ንኑስራት ራሃን ብደዋ ዘቃጸልዋ 16 ጥርጡራት ክሲ ተመስሪትዎም

ኑስራት ጃሃን Image copyright family handout
ናይ ምስሊ መግለጺ ንኑስራት ላምባ ረብሪቦም ኣብ ናሕሲ ቤትትምህርቲ ብሓዊ ኣቃጺሎምዋ

ኣብ ባንግላደሽ፡ ሓንቲ መንእሰይ፡ ብርእሰ መምህር ናይቲ ትመሃረሉ ቤት ትምህርቲ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ይበጽሓ ከም ዘሎ ብምኽሳሳ ብሓዊ ኣቃጺሎም ከም ዝቐተልዋ ዝተጠርጠሩ 16 ሰባት ክሲ ተመስሪትዎም።

ነታ ጓል 19 ዓመት ኑስራት ጃሃን ራፊ፡ ብላምባ ድሕሪ ምጥልቃይ፡ ኣብ ናሕሲ ናይቲ ትመሃረሉ ዝነበረት እስላማዊ ቤት ትምህርቲ እዮም ብሓዊ ኣቃጺሎምዋ።

ሓደ ካብቶም ተኸሲሶም ዘለው፡ ርእሰ መምህር ናይቲ ቤት ትምህርቲ፡ ስራጅ ኡድ ዶውላ እዩ።

ኑስራት ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰራጅ ዝመስረተቶ ክሲ፡ ምስሓብ ምስ ኣበየት፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ክትቅተል ከም ዝኣዘዘ ፖሊስ ይገልጽ።

ፖሊስ ወሲኹ፡ እቲ ንምቕታላ ዝተገብረ ምድላዋት ከም "ወትሃደራዊ ትልሚ" ምንባሩ ሓቢሩ።

እቲ ጉዳይ ኣብ ባንግላደሽ ዓቢይ ተቃውሞ ዘለዓዓለ ኮይኑ፡ ኣብታ ሃገር ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ክሳብ ክንደይ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ምዃኖም ከም ዘርእይ ይግለጽ።

ኑስራት እቲ ርእሰ መምህር ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝገበረላ ምስ ከሰሰት ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት እዩ ስራጅ ናብ ቀይዲ ኣትዩ።

ኑስራት ሚያዝያ 6 ናይ መዛዘዊ ፈተና ንምውሳድ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ምስ ከደት፡ ገለ ሰባት ኣቀባጢሮም ናብ ናሕሲ ድሕሪ ምውሳድ፡ ቡርካ [ምሉእ ኣካላትካ ዝሽፍን ክዳን] ዝተኸድኑ ሰባት ብሓዊ ከም ዘቃጸልዋ ይዝረብ።

ርእሰ ቅትለት ክመስል እዮም ወጢኖም ነይሮም ይብል ፖሊስ፡ እንተኾነ ግና እታ 80% ኣካላታ ብሓዊ ዝተቓጸለ ኑስራት ቅድሚ ምምዋታ ቃል ክትህብ ክኢላ ነይራ።

ፖሊስ ናይታ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ዳካ፡ ከባቢ 160 ኪሜ ርሒቃ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ፈኒ፡ ብረቡዕ ኣብ ልዕሊ 16 ጥርጡራት ክሲ መስሪቱ ኣሎ።

ካብቶም ክሲ ዝተመስረቶም፡ ተማሃሮ ናይቲ ማድራሳን ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ጉሉሕ ተራ ዝነበሮም ክልተ ፖለቲከኛታት ይርከቡ።

መርመርቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ተኸሰስቲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ክውሰድ ይጠልቡ። እቲ ርእሰ መምህር፡ ነቲ መቕተልቲ ምእዛዙ ኣብ ቤትፍ ርዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ከም ዝተኣመነ ፖሊስ ሓቢሩ።

ብሓፈሻ 12 ካብቶም ጥርጡራት ናይ እማን-ቃል ከም ዝሃቡ ድማ ይገልጽ። እቶም ክልተ ፖለቲከኛታት ግና ዛጊት ብዝኾነ መንገዲ ኢድ ከም ዘለዎም ኣይተኣመኑን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ባንግላደሽ ሸይክ ሃሲና ድሕሪ እቲ ፍጻመ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ መቕተልቲ ኢድ ዘለዎም ኩላቶም ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ምኸርቡ ምዃኖም ተዛሪቡ ነይሩ።