ፖለቲካ ኤርትራ፡ መጸዋዕታ ኤርትራውያን ምሁራን ኣብ "ህሉው ኩነታት ሃገር"

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንኤርትራ ብዘይ ቅዋም ን28 ዓመታት መሪሕዋ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ 16 ኤርትራውያን ምሁራን "ኤርትራ፡ ህሉው ኩነታት ሃገር" ዘርእስቱ መጸዋዕታ ኣውጺኦም ነይሮም። እቲ ሰነድ ድማ፡ ብዛዕባ ዘየቋርጽ ፍልሰት ኤርትራውያን፣ ቁጠባዊ ድቀት፣ ትካላዊ ዕንወትን ማሕበራዊ ቅልውላዋትን ይዛረብ። ናይቲ እታ ሃገር ኣጋጢምዋ ዘሎ ጸገማት ቀንዲ ተሓታቲ ከኣ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ንሱ ዝመርሖ ሰርዓትን ምዃኑ ይጠቅስ።

እቲ ሰነድ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ስደት ብዝነብሩ ኤርትራውያን ምሁራንን ሰብ ሞያን ዝወጸ ኮይኑ፡ ቀንዲ ብድሆታት ኤርትራ ብምምልላይ መፍትሒታት ይኾኑ'ዮም ዝበሎም እማመታት ዘስፈረ'ዩ።

ንሳቶም ከም ዝብልዎ፡ ጠንቂ ናይዞም ጸገማት እዚኣቶም፡ መሪሕነት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምዃኑ፡ ንሱን መንግስቱን ካብ ስልጣን ክእለዩ ጸዊዖም።

ነዚ ንምግባር፡ ሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣንጻር እቲ ፕረዚደንት ዝለዓሉ ዜጋታት ብረቱ ከየቐንዕ ይምሕጸኑ።

ሓደ ካብቶም ኣብቲ ሰነድ ክታሞም ዘንበሩ ኤርትራውያን ምሁራትን ሞያውያንን ዝኾነ ሃብተኣብ የማነ፡ ብዛዕባ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ መጸዋዕታ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ኩነታት ሃገርና ገምጊምናስ፡ እቲ ጠንቂ ፈሊጥና እቲ መፍትሒ ዝመሰለና'ውን ብገምጋምና ንህዝብና ብምዝርጋሕ፡ ኣንፈትና ፈሊጥና ሓባሪ መገድና ከነስተውዕል ብዝብል'ዩ" ኢሉ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ክገብርዎ ዝጸንሑ ተቓውሞታት በቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝካየድ ዘሎ ናይ "ይኣክል" ጎስጓስ ተተባቢዖም ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝረአ ዝነበረ ዝሓየለ ተቓውሞታት ከስምዑ ይራኣዩ ኣለዉ።

"ንምዕባለ ኤርትራ ዘደኽድኹ ብዙሓት ረቛሒታት እኳ እንተለዉ፡ኣብ ዘተታትና ኣብ ኤርትራ እወታዊ ለውጢ ከይመጽእ ሓሊኾም ኣለዉ ኢልና ዘለለናዮም ረቛሒታት ግና እዞም ዝስዕቡ እዮም፥ ዝደስከለ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ኩነታት፡ ብኲራት ግዝኣተ-ሕጊን በርጌሳዊ ማሕበራትን፡ ምውሳንን ምድኻምን መንሰያትን ኣብ ሕብረተሰብና ሰፊኑ ዝርከብ ሕድሕድ ምትፍናን ምፍልላይን" ድሕሪ ምባል እቶም ምሁራን ዝርዝር ጉዳያት የልዕሉ።

በዓል መን'ዮም?

ስለምንታይ 16 ሰባት ጥራይ ፈሪመሙሉ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ ድማ፡ ኣባላት ናይቲ ጉጅለ ኩነታት ሃገሮም ዘሻቐሎምን ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ዝተፈላለየ ጾታ፡ ሃይማኖት፡ ሞያን ተመክሮን ዘለዎም ኮይኖም እቲ ክኸውን ኣለዎ ዝብልዎ ሓሳቦም ንምክፋል ዝገበርዎ 'ምበር ንዝኾነ ውድብ ከም ዘይውክል ኣቶ ሃብተኣብ ገሊጹ።

ነቲ መግለጺ ንምውጻእ ንንውሕ ዝበለ እዋን ክዘራረቡ ምጽንሖምን፡ ነቶም ኣብ መስርሕ ዘተኦም ዝተኸሰቱ ምዕባለታት'ውን ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ መጸዋዕታ ከም ዘውጽእዎ ሓቢሩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ኤርትራውያን ምሁራት በብወገኖም ከምዚ ዓይነት ሰነዳት ከውጽኡ ጸኒሐም'ዮም፡ እንተ ኾነ ግን ንሓሳቦም ብሓደ ተጠርኒፎም መሪሕ ተራ ዘይምጽዋቶም ዝሕመይሉ ጉዳይ'ዩ።

ገለ ካብቶም ኣብቲ ሰነድ ኣስማቶም ኣስፊሮም ዘለዉ፡ ሞያውያንን ተጣበቕትን፡ ሓላፊ ክፍሊ ታሪኽ ዩኒቨረሲቲ ኣስመራ ዝነበረን ኣብ ሓደ ናይ ኣውሮጳ ዩኒቨርሲቲ ዝሰርሕ ዘሎን ፕሮፌሰር ወልደልኡል ቀላቲን ፍሉጥ ናይ ተቛውሞ ጸሓፋይ ሳልሕ ዮኑስን ይርክብዎም።

ካብ ደቂ ኣንስትዮ'ውን፡ ተጣባቒቲ መሰላት ከዲጃ ዓሊ፡ ዶ/ር ሳራ ዑቕባይ፡ ወጅዳን ዑስማን፡ ቫነሳ ጸሃየ፡ ዶ/ር ኣስያ ዓብደልቃድርን ሳቢን መሓመድን ስማተን ስፊረን ኣለዋ።

ኣብ ጉዳይ ቅዋም 1997 እንታይ በሉ?

ብዛዕባ እቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ እማመ ድማ፡ ብዛዕብኡ ዘሎ ፍልልያት ኣብ ግምት ብምእታዉ ንቅዋም 1997 ኣብ መሰጋገሪ መድረኽ ጥራይ ከም ዝለዓለ ሕጋዊ ሰነድን መወከስን ክንርእዮን ክንጥቀመሉን ንእምም" ኢሎም።

ኣቶ ሃብተኣብ፡ ከም ዝብሎ እቲ እማመ "ማእከላይ" ሓሰብ ኮይኑ፡ ኩሉ ወገናት ክርዕመሉ ዝኽእል ኢሎም ዝሓሰብዎ ምዃኑን፡ እቲ ብደሞክራስያዊ መንገዲ ካብ ህዝቢ ዝምረጽ ባይቶ፡ ነቲ ቅዋም ከማሓይሾ ወይ ክኣብዮ ይኽእል'ዩ ይብል።

እቲ ናይ 1997 ቅዋም ጉዳይ ብዕቱብ ከም ዝተዘራረብሉን፡ ደሞክራስያዊ ፓለቲካዊ ስርዓት ኣብ ምትካል ክህሕግዝ ዝኽእል "ሓያላት ዓናቕጽ" ከም ዘለዎ፡ መሰረታዊ መሰላትን ሓርነታትን ዜጋታት ዘውሕስ ኮይኑ፡ ኣብ ምንዳፉ ብዙሕ ህዝቢ ዝተሳተፎን፡ ካብ ጉጅለ-15 ኣትሒዙ ክሳብ "ስርሒት ፎርቶ" ብዙሕ መስዋእቲ ዝተኸፍለሉ ምዃኑ ተገንዚብና ይብሉ።

"ብኣንጻሩ ድማ፡ ብዝሖም ዘየዕናዓቕ ኤርትራውያን፡ እዚ ቅዋም ክንደፍ ከሎ ኣይነበርናን ኣየሳተፈናን፡ ብህዝባዊ ግንባር ጥራይ ዝተነድፈ ቅዋም'ዩ፡ ንዓና ዘይውክል'ዩ፡ ትሕዝትኡ ብዘየገድስ ዝብሉ ኣለዉ"

ብዘይካ'ዚ፡ ከም ጉዳይ መሬት፣ ቋንቋ፣ ቅርጺ መንግስቲ ዝበሉ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዋም እዋን ሕቶታት ክለዓሉ ጸኒሐም'ዮም።

ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ደገ ዘለዉ ተቓውምቲ መንግስቲ ጀሚሮሞ ዘለዉ ናይ "ይኣክል" ምንቅስቓስ፡ ዝተፈላለዩ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓንቀጻት ናይቲ ቅዋም ከንብቡ ጀሚሮም ኣለዉ።

ብኩራትን ምድኻምን ትካላት ኣብ ኤርትራ

ኣብ ኤርትራ ትካላት ደሞክራሲ ከም ዘየለዉ፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ነበርን ተጣበቕቲን ይገልጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንትግባረ ቅዋም 1997 ምስ ኣድሓርሓረን፡ ድሒሩ'ውን ነቲ ንመሰጋገሪ ዝቖመ ሃገራዊ ባይቶ ካብ 2002 ጀሚሩ ምስ ኣፍረሶ፡ እቶም ክህነጹ ዝነበሮም ከም ኮሚሽን ማርጫ፡ ፓለቲካውያን ሰልፍታትኝ ሲቪካውያን ማሕበራትን ከይተወልዱ መኺኖም ተሪፎም።

ኣብ መስከረም 2001 ነተን ውልዶ ጋዜጣታት ብሕቲ ምስ ዓጸወንን ንኣባላተን ብማእሰርቲ ከም ዝስወሩ ድሕሪ ምግባሩን ድማ፡ ህላወ ናጻ ፕረስ ኣብታ ሃገር ኣኽቲሙ።

ኣቶ ሃብተኣብ የማነ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ኤርትራ ዝወጸ፡ ዳኛ ናይ መወዳእታ ይግባይ ሳማዒ ቤት ፍርዲ ኮይኑ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለ ኮይኑ፡ ኣብ ሓደ እዋን'ውን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ከም መምህር ሕጊ ኮይኑ ሰሪሑ ነይሩ።

ብዛዕባ ኩነታት ፍትሕን ፍርዳዊ ኣካልን ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ፡ ኣቶ ኢሳይያስ ንቀንዲ ስልጣንን ዕማምን ናይቲ ፍርዳዊ ኣካል ከም ዝመንጠሎ ብምጥቀስ፡ "ሓደ ጥዑይ ፓለቲካዊ ስርዓት ኣሎ ክበሃል እንተ ኾይኑ እቶም ቅዋማዊ ታካላት ዝበሃሉ ሕጊ ተማእዚዞም ብግቡእ ክሰርሑ ኣለዎም፡ ሓደ መንግስቲ ብዘይ እዚኦም መንግስቲ ኣይኮነን" ኢሉ።

"ባይቶ ዘይብሉ መንግስቲ፡ መንግስቲ ክበሃል ኣይከኣልን'ዩ። እቲ ኣነ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ፍርዳዊ ኣካል ዝበሃል'ውን ንባዕሉ ስልጣኑ ተሸራሪፉ ተሸራሪፉ፡ ንባዕሉ'ውን ስልጣንን መዝነት ናይ ዳያኑ [ዝእዝዝ] ሕጊ የለን ኣብ ኤርትራ" ይብል።

"ቀንዲ ስራሕ ቤት ፍርዲ'ኮ ናይ ዜጋታት ሰብኣውን ደሞክራስያዊ መሰላት ምሕላዉ'ዩ፡ ዋሕስ ናይ መሰል'ዩ፡ እንተ ኾነ ግን እቲ ዝዓበየ ስርሑ መንጢሎም" ፍሉይ ቤት ፍርዲ ዝበሃል መወከሲ ሕጊን ይግባይን ዘይብሉ ትካል ቆይሙ ድማ ንፍርዳዊ ኣካል ከም ዘዳኸሞ ላዕለዋይ ዳኛ ነበር ሃብትኣብ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ብድሐዕሪ'ኡ ኸኣ ስርሒታት [እዚታት ሰራዊት] ዝበሃላ መጺአን፡ ባዕለን ይኣስራ፡ ባዕለን ይኸሳ፡ ባዕለን ይኣስራ" ክብል ኩነታት ፍትሒ ኣብታ ሃገር ከም ዘንቆልቆለ ገሊጹ።

እተን ዘለዋ፡ ዞባዊ፡ ላዕለዋይን ይግባይ ሰማዒን ዝበሃላ ኣብያተ ፍርዲ ውልቃዊ ሲቪላዊ ጉዳያት ጥራይ ከም ዝሕጸራ ኮይነን'የን።

ዋላኳ ብዙሓት ሰብ ሞያ ሕጊ ዘበርከትሉ ኣብ 2015 ዝተሓትመ ገበናውን ሲቪላውን ሕግታት (ፐናል ኮድስ) ኣብ ግብሪ ከም ዘይወዓለ ኣቶ ሃብተኣብ ኣረዲኡ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ በቲ ኣብ 1957 ገበናዊ ሕግን ኣብ ሲቪላዊ ጉዳያት ድማ በቲ ናይ 1960 ኣብ ዘመነ ሃይለስለሰ ዝተሓትመ ሕግታት'ዩ እቲ ናይ ፍትሒ ኣካል ዝሰርሕ ዘሎ ይብል።