ኤርትራ፡ ካብ ዝርዝር ግብረ-ሽበራ ምውጽኣ ብሓጎስ ተቐቢላቶ

ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል Image copyright Mary Harper

ኤርትራ ካብ መዝገብ ናይተን ግብረሽበራ ዝድግፋ ተባሂለን ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝጥቀና ሃገራት ምውጻኣ ብሓጎስ ከም እትቕበሎ መንግስቲ ኤርትራ ኣፍሊጡ።

እታ ሃገር ኣብቲ መዝገብ ምስፋራ ብቐደሙ'ውን ግጉይ ምዃኑን፡ እንተኾነ ግን ዋላኳ እንተ ደንጎየ ሕጂ እቲ ውሳነ ምውሳዱ ቅኑዕ ምዃኑ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ኣብተን ዝሓለፋ ዓሰርተታት ዓመታት ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ግብረሽበራ ዝነበራ ተራ ዝድነቕ'ዩ" ይብል እቲ ሚኒስተር።

ኤርትራ " ኣብቲ ኣንጻር ግብረሽበራ ዝግበር ዝነበረ ጻዕርታት ምሉእ ብምሉእ ኣይተሓባበረትን" ተባሂላ'ያ ኣብ ግንቦት 2017 ኣብቲ መዝገብ ሰፊራ። መሰረት ናይቲ ውሳነ ድማ፡ ኤርትራ፡ ነቲ ኣመሪካ ኣሸባሪ ጉጅለ ኢላ ዝፈረደቶ ሶማላዊ ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ትድግፍ ብዝብል'ዩ።

ኣብ 2009 ኤርትራ ነቲ ጉጅለ ናይ ኣጽዋርን ካልእ ደገፋትን ትብረሉ'ያ ብዝበል ክሲ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊኣ ናይ ኣጽዋር እገዳ ኣንቢሩ ነይሩ።

እቲ እገዳ፡ ምድስካል ኣብ ናይ ወጻኢ ባንክታት ዘሎ ሃብቲ ላዕለዎት ሰብስልጣን መንግስቲ ኤርትራ'ውን ዘጠቓለለ'ዩ።

እቲ እገዳ ብድፊኢት ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተነብረ ምዃኑ'ውን ይግለጽ'ዩ።

ኣብ ሕዳር 2018 ግና እቲ ባይቶ ኤርትራ ነቲ ጉጅለ ከም እትድግፍ ሓበሬታ ብዘይምርካቡ፡ እቲ እገዳ ከም ዘልዓሎ ይዝከር።

እቲ እገዳ ቅድሚ ምልዓሉ ኤርትራ ምስታ ን20 ዓመታት ክትተሃላለኻ ዝጸንሐት ኢትዮጵያ ዕርቀ-ሰላም ድሕሪ ምፍራማ፡ ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ እገዳ ክለዓል ብወግዒ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቲቱ።

ከም በዓል ሶማልያ ዝበላ ጎረባብቲ ሃገራት'ውን እንተኾነ እቲ እገዳ ክለዓል ደገፈን ገሊጸን'የን።

ኤርትራ፡ ገና ብዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ መሰላት ወዲ ሰብ ኣብ ትሕቲ ጨቋኒ ስርዓት እትመሓደር ሃገር ምዃናን፡ ፓለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታትን ተኸተልቲ ገለ ሃይማኖታትን ብዘይፍርዲ ዝእሰሩላን ሃገር ተባሂላ ትንቀፍ።

ተወሳኺ ዛንታ