ተጋሩ ተምሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ "ትምህርቲ ይትረፈና ናብ ዓድና ሰንዩና" ይብሉ ኣለዉ

መእተዊ ዩኒቨርሲቲ ደብረማርቆስ Image copyright FB

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዩኒቨርሲቲ ደብረማርቆስ ብዝተፈጠረ ጎንፂ ሓደ ተምሃራይ ብእምኒ ተቐጥቂጡ ከምዝሞተ ተምሃሮ ንቢቢሲ ገሊፆም::

መዋቲ ተምሃራይ ሰዓረ ኣብርሃ ከም ዝበሃልን ተምሃራይ ሳልሳይ ዓመት ስነ ቁጠባ ምንባሩን ተፈሊጡ'ሎ::

ካብ ዓርቢ ኣትሒዙ ኣብ መረባ እቲ ዩኒቨርሲቲ ተምሃሮ ዝፈጠርዎ ዕግርግር ክሳብ ሕዚ ኣይዛረየን::

ሓላፊ ህዝባዊ ርክብን ኮሚዩኒኬሽንን ዩኒቨርሲቲ ደብረማርቆስ ኣይተ ደሳለዉ ጌትነት፡ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ [ 24 ግንቦት 2019 ] ጀሚሩ ጎንጽታት ከም ዝነበሩ ኣረጋጊጹ።

ሽዑ ብዝተፈጠረ ጎንጺ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ተመሃሮ ጉድኣት ኣጋጢሙ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወሰዱ'ውን ተዛሪቡ።

"እቲ ብዓርቢ ዝጀመረ ጎንጺ ክሳብ ትማሊ ሰንበት ስለዝቐጸለ፡ ህይወት ሓደ ተመሃራይ ጠፉኡ" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ነቲ ጎንፂ ጉልባብ ዝገበሩ ተመሃሮ፡ ንኽልተ ተጋሩ ተምሃሮ ብደናጉልን ካራን ከም ዝወቕዕዎም ድማ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢቢ ተዛሪቦም::ብሰንኪ'ዚ እቲ ሓደ ሽዑ ንሽዑ ህይወቱ ከምዝሓለፈን እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ላዕለዋይ ሕክምና ባህርዳር ይርዳእ ከምዘሎን ተምሃሮ ገሊፆም::

Image copyright FIRYAT

ፖሊስ፡ ኣብቲ ጎንጺ ዝተሳተፉ ተመሃሮ ኣብ ቀይዲ የእትው ምህላዉ ዝገለጸ ኣይተ ደሳለዉ፡ ናይቲ ጎንጺ መንቀሊ ብዝግበር ምጽራይ ከም ዝፍለጥ ኣረዲኡ።

ኣብዚ ሰዓት'ዚ ተምሃሮ ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ኣዕቁቦም ከምዘለዉ እቶም ንቢቢሲ ሓበሬታ ዝሃቡ ተምሃሮ ይገልፁ::

ኣብዚ ሕዚ እዋን ምርግጋእ ከም ዘሎ ዝተዛረበ እቲ ሓላፊ፡ እቲ ጎንጺ ብሄር መሰረት ዝገበረ ኣይኮነን ይብል።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ድባብ ሓዘን ኮይኖም ንትምህርቲ ዝተዳለዉ ተመሃሮ እንተነበሩ'ኳ፡ እቲ መስርሕ ምምሃር ምስትማሃር ተቛሪጹ ምህላዉ ገሊጹ።

ትማሊ ሬሳ ክስንዩ ዝተኣከቡ ተጋሩ ተምሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ: "ትምህርቲ ይትረፈና ኣብ ዓድና ሰሪሕና ክንበልዕ ናብ ትግራይ ሰንዩና " ብምባል ንፕረዚደንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ከምዝሓተቱ እውን ሓቢሮም::

ፕረዚደንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ብወገኖም: ብፖሊስ ፌደራልን ካልኦትን ተሓጊዝና ድሕንነትኩም ክንሕሉ ንሰርሕ ኢና ዘለና ኣይዞኹም ብምባል ምላሽ ከምዝሃብዎም ገሊፆም::

ትማሊ ናብ ኣዲስ ኣበባ ሆስፒታል ጳውሎስ ንምርመራ ዝተልኣኸ ኣስከሬን: ሎምዓልቲ ሰዓት ትሽዓተ ድሕሪ ቀትሪ ናብ እንዳስላሰ ሽረ ከም ዝኣትው ስማ ክትፀርሕ ዘይደለየት ተምሃሪት ንቢቢሲ ገሊፃ::

ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ቀፅሪ ዓዲ ሓቂ እውን በቲ ኣብ ዩኒቩርሲቲ ደብረማርቆስ ዝበፀሐ መቕተልቲ ሎሚ መዓልቲ ቁጠዖም ገሊፆም::

እቶም ተምሃሮ ኣብ ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝበፅሕ በደል ጠጠው ይበል ብምባል ድምፆም ኣስሚዖም::

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ