ጋዜጠኛ 'ኣሃዱ ኤፍ ኤም ታምራት ኣበራ ኣብ ፍርዲ ከይቀረበ ብዋሕስ ተፈቲሑ

ኣርማ ኣሃዱ ራድዮ Image copyright AHADU FM FACEBOOK PAGE

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ቦታ ስርሑ እናሰርሐ እንከሎ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ኣባል ኣሃዱ ኤፍ ኤም ዝተባህለ ራድዮ ዝኾነ ታምራት ኣበራ ሎሚ፡ ብናይ ወረቐት መንነት ዋሕስ ከም ዝተፈትሐ፡ ምክትል ኣዳላዊት ሊድያ ኣበበ ንቢቢሲ ኣረጋጊጻ።

እቲ ጋዜጠኛ ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረበ፡ ናይ ዋሕስ መሰሉ ከም ዝተኸበረሉን፡ ንሳ፡ ሓላፊ ዜናን ምክትል ኣዳላዊ ረቡዕ ዋሕስ ሒዞም ብምምጻእ ቃሎም ክህቡ ከም ዝተነግሮም ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ዓርቢ ሰዓት 11 ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ (5 ድቀ)፡ ናይ ክልል ኦሮሚያ፡ ሰንዳፋ ፓሊስ ናብ መደበር ራድዮ ኣሃዱ ብምምጻእ፡ ንጋዜጠኛ ታምራትን ኣካያዲ ናይታ ራድዮ ጥበቡ በለጠን ደልዮም ከም ዝመጹ ብምግላጽ፡ መጸዋዕታ ከም ዘርኣዩዎም፡ እታ ምክትል ኣዳላዊት ተዛሪባ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ኣካያዲ ስራሕ፡ ኣማስያኡ ብስራሕ ካብታ ሃገር ወጺኡ ከም ዝነበረን፡ ክሳብ ሕጂ ኣይተመልሰን ኢላ።

ታምራት ዝተደልየሉ ጉዳይ እንታይ ምዃኑ ክንገሮም ምስ ሓተቱ፡ እቶም ኣባላት ፓሊስ፡ ኣሲሮም ከምጽእዎ ከም ዝተኣዘዙን፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንቤት ፍርዲ ክውከሱ ከም ዘለዎም ሓቢሮም ናብ መደበር ፓሊስ ወሲዶሞ።

ሊድያ ከም እትብሎ፡ መእሰሪ ምኽንያት ናይቲ ጋዜጠኛ እቲ ዝሰርሖ ጸብጻብ ከም ዝኾነን፡ ብመሰረት ኣዋጅ ብሮትካስት ክሕተት ዘለዎ እቲ መደበር ራድዮ ምዃኑን ገሊጻ።

ንሱ፡ ብዛዕባ ሓደ ኣብ ጉዳይ ገዛ ኣብ መንጎ ቤተሰብ ዝተፈጥረ ናይ ይግባኣኒ ክርክር ጸብጻብ ከም ዝሰርሐን፡ እዚ ድማ ሓንቲ ወራሲት ምዃና እትምጉት ጓልኣንስተይቲ፡ ፍትሒ ስኢነ ኢላ ናብ መደበር ራድዮ ኣሃዱ ኤፍ ኤም ድሕሪ ምኻዳ'ዩ።

በዚ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ታምራት ምፍርራሕ ክግበር ከም ዝጸንሐን፡ ካብ ብሮድካስቲን ቤት ጽሕፈት ይኹን ካልእ ኣካል ብዛዕባ ስርሑ ነቐፌታ በጺሕዎ ከም ዘይፈልጥ እታ ምክትል ኣዳላዊት ሓቢራ።

ብመሰረት ሕጊ ሜድያ እታ ሃገር፡ ጋዜጠኛታት ብዝሰርሕዎ ስራሕ ተሓተትቲ እኳ እንተኾኑ፡ "በቲ ኣፍሪስዎ ዝተባህለ ሕጊ ዝውሰን ኮይኑ፡ ብመሰረት እቲ ፈጺምዎ ዝተባህለ ገበን እቲ ውልቀሰብ ኮነ፡ ትካል ዝሕተተሉ ኣገባብ ኣለዎ" ይብል፡ በዓል ሞያ ሕጊን ኣብ ምምሕያሽ ሕጊ ሜድያ ኢትዮጵያ መራሒ ጉጅለ መጽናዕቲ ዝኾነ፡ ኣቶ ሰለሞን ገሹ።

ይኹን 'ምበር፡ ሓደ ጋዜጠኛ ጌጋ እንተድኣ ፈጺሙ፡ ጌጋኡ ክእርም ዕድል ክወሃቦ ኣለዎ ይብል እቲ በዓል ሞያ።

"ጋዜጠኛ ጌጋ እንተድኣ ፈጺሙ፡ መኣረምታ የውጽእ እምብር ኣይክሰስን'ዩ" ይብል ኣቶ ሰለሞን ሕጊ መራኸቢታት 590 ብምጥቃስ።

ጌጋ ምፍጻም ኣጋካል ጋዜጠኝነት ምዃኑ ብምስማር፡ እቲ ጌጋ ኣብ ዝፍጽመሉ እዋን ብመኣረምታ ዘይሕለፍ እንተኾይኑ'ውን፡ ጉዳዩ ካብ ደገ'ዩ ዝከታተሎ እምብር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ኣይኮነን ይብል።