተመሓላሊፉ ስለዝተውሃበ፡ ናብ ጅግጅጋ ዝተወሰደ እንትኸውን፡ ክሲ ናብ ዝተመስረተሉ ከተማ ኣዲስኣበባ ክውሰድ ከም ዝኽእል ተገሊፁ'ሎ።

ምንጭታት ሓበሬታ ንቢቢሲ ከም ዝገለፅዎ፡ እዚ ውልቀ-ሰብ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ እትዳወብ ጎልደጎብ ኣብ ትበሃል ከተማ ሶማልያ እዩ ተታሒዙ።

ነበርቲ ንኣካላት ፀጥታ ብዝሃብዎ ጥቆማ፡ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ እውን ተሓቢሩ።

እዚ ውልቀሰብ ኣብ ክልል ሶማሌ ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ብፍላይ 'ጄል ኦጋዴን' ኣብ ዝበሃል ቤት-ማእሰርቲ ተፈፂሞም ንዝበሃሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰልን ስቓይን ቀንዲ ተሳታፊ እዩ ብዝብል ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ክድለይ እዩ ፀኒሑ።ሓሰን ኢስማዔል (ሓሰን ዴሬ)፡ ንፕረዚደንት ክልል ሶማሌ ነበር ዓብዲ ኢለ ሓዊሱ፡ ኣብቲ ክልል ንዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል፡ ክሲ ካብ ሞንጎ ዝተመስረቶም ኣስታት 40 ተጠርጠርቲ ሓደ ከም ዝኾነ ይግለጽ።

እዚ ውልቀሰብ ቅድም ኢሉ ኣብ ዝነበረ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ድሕንነት ኮይኑ ዝሰርሐ እንትኸውን፡ ሓላፊ ፀጥታ ክልል ሶማሌ፣ ሓላፊ ኣብያተ ህንፀት፣ ሓላፊ ቤትማእሰርቲ ጄል ኦጋዴን፣ ኣብ ፍሉይ ፖሊስ እቲ ክልል ድማ ብኮሎኔልነት ኣገልጊሉ እዩ።

ኣብ ክልል ሶማሌ ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ማእሰርቲ ብፍላይ ኣብ ጄል ኦጋዴን ተኣሲሮም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ እሱራት፡ ዘስካሕክሕ ተግባር ይፍፀሞም ከም ዝነበረ መንግስቲ ፌደራልን ክልልን ዕላዊ ምግባሮም ይዝከር።

ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝርከብ ፀልማት ጉድጓድ ክቕመጡ፣ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ግፍዒ ምፍጻም፣ እሱራት ምስ ሓደገኛ እንስሳት ዱር ምቕማጥን በስገዳድ ምዕማፅን ኣብቲ ቤትማእሰርቲ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ብኣማኢት ዝቑፀሩ እሱራት፡ ይፍፀሙ ካብ ሞንጎ ዝነበሩ ተግባራት ከም ዝኾኑ ተገሊፁ።

ተወሳኺ ዛንታ