መጥቃዕቲ ጃፓን፡ ኣብ ካዋሳኪ ህፃን ትርከቦም ሰለስተ ሰለስተ ሰባት ብካራ ተወጊኦም ሞይቶም

16 ሰባት ብጅምላ ኣብ ዝተወግእሉ ቦታ፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓን እንትረባረቡ ዘርእይ ምስሊ፡ 28 ጉንበት 2019 Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ጃምላዊ መውጋእቲ ካራ ኣብ ዝተፈፀመሉ ካዋሳኪ ዝተረኸቡ ሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓን

ኣብ ጃፓን ደቡባዊ ቶክዮ ናብ ቤት-ትምህርቲ ንምኻድ ኣውቶቡስ ይፅበዩ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ህፃናት ብካራ ጃምላዊ መጥቃዕቲ ተፈፂሙ።

ኣብ ጥቓ መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ዝርከብ መንገዲ ካዋሳኪ ብዝተፈፀመ እዚ መጥቃዕቲ፡ ብውሑዱ 18 ሰባት ተጎዲኦም ከም ዝኾኑ ተገሊፁ።

ተምሃሪት ቀዳማይ ብርኪ ዝኾነት ህፃንን ሓደ ወዲ 39 ዓመት ሰብኣይን ድማ ሞይቶም።

ወዲ 50 ዓመት ተጠርጣሪ ነዚ መጥቃዕቲ ምስፈፀመ ንባዕሉ እውን ኣብ ክሳዱ ብካራ ዝወግአ እኳ እንተኾነ፡ ደሓር ግና ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ነይሩ። ይኹን'ምበር ህይወቱ ኣይፀንሐትን ንሱ እውን ባዕሉ ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ሞይቱ።

እዚ ተጠርጣሪ ንምንታይ፡ ነዚ ተግባር ክፍፅም ክኢሉ ዝብል ግን ኣይተፈለጠን።

ግዳይ ጃምላዊ መጥቃዕቲ ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ሰባት፡ እተን 16 ተምሃሮ ምዃነን ማዕኸን ዜና ክዮዶ ሓቢሩ።

ድሕሪ እቲ ሓደጋ ኣብቲ ቦታ ዝበፅሐ ፖሊስ እውን፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ከባቢ ክልተ ካራታት ረኺቡ እዩ።

ነቶም ተምሃሮ ናብ ቤት-ትምህርቲ ንምውሳድ ዝመፅአ ዘዋሪ ኣውቶብስ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ሰብኣይ ናብታ ኣውቶቡስ ንምእታው መስርዕ ሒዞም ንዝነበሩ ተምሃሮ ብካራ ምውጋእ ከም ዝጀመረን፡ ደሓር ድማ ኣብ ውሽጢ ንዝነበሩ ከም ዝወግአን ተዛሪቡ።

ካልእ ምስክር ዓይኒ ድማ፡ "እታ ኣውቶቡስ ደው ኣብ ትብለሉ ከባቢ ሓደ ሰብ ወዲቑ ደሙ እናፈሰሰ ርእየ፤ ተምሃሮ እውን ወዲቖም ርእየ፤ ሰላማዊ ከባቢ እዩ ነይሩ፤ ከምዚ ዓይነት ተግባር ምርኣይ ዘሕፍር እዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓን ናብቲ ከባቢ ብምምፃእ ንዝተጎድኡ እናሓገዙ እንትኾኑ፡ ንዑደት ስራሕ ኣብ ጃፓን ዝርከቡ ፕረዚደንት ትራምፕ እውን ሓዘኖም ገሊፆም።

ኣብ ጃፓን ከምዚኦም ዝበሉ ገበናት ልሙዳት እኳ እንተዘይነበሩ፡ ካብ ቀረባ ግዘ ንነዘ ግን ብካራ መጥቃዕቲ ይፍፀም ኣሎ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2016፡ ኣብ መሐብሐቢ ሕሙማት ኣእሙሮ ዝነበሩ 19 ተሓብሐብቲ፡ ኣብቲ ማእኸል ይስርሕ ብዝነበረ ሰብ ብካራ ተወጊኦም እዮም።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ውልቀ ሰባት ድማ፡ "እዞም ሕሙማት ኣእሙሮ ክጠፍኡ ይግባእ" ብዝብል ነዚ ተግባር ከም ዝፈፀመ ገሊፁ።

ኣብ 2001 እውን ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት-ትምህርቲ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ካራ ሸሞንተ ተምሃሮ ተቐቲሎም እዮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት