ኤርትራ፡ ንግደት ማርያም ደዓሪት ብድሙቕ ኩነታት ይኽበር ኣሎ

ነጋዶ ማርያም ደዓሪት Image copyright Getty Images

ዓመታዊ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ዝበዓል ንግደት ማርያም ደዓሪት ከረን፡ ሎሚ ብክብ ዝበለ ኣገባብ ይብዓል ከም ዘሎ፡ ካብ ማሕበር ሲታውያን፡ ኣባ ሃይሉ ሃይለማርያም ገብረ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መጠይቕ ሓቢሮም።

ማርያም ደዓሪት፡ ኣብ 1880፡ ብኣስራዚ እተሰርሐት ምስሊ ቅድስቲ ማርያም ምስ ደናግል ደቂ ፍቕሪ ከም ዝመጽአት ዝሓበሩ ኣባ ሃይሉ ንዓመትኡ ኣቡነ ቱቬ፡ ኣብዛ ካብ ከተማ ከረን ንሸነኽ ሰሜን ኣስታት ክልተ ኪሎ-ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ፡ ኣብ ጓንጓ ዓባይ ገረብ-ዱማ ባሪኾም ከምዘቐመጡዋ ይንገር።

ካብቲ እዋን ኣትሒዙ ከኣ ፈለማ ጓሶትን ሓረስቶትን እቲ ከባቢ፡ ቀጺሎም ነበርቲ ዞባ ዓንሰባ፡ ተኣምራትን ትንግርትን ማርያም ደዓሪት እናተነግረን እናተወርየን ምስ ከደ ከኣ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ብውዕውዕ ኣገባብ ካብ እትንገድ ነዊሕ ገይሩ ኣሎ።

ኣብዚ ሃይማኖታዊ ጽምብል ኣመንቲ ክርስትና ጥራሕ ዘይኮኑ፡ ብፍላይ ነበርቲ እቲ ከባቢ ህዝቢ ብሌንን ትግረን ኣስላሞም ይኹኑ ክርስትያኖም ሓቢሮም ከምዝጽምብሉዋ፡ ካህናትን ምእመናን እቲ ከባቢ ይሕብሩ።

ኣብዚ ጽምብል'ዚ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርን ወጻእን ከይተረፈ ዝመጽኡ ነጋድያን ሓቢሮም ይጽልዩን ይላለዩን።

ቅድሚ ኩናትን ወጥርን ኢትዮ-ኤርትራ፡ ብዙሓት ኣመንቲ ክርስትና ኢትዮጵያውያን ናብ ማርያም ደዓሪት ይነግዱ ምንባሮም ሰብ ዝኽሪ ይሕብሩ።

"ናይዚ ንግደት እዚ ትርጉም፡ ህዝቢ ናብ ኣምላኹ ክምለስን ሃይማኖቱን እምነቱን ከበርትዕ ዝሕግዝ እዩ" ዝበሉ ኣባ ሃይሉ ሃይለማርያም ገብረ እውን፡ እስላምን ክርስትያንን ሓቢሮም ዝውዕልሉ ዓቢ ንግደት ምዃኑ ሓቢሮም።

ማርያም ደዓሪት ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኣብ 29 ብግእዝ ከኣ ኣብ 21 ግንቦት ዓመታዊ ይበዓል።

Image copyright Getty Images

ንግደት ማርያም ደዓሪት፡ ካብ ዘቤታዊ ቱሪዝም ሰጊሩ፡ መስሕብ ዓለማውያን በጻሕቲ ንኽኸውን ምስ ዝስራሓሉ፡ ኣብ ቁጠባ ከተማ ከረንን ኣብ ቁጠባ ኤርትራን እወንታዊ ተራ ክህልዎ ከም ዝኽእል'ዮም ብዙሓት ዝጠቕሱ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት