ኤርትራ፡ 30 ኣመንቲ ጴንጠቆስጣል ተኣሲሮም

ኤርትራዉያን ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ Image copyright Anadolu Agency

ብዓርቢ 17 ግንቦት ኣብ ጎዳይፍ፡ ኣስመራ፡ ሰላሳ ክርስትያናት ኣመንቲ ጴንጠቆስጣል ከም ዝተኣስሩ ዳይሬክተር 'ረሊዝ ኤርትራ' ዶክተር ብርሃነ ኣስመላሽ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ዳይሬክተር ረሊዝ ኤርትራ ዶክተር ብርሃነ ኣሰምላሽ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ቁጽሮም ሰላሳ ምዃኑ ዝተገለጸ ክርስትያናት "ኣብ ጎዳይፍ ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለየ ቦታ ኮይኖም ይጽልዩ የምልኹ ነይሮም፤ ብኣባላት ጸጥታ ናይ ኤርትራ ተታሒዞም ተወሲዶም ኣለው" ኢሉ።

ንሱ ኣስዒቡ ናበይ ከም ዝወሰድዎም ዛጊት ዝተፈለጠ ነገር ከም ዘየለ ሓቢሩ።

እዞም ዝተኣሰሩ ኣመንቲ፡ ኣባላት ናይ ክልተ ኣብያተ ክርስትያን ምኳኖም ከም ዘረጋገጸ ዝሓበረ ዶክተር ብርሃነ፡ ካብ ኣየኖት ኣብያተ ክርስትያን ምዃኖምን፡ ካልእ ዝርዝራትን ከም ዘይበጽሖ ገሊጹ።

ቅድሚ ሒደት ሳምንታት'ውን 141 ክርስትያናት ተኣሲሮም ምንባሮም ዝገለጸ ዶክተር ብርሃነ፡ ዕለት 16 ሓምሳ ካብኣቶም እኳ እንተተፈትሑ ንጽብሒቱ ምእሳር ናይ 'ዞም ሰላሳ ከም ዘጋጠመ ሓቢሩ።

ብዛዕባ እዚ፡ ካብ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሓበሬታ ንምርካብ ፈቲንና እኳ እንተነበርና ምላሽ ክንረክብ ኣይከኣልናን።

ኣብ 2003 ኣብያተ ክርስትያን ክዕጸዋን፡ ክርስትያናት ክእሰሩ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ጀሚሩ ዓመት ዓመት ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ፊት ኤምባሲ ኤርትራ ንጉዳይ ናይ እምነት እሱራት ኣመልኪቶም ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝገብሩ ዝገለጸ ዶክተር ብርሃነ፡ ሎሚ ዓመት'ውን ብ 23 ግንቦት ኣብ ፊት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ለንደን ከም ዘካየዱዎ ሓቢሩ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣባላት ረሊዝ ኤርትራ፡ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ 'ቸርች ኢን ቸይንስ' ከምኡውን 'ክርስትያን ሶሊዳሪቲ ዎርልድዋይድ' ብሓባር ብምዃን መንግስቲ ኤርትራ ሃይማኖታዊ መሰላት ከኽብር ዝጽውዕ ደብዳበ ናብ'ቲ ኤምባሲ ከም ዘረከቡ ሲኤስዳብሊው ኣብ ትዊተር ሓቢሩ።

ዳይሬክተር ረሊዝ ኤርትራ ዶክተር ብርሃነ ነቲ ጉዳይ ከብርህ ከሎ "ክርስትያናት እንግሊዛውያንን ኤርትራውያንን፡ ኣብ ፊት ኤምባሲ ኤርትራ ተኣኪብና መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብና፡ ጸሊና ዘሚርና ደብዳበ ድማ ብመንገዲ እቲ ኤምባሲ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሰዲድና" ኢሉ።

ትሕዝቶ እቲ ደብዳበ፡ እቶም ብእምነቶም ተኣሲሮም ዘለው ሰባት ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ተኣሲሮም ምህላዎም፡ ኣንጻር ሃገር ገበን ከም ዘይብሎም ዘዘኻኽርን ፍትሒ ክረኽቡ ዝሓትትን ምዃኑ ድማ ይገልጽ።

ነዚ ን17 ዓመታት ብዘይ ምርብራብ ከም ዝገበርዎ ዝሕብር ዶክተር ብርሃነ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ፍልይ ዘብሎ፡ እቲ ኤምባሲ ነቲ ደብዳበ ክቕበሎ ፍቓደኛ ምዃኑ እዩ ኢሉ።

"ምላሽ ሂቦምና ኣይፈልጡን እዮም። ደብዳበ'ውን ኣይቅበሉናን እዮም ነይሮም። ስለዚ በቲ ናይ ደብዳበ መእተዊ ቀዳድ ኢና ንገድፈሎም ነይረና። ሎሚ ዓመት ግና ሓንቲ መንእሰይ ካብቲ ኤምባሲ ወጽያ ተቐቢላትና" ኢሉ።

እቲ ደብዳበ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ይበጽሕ ብዛዕባ ምዃኑ ግና ዝፈልጥዎ ከም ዘየለ ሐቢሩ።