ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ሃጸይ ናሩሂቶ ተራኺቡ

ፕረዚደንተ ትራምፕ ምስ ሃጸይ ናሩሂቶ ኣብ ቤተመንግስቲ ቶክዮ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንተ ትራምፕ ምስ ሃጸይ ናሩሂቶ ኣብ ቤተመንግስቲ ቶክዮ

ኣብ ጃፓን፡ ናይ ኣርባዕተ መዓልትታት ወግዓዊ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ቀዳማይ ምሰ ሃጸይ ጃፓን ዝተራኸበ መራሕ ሃገር ኮይኑ ኣሎ።

ሃጸይ ናሩሂቶ ምስ ሃጸዪት ማሳኮ ኮይኑ እዩ ሎሚ ኣብ ቤተ መንግስቲ ቶክዮ ተቐቢልዎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ቅድሚ እቲ ርክብ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ዓቢይ ክብሪ" ከም ዝስምኦ ገሊጹ ነይሩ።

ሃጸይ ናሩሂቶ፡ ኣብኡ ኣኪሂቶ ካብ መዝነቱ ምስ ወረደ ኣብ ፈለማ ግንቦት'ዩ ነቲ ዘውዲ ደፊኡ። እዚ ኣብ ናይ ዘመናት ታሪኽ ጃፓን ናይ ፈለማ ምዃኑ ይግለጽ።

ፕረዚደንት ትራምፕ "ኣብ ዝሓለፈ 200 ዓመታት ከምዚ ዝኣመሰለ [ሃጸይ ካብ መዝነቱ ክወርድ] ነገር ከገጥም እዚ ናይ ፈለማ እዩ" ድሕሪ ምባል ንሕቡራት መንግስታት ወኪሉ ምርካቡ ከም ዘሐብኖ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ቀዳመ ሰንበት፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሺንዞ ኣቤ 'ጎልፍ' ከም ዝተጻወተን ንባህላዊ ቅልስ ጃፓናውያን 'ቅልስ-ሱሞ' ከም ዝረኣየን ተገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሺንዞ ኣብቲ ናይ ጎልፍ ሜዳ ዝተስኣልዎ 'ሰልፊ' ኣብ ትዊተሩ ለጢፉ።

ክልቲኦም መራሕቲ ሎሚ ክራኸቡን ብዛዕባ ምስ ሰሜን ኮርያ ዝህሉ ንግዳዊ ርክባት ክዘራረቡን ትጽቢት ይግበር። ጃፓን ምስ ኣሜሪካ ዘለዋ ንግዳዊ ዝምድና ኣዝዩ ከም ዘገድሳ ይግለጽ።

እቶም መራሕቲ ብዛዕባ እቲ፡ ጃፓን ንእትርከበን መሻርክቲ ኣሜሪካ ሃስያ ዘውርድ ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ቻይናን ተኸሲቱ ዘሎ 'ንግዳዊ ኲናት' ክዘራረቡ ተኽእሎታት ምህላው ይግለጽ።

ብዘይካ'ዚ ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ስድራ ናይ እቶም፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሰለይቲ ምእንቲ ክተሰልጥነሎም፡ ቅድሚ ዓሰርታት ዓመታት ዝጨውየቶም ጃፓናውያን ክራኸብ እዩ።

እዚ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቑጺሩ ዘሎ ፍጻመ፡ ኣብ ዝምድና ፒዮንግያንግን ቶክዮን፡ ኣቐንዛዊ ምዕራፍ እዩ።

ሰሜን ኮርያ ኣብ 1970ታን 80ታትን፡ 13 ጃፓናውያን ከም ዝጨውየት ክትእመን እንከላ፤ ኣብ 2002 ሓሙሽተ ካብኦም ናብ ሃገሮም መሊሳ እያ። ሰሜን ኮርያ፡ እቶም ዝተረፉ ከም ዝሞቱ እኳ እንተገለጸት ጃፓን ግና ኣይትቕበሎን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት