ኣብ ክልል ጋምቤላ፡ ክልተ ተወለድቲ ትግራይ ተቐቲሎም

ጋምቤላ Image copyright Google

ኣብ ክልል ጋምቤላ፡ ክልተ ተወለድቲ ትግራይ ከም ዝተቐተሉን ኣስከሬን መወትቲ ናብ ትግራይ ከም ዝተልኣኸን ተገሊፁ።

ምንጭታት ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ፡ እቶም ትማሊ፡ ካብ ከተማ ጋምቤላ ኣስታት 25 ኪሎሜትር ርሒቓ ኣብ ትርከባ ወረዳ ኣቦል፡ ብጥይት ዝተቐተሉ ተወለድቲ ትግራይ፡ ኣብታ ከተማ ንኣስታት 5 ዓመታት ባጃጅ እናዘወሩ ይመሓደሩ ዝነበሩ እዮም።

ብሰሉስ እዚ ቅትለት ምስ ኣጋጠመ፤ ኣብታ ከተማ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ብምውሳድ ምርመራ ኣስከሬን ከም ዝተገበረ ዝገለፁ ስሞም ክግለፅ ዘይደለዩ ውልቀሰብ፡ ኣስከሬን እቶም መወትቲ ረቡዕ ንጉሆ ናብ ትግራይ ከም ዝተልኣኸ ሓቢሮም።

"ሬሰኦም ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ናብ ትግራይ ተላኢኹ ኣሎ። እቲ ሓደ መዋቲ ካብ ዙርያ ከተማ መቐለ፡ እቲ ካልእ ድማ ካብ ከተማ ሽረ እዩ" ኢሎም።

ምኽንያት እቲ ቅትለት ንፁር ከም ዘይኮነ ዝገለፁ ምንጭና፡ እቶም መወትቲ ከም ወትሩ ኣብ ስራሕ ነይሮም ናብ ከተማ እንትምለሱ ድንገት ከምዝተቐተሉን ነዚ ተግባር ዝፈፀመ ኣካል መን ክኸውን ከም ዝኽእል ከም ዘይፍለጥ'ውን ሓቢሮም።

"ሸፋቱ ድዮም ወይስ ካልኦት እዮም ቀቲሎሞም፡ ዝተፈለጠ ነገር የለን። እቲ ዝሰርሕሉ ከባቢ ካብታ ከተማ ውፅእ ዝበለ እዩ፤ ብናይ ባዕሎም ባጃጅ ገይሮም ቆልዑ እዮም ዘመላልሱ። እቲ ከባቢ ኣፀጋሚ እዩ" ዝበሉና ነባሪ ከተማ ጋምቤላ፡ በዚ ዝተቖጥዑ ካልኦት ሰብ ባጃጅ ኣድማ ስራሕ ከምዝገበሩ ገሊፆም።

"ህዝቢ እቲ ኩነታት ንክፃረይ ስለዝሓተተ፡ ኣባላት ፀጥታን ዝምልከቶም ኣካላትን ምርመራ ኣስከሬን ናብ ዝግበረሉ ዝነበረ ሆስፒታል መፅዮም፡ ነዚ ኩነታት ከምዘፃርይዎ ነጊሮምና" ኢሎም።

"ናይ ክልቲኦም ሬሳ ሎሚ መዓልቲ ብነፋሪት ተላኢኹ ኣሎ። እቲ ሓደ ናብ መቐለ እቲ ካልኣይ ድማ ናብ ሽረ። ብርግፅ እቲ ካልአዋይ መዋቲ ኣቡኡ ትግራዋይ ኣይኮነን፡ ግን ኣሕዋቱ ኣብ ሽረ ኣለዉ፡ ኣብ ሽረ እዩ ዝነብር ነይሩ" ኢሎም።

ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ናብ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ጋምቤላ ቴሌፎን ደዊሉ እዩ።

ኣብ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ጋምቤላ፡ ኣባል ክፍሊ መረዳእታ ዝኾኑ ኣይተ ኣልቢኖ ዶክ ሊዩ፡ እቲ ቅትለት ከምዝተፈጸመ አረጋጊጾም። ምኽንያት መቕተሊኦም ከምዘይፍለጥን ይፃረይ ከምዘሎን ሓቢሮም።

ቀተልቲ ክሳብ ሕዚ ኣብ ቀይዲ ከምዘይኣተዉ ዝገለፁ ኣይተ ኣልቢኖ ዶክ ሊዩ፡ "መወትቲ ብዝተተኮሰ ጥይት ከምዝተቐተሉን፡ ሬስኦም ናብ ክልሎም ከምዝለኣኸን" ንቢቢሲ ኣረጋጊፆም።

ቅድሚ ሕዚ ኣብቲ ከባቢ ተመሳሳሊ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ተወላዲ ከምባታ ከምዝተፈፀመ'ውን እቶም ሓላፊ ይገልጹ።

ምኽንያት እቲ ቅትለት "ብሄር ተኮር" ይኹን ኣይኹን ኣየዕተረጋገጸን ይብሉ- ኣይተ ኣልቢኖ ዶክ ሊዩ።

"እቲ ቅትለት ብሄር ተኮር እዩ ንምባል ይኸብድ እዩ። ካልእ ምኽንያት እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ ከባቢ ብዙሕ ፀገም እዩ ዘሎ። ምስ ናይ ሕርሻ መሬት ተኣሳሲሩ ቅትለትን ስርቅን ይፍፀም እዩ" ኢሎም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት