ሶማሊላድን ፑንትላንድን ከም 'ሃገራት' ምርቆሐን ንሶማሊያውያን ኣቖጢዑ

ዝርዝር ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዝካየደለን Image copyright MoFA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ድረ-ገጽ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝሰፈረ ዝርዝር ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዝካየደለን ሃገራት

ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ከም ዝወጽአ ዝንገረሉን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝሰፈረን ዲፕሎማስያዊ ርክባት መረዳእታ ውሽጢ 'ሃገራት' ኣብ ትሕቲ ዝብል ስም ዝርዝር ሶማሊላንድን ፑንትላንድን ነብሰን ዝኽኣላ ሃገራት ከም ዝኾና ይጠቅስ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ሚኒስትሪ ሰፊሩ ዝነበረን መንግስቲ ይቕሬታ ዝሓተተሉን ካርታ፡ ንሶማልያ ከም ግዝኣት ኢትዮጵያ ገይሩ ዘቐመጠን ብኣንጻሩ፡ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ዘስፈረ ነይሩ።

ብተወሳኺ ንሱዳንን ንደቡብ ሱዳንን ኣብ ሓደ ዝገበረን፡ ንርፓብሊክ ኮንጎን ንዲሞክራስያዊት ሪፓፕሊክ ኮንጎ'ውን ከም ሓንቲ ሃገር ዘስፈረ ካርታ እዩ።

ሕጂ ክትዕ ኣልዒሉ ዘሎ ጉዳይ ክልቲአን ግዝኣታት ሶማሊያ፡ ዝኾና ሶማሊላንድን ፑንትላንድ ኣብ ዝርዝር ሃገራት ምርቁሑ እዩ።

እዚ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝሰፈረ መረዳእታ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበሉ ተወለድቲ ሶማልያ ቁጠዐ ፈጢሩ እዩ።

ካብ መንጎ እዚኦም፡ ቅድም ክብሉ ሚኒስትር እታ ሃገር ዝነበሩን ሕዚ ድማ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ሓላፊ ዝኾኑ ዓብዲ ዓይኔት ይርከቡዎም።

"እቲ ናይ መጀመርታ ብስሕተት እዩ እንተኢሎም እዚ ናይ ሐዚኸ እንታይ ክብሉ እዮም?" ዝብል ሕቶ ኣብ ትዊተር ገጾም ብቋንቋ ሶማልኛ ኣስፊሮም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ነበር የሱፍ ጋራድ ብወገኖም፡ "መንግስትና እቲ ካርታ ብዝምልከት ስቕታ ከምዝመረጸ ኣብዚ ጉዳይ'ውን ሱቕ ኢሉ ክሓልፎ የብሉን" ኢሎም።

ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ሶማሊያ'ውን፡ ኣብ ማሕበራዊ ድረገጻት ቑጥዕኦም ይገልጹ ኣለው።

እዚ ጉዳይ ብዝምልከት ርእይቶ ክህቡና ዘዘራረብናዮም ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣይተ ነብያት ጌታቸው፡ ኢትዯጵያ ሶማሊላንድን ፑንትላንድን ከም ሓደ ክልል ፌዴራል ሶማልያ ከም ዝቖጽርወን ተዛሪቦም።

እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ሚኒስትሪ ሰፊሩ ዝተብሃለ መረዳእታ ብዛዕባ ዝግበሩ ዲፕሎማስያዊ ርክባት እምበር ዝርዝር ናይ ሃገራት ኣይኮነን ኢሎም።

ይኹን'ምበር እተን ሃገራት ኣብ ትሕቲ 'ሃገራት' ዝብል ሰፊረን ይርከባ። ኣይተ ነብያት ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ብርክት ዝበሉ ጌጋታት ከም ዝተሰርሐ ኣሚኖም ናይ ምእራም ስራሕቲ ከም ዝግበር ተዛሪቦም።

ኢትዯጵያ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማሊያ ጥራሕ ኤምባሲ ዘለዋ እንትኾን፡ ኣብ ሃርጌሳ (ሶማሊላንድ)ን ፑንትላንድን ረብሓኣ እትሕልወሉ ቆንጽላ ጀኔራል ከም ዘለዋ ኣቶ ነብያት ገሊጾም።

ቅድም ክብል ዝወጽአ ካርታ ኾነ እቲ ሐዚ ሰፊሩ ዘሎ ግጉይ መረዳእታ መበገሲኡ ካበይ ከም ዝኾነ ናይ ምጽራዕ ስራሕቲ ይስራሕሎ ምህላው'ውን ሓቢሩ።

ሶማሊላንድ ብ1991፡ ፑንትላንድ ድማ ብ1998 ዓረሰን ነጻ ሃገር ኢለን እንተኣወጃ'ኳ ዛጊድ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ኣይረኸባን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ