ኣውሮጳ፡ ምርጫ ፓርላማ ኣውሮጳ ብዓወት ንኣሽቱ ሰልፍታት ተዛዚሙ

ሰልፈኛታት ኣብ ልዕሊ ውሳነ ሕብረት ኣውሮጳ ድምጾም ኣስሚዖም። Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ደገፍቲ ሰልፊ የማናዊ-ሕልፊ፡ ኣብ ልዕሊ ውሳነ ሕብረት ኣውሮጳ ድምጾም ኣስሚዖም።

ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ዝተኻየደ ንኣባላት ፓርለማ ኣውሮጳ ንምምራጽ ዝተኻደ መንርጫ፡ እተን ንነዊሕ ዓመታት ዓብሊለን ዝጸንሓ ማእከላይ ክንፊ ተባሂለን ዝግለጻ ሰልፍታት ዝወሓደ ድምጺ ክረኽባ እንከለዋ፡ እተን ብሓምላይ (ግሪን)፡ ሊበራላውያንን የማናውያንን (ሕሉፋት ሃገራውያን) ዝውክላ ሰልፍታታት ዓበይቲ ዓወታት ኣመዝጊበን።

ተሳታፍነት ናይቲ ምርጫ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት እቲ ዝዓበየ ምንባሩ'ውን ተገሊጹ።

ይኹን 'ምበር፡ እተን ክሳራ ዘጋጠመን ንማእከላይ ክንፊ ፓለቲካ ኣውሮጳ ዝውክላን፡ ደገፍቲ ሕብረት ኣውሮጳ ዝኾናን ሰልፍታት፡ ብእኩብ ዘለወን መናብር ዝበዝሐ ስለዝኸውን፡ ብደገፍ ናይ ገለ ሰልፍታት ነቲ ፓርላማ ክቆጻጸርኦ ክኽላ'የን።

ኣብዘን ዝሓለፋ 40 ዓመታት፡ ንመጀመርታ እዋ'ዩ፡ እተን ልምዳውያን ዝባሃለ ማሕበርነታውያንን ዓቃባውያንን ሰልፍታት ምሉእ ዓብላልነት ዝስእና ዘለዋ።

ኣብ ብሪጣንያ፡ እቲ ብፍሉጥ ደጋፊ ብረክዚት ዝኾነ ናይጀል ፋራጅ ዝምራሕ፡ 'ሰልፊ ብረክዚት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓድሽ ሰልፊ ዝለዓለ ድምጺ ምርካቡእን፡ እቲ ኣብ ፓለቲካ ስለፍታት እታ ሃገር ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝስራዕ ሰልፊ ሊበራላዊ ደሞክራሲ ጽቡቕ ውጺኢት ምርካቡ፡ ንሰልፊ ዕዮን (ሌበር) ንዓቃባዊ ሰልፍን (ኮንሰርቫቲቭ) ክሳራ ኣስዒቡለን ኣሎ።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ፓርላማ ኣውሮጳ፡ ሓጋጊ ኣካል ሕብረት ኣውሮጳ ኮይኑ ዘገልግል እዩ

እቲ ኣብ ብረስለስን (በልጂም) ስትራስቦርግ (ፈረንሳን) ዝመደበሩ ፓርላማ ኣውሮጳ፡ 751 መናብር ዘለዎ ኮይኑ፡ ካብ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ብቐጥታ ብህዝቢ ዝምረጽ'ዩ።

እቲ ውክልና ድማ፡ ብዝሒ ህዝቢ ናይተን ሃገራት መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ይፍለጥ። ጀርመን 96፡ ፈረንሳ 74፡ ብሪጣንያን ጣልያንን ድማ ነፍሲ ወከፈን 73 መናብር ክወሃበን እንከሎ፡ ሳይፕረስ ድማ 6 መናብር ኣለዋ።

ፓርላማ ኣውሮጳ፡ ሓጋጊ ኣካል ሕብረት ኣውሮጳ ኮይኑ ዘገልግል ኮይኑ፡ ባጀት ናይቲ ሕብረት ዘጽድቕ ንሱ'ዩ።

ብዘይካ'ዚ እቲ ፓርላማ ንፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ ናይ ምምራጽ ሓለፍነት'ውን ኣለዎ።