ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም፡ ደብዳበ ካብ መራሒ ስርዓት ደርግ ነበር ናብ 'ህጻናት ኣምባ'

ኣባላት ማሐዕበር ህጻናት ኣምባ ምዓልቲ ልደት ኮሮኔል መንግስቲ ሃይለማርያም እናአኽበሩ Image copyright Amba Idir FB
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣባላት ማሐዕበር ህጻናት ኣምባ ምዓልቲ ልደት መንግስቲ ሃይለማርያም እናአኽበሩ

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ናብ ኣባላት ማሕበር 'ህጻናት ኣምባ' ደብዳበ ልኢኾም። እቲ ማሕበር ልደቶም ከኽብር'ዩ።

ህጻናት ኣምባ፡ ኣብ ግዜ ደርግ ብሰንኪ ኲናትን ካልእ ምኽንያትን ወለዶም ዝሰኣኑ ህጻናት ዝዓብዩሉ ዝነበረ ማእከል ኮይኑ፡ ደርግ ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት እቲ ማእከል ፈሪሱ እዩ።

ሎሚ ከኣ ኣባላት ማሕበር 'ህጻናት ኣምባ' መዓልቲ ልደት ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ንምኽባርን ምስጋና ንምቕራብን ከም ዝተዳለዉ፡ ኣካቢ እቲ ማሕበር ኣይተ ጆኒ መርጊያ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ቅድሚ ሕዚ ንልደት እቶም መራሒ ስርዓት ደርግ ብወግዒ ኣኽቢሮም ከም ዘይፈልጡ'ውን ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንኮሎኔል መንግስቱ ቃለ መሕትት ከግብር ናብ ዚምባብወ ዝኸደ ሓደ ኣባሎም ምንባሩ ዝዛረብ ኣይተ ጆኒ፡ ጥቡቕ ሓለዋ ስለዝግበረሎም ግን ክረኽቦም ተጸጊሙ ከም ዝነበረ ይሕብር።

ስሙ ዘይተገለጸ ኣባል 'ህጻናት ኣምባ'፡ ብሓዎምን ሓደ ዕባይ እቲ ማእከልን ብዘመቻቸውሉ ዕድል ንመንግስቱ ክረኽቦም ኪኢሉ።

ሽዑ እቲ ማሕበር ነዚ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ደብዳበ ጽሒፉ ክልእኸሎም ወሰነ። ኣብቲ ደብዳበ ከኣ መንግስቱ ዝተወለዱላ መዓልቲ ንኽሕብሩሎም ዝሓትት ሕቶ ኣቕረቡሎም።

"ኮሚቴ እቲ ማሕበር ዝጸሓፎ ደብዳበ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ የብሉን" ዝበለ ኣይተ ጆኒ፡ ካብ ውሉድ ናብ ኣቦ ዝጸሓፍ ዓይነት ትሕዝቶ ከም ዝነበሮ ሓቢሩ።

ብዛዕባ ኩነታት ጥዕንኦም፣ ድሕነቶም፣ ደቆምን ብምሕታት፡ ቤተሰባዊ ሰላምታ ዘቕረቡሉን መዓልቲ ልደቶም ዝሓተተሉን ምንባሩ ኣብሪሁ።

"መዓልቲ ልደቶም ዝሓተትናሉ ምኽንያት ንኽንዝክሮም ስለዝደለና ጥራሕ'ዩ" ኢሉ።

ምስቲ ደብዳበ ዝተፈላለዩ ህያባት ልኢኾምሎም።

መንግስቱ ብወገኖም፡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ከም ዝርከቡ፣ ሓሙሽተ ደቂ ደቆም ክርእዩ ምኽኣሎምን ኩሉ ግዘ ንሃገሮም ከም ዝናፍቑን ብምግላጽ፡ ዝተወለዱላ መዓልትን ዓመተ ምህርተን ዝገልጽ ደብዳበ ጽሒፎምሎም።

"ብኣቆጽጽራ ኢትዮጵያ 19 ግንቦት 1933 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊደ" ክብሉ ኣብቲ ደብዳበ ገሊጾም።

Image copyright Amba Idir FB
ናይ ምስሊ መግለጺ ደብዳበ መንግስቱ ሃይለማርያም

እቲ ማሕበር 'ቤት ጽሕፈት ኣለዎ'ዶ የብሉን?' ክብሉ ዝሓተቱ ኮሎኔል መንግስቱ፡ ካርታ ኣፍሪቃ ዘለዎ ሰዓት ብህያብ ልኢኾምሎም።

ኣብ ፈላማይ መጽሓፎም እውን 'ንቖልዑ ህጻናት ኣምባ፤ ሰናይ ንባብ' ዝብል ጽሑፍ ምስ ፌርምኦም ብምስፋር ሰዲዶም።

" ኣብ ዘመነ ስልጣኖም ዝተፈጸሙ ዘይጽቡቕ ተግባራት ኣለዉ፤ ጽቡቓት ስራሕቲ'ውን ግን ፈጺሞም እዮም" ዝብል ኣይተ ጆኒ፡ ኩሉ ስርሖም ብሕማቕ ጥራሕ ከም ዝተሰኣለ ይዛረብ።

ኣብ ግዜ ስልጣኖም ካብ ዝፈጸምዎም ዓበይቲ ተግባራት ሓደ፡ ምጥያሽ ማእከል ህጻናት ኣምባ ከም ዝኾነ ብምዝኽኻር፤ በዚ ምኽንያት መዓልቲ ልደቶም ንምኽባርን ምስጋና ንምቕራብን ከም ዝተዳለዉ ሓቢሩ።

እቲ ፕሮግራም ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 2 ሰነ 2011 ከም ዝካየድ'ውን ገሊጹ።

ኣብ ማእከል 'ህጻናት ኣምባ' ዝዓበዩ ቆልዑ ልዕሊ 7 ሽሕ ምንባሮምን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣባላት እቲ ማሕበር 600 ከም ዝበጽሑን ኣይተ ጆኒ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ማእከል፡ ሸዋ ክፍለ ሃገር ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ዝነበረ ክፋል ኢትዮጵያ፡ ኣላጌ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዝቖመ እዩ ነይሩ።

'ሰብለ ኣብዮት'፣ 'መስከረም ሁለት'፣ ኦጋዴን፣ ዘርኣይ ደረስን መንግስቱ ሃይለማርያምን ዝበሃሉ ሓሙሽተ መንደራት ነይሮምዎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ