ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ግዚኡ ከም ዝካየድ ሃገራዊ ቦርድ ገሊጹ

ወ/ት ብርቱካን ሚደቅሳ

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ዝቕጽል ምርጫ ንምክያድ ዘድልዮ 3.7 ቢልዮን ብር ንኮሚቲ ባጀት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከም ዝሓተተ፡ ኣካቢት ናይቲ ቦርድ ወ/ት ብርቱካን ሚደቅሳ ትማሊ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ሓቢራ።

እቲ ባጀት፡ ምውሳኽ ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑን፡ ምስቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ ምርጫታት ክወዳደር እንከሎ ዝለዓለ ከም ዝኾነ ብምጥቃስን፡ ካብዚ እቲ 900 ሚልዮን ብር ካብ ለገስቲ ውድባት ንምርካብ መደብ ከም ዘሎ ገሊጻ።

ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ዘቕርብዎ ዘለዉ፡ ብሰንኪ ናይ ምምሕዳር ሕቶታት ዝተፈጥሩ ናይ ጸጥታ ሽግራት ኣብቲ ዝመጽእ ምርጫ ጸገም ክፈጥሩ ከም ዝኽእሉ ዘሎ ስግኣት ምግላጾም፡ እቲ ቦርድ ከም ዝርድኦ ድማ ወይዘሪት ብርቱካን ጠቒሳ።

ብዛዕባ ምስግጋር ቆጸራ ህዝቢ ተሓቲታ ክትምልስ እንከላ ድማ፡ ብመሰረት ዘሎ ኣሰራርሓ፡ ናይ መረጽቲ ምምዝጋብ ምስቲ ናይ ኣባይቲን ህዝብን ቆጸራ ብቐጥታ ዝራኸብ ኣይኮነን ኢላ።

ይኹን 'ምበር፡ ክልቲኡ ክደጋገፍ እንተ ዝኽእል ጽቡቕ ምኾነ በሃሊት እያ።

እታ ሃገር ኣጋጢምዋ ዘሎ ናይ ጸጥታ ሽግር ኣብ ግምት ብምታው እቲ ምርጫ ዝካየደሉ እዋን ክናዋሕ ከም ዝኽእል ዝገልጹ ወገናት እኳ እንተሃለዉ፡ እቲ ቦርድ ግና፡ እቲ ምርጫ ኣብቲ ተመዲብሉ ዘሎ ግዜ ክካየድ'ዩ ኢሉ ይሰርሕ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ብዝኾነ ምኽንያት ክናዋሕ ከም ዝኽእል ግን ኣተንቢሃ።

"ክሳብ ሕጂ ዘሎ ኩነታት፡ እቲ ምርጫ ኣብ ዝተታሕዘሉ ግዜ ከም ዝካየድ ሓሲብና፡ ኣብ ግዜና ንምብጻሕ ኢና ንሰርሕ ዘለና" ኢላ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት