እስላማዊ ጉጅለ ኣይ ኤስ፡ ዒራቕ ዜጋታት ፈረንሳ ብሞት ክቕፅዑ በይና

ወተሃደራት እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣይኤስ መብዛሕትኡ ግዘ ሒዘሞ ዝንቀሳቐሱ ኣርማ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ እዞም ሰለስተ ዜጋታት ፈረንሳይ፡ ናብ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅል ኣይ ኤስ ብምፅንባሮም ገበነኛታት ኮይኖም ስለዝተረኸቡ እዮም እዚ ናይ ሞት ፈርዲ ተበይኑ ዘሎ

ቤት-ፍርዲ ዒራቕ ናብ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣይ ኤስ ተፀንቢሮም ንዝተረኸቡ ሰለስተ ዜጋታት ፈረንሳይ ብሞት ክቕፅዑ ወሲኑ።

እዞም ከቪን ጎኖት፣ ሊዮናርድ ሎፔዝን ሳሊም ማቾን ዝተብሃሉ ሰለስተ ዜጋታት ፈረንሳ፡ ይግባይ ንክሓትቱ 30 መዓልታት ከምዘለዎም AFP ሓቢሩ።

እዚያቶም፡ ካብ መንጎ እቶም ቅድሚ ዝተወሰኑ ኣዋርሕ ብኣሜሪካ ብዝድገፉ ተቓለስቲ፡ ኣብ ሶርያ ካብ ዝተታሕዙ 12 ዜጋታት ፈረንሳይ እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ድማ ፍርዲ ንክረኽቡ ንዒራቕ ተመሓላሊፎም ተዋሂቦም።

ናብ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣይ ኤስ ካብ ሞንጎ ዝተፀምበሩ ዜጋታት ፈረንሳይ፡ ብሞት እንትቕፅዑ እዞም ሰለስተ ናይ ፈለማ እዮም።

ቤት-ፍርዲ ዒራቕ፡ ትማሊ ሰንበት እዞም ዜጋታት ፈረንሳይ ብሞት ክቕፅዑ ዋላ እኳ እንተወሰነ፡ መንግስቲ ፈረንሳይ ግና ክሳብ ሕዚ ኣብዚ ጉዳይ ርኢቶ ኣይሃበን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት፡ እዞም ዜጋታት ፈረንሳይ ንዒራቕ ተመሓላሊፎም ኣብ ዝተወሃብሉ ግና ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን፡ ፡ "እዚ ጉዳይ ሉኣላውነት ዒራቕ እዩ" ብምባል መልሲ ካብ ምሃብ ምቑጣቦም ይዝከር።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንውሳነ ቤት-ፍርዲ ዒራቕ እንትቃወምዎ፤ ንጡፋት ማሕበራዊ ሚድያ ግና እቲ ቤት-ፍርዲ ኣብ ዘለዎ መረዳእታ ተደሪኹ ውሳነ ከምዘሕለፈ ይገልፁ።

ብዛዕባ እዞም ሰለስተ ፈረንሳውያን እንታይ ንፈልጥ?

ወዲ 32 ዓመት ጎኖት ካብ ደቡባዊ ምብራቕ ፈረንሳይ እዩ መፂኡ። ናይ ኣልቃይዳ ክንፊ ናብ ዝኾነ ግንባር ኣል-ኑስራ ንክፅምበር ድማ፡ ብቱርኪ ኣቢሉ ናብ ሶርያ ኣትዩ።

ቅድሚ ክልተ ዓመታት ምስ ወላዲቱ፣ ሓፍቱን ሓዉን ኣብ ሶርያ ተኣሲሩ ነይሩ። ቤት-ፍርዲ ፈረንሳይ እውን ኣብ ዘየለሉ ንትሸዓተ ዓመት ክእሰር በይኑ ነይሩ።

ኣብ ጉዳይ ግብረ-ራዕዲ (ሽብርተኝነት) መጽናዕትታት ብምክያድ ዝፍለጥ ትካል ሲ ኤ ቲ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ካልእ ወዲ 41 ዓመት ማቾ ድማ፡ ኣብ ዒራቕን ሶርያን መጥቃዕቲ ናይ ዝፍፅም ኣውሮጳዊ ተቓለስቲ ዕጡቓትን ህዋስ ጉጅለ ኣይ ኤስን፡ ኣባል እዩ።

ማቾ ኣብ ፓሪስን ብራስለስን መጥቃዕቲ ንምፍፃም ትልሚ ነይርዎ።

ካብ ከተማ ፓሪስ ዝመፅአ ወዲ 32 ዓመት ሎፔዝ ድማ፡ ናብ ሶርያ ቅድሚ ምቕንዑ፡ ምስ በዓልቲ ገዝኡን ክልተ ደቁን ኣብ ሰሜናዊ ዒራቕ ናብ ዝርከብ ጉጅለ ኣይኤስ ከምዝተፀንበረ ይግለፅ።

ጠበቕኡ ናቢል ቦንዲ ግና "ብዓይነ ዕሙተይ" ዝተውሃበ ፍርዲ ክብል ተቓዊምዎ።

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፅኡ ልዕሊ 41 ሽሕ ዜጋታት ወፃኢ፡ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ናብ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣይኤስ ከምዝተፀምበሩ ይግመት።

ርብዒ ናይዚ ኣሃዝ እዚ ድማ ደቂኣንስትዮን ህፃናትን እዮም፤ ኣስታት 6,000 ድማ ካብ ምዕራብ ኣውሮጳ ናብቲ ጉጅለ ዝተፀምበሩ እዮም።

145 ደቂኣንስትዮን፡ 50 ህፃናትን ሓዊሱ፡ ኣስታት 850 ድማ ካብ ዓዲ ኢንግሊዝ ናብቲ ጉጅለ ከምዝተፀምበሩ ይግለፅ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
“መሓዙተይ ንዘይምቕታል ካብ ኣይኤስ ኣምሊጠ”