ኣካያዲ ስራሕ ኩባንያ ቦይንግ ንስድራ መወትቲ ይቕረታ ሓቲቱ

ኃላፊ ቦይንግ ዴኒስ ሙይንበርግ Image copyright CBS NEWS

ኣካያዲ ስራሕ ኩባንያ ቦይንግ ዴኒስ ሙይንበርግ ምስ ሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ንስድራቤት ብሓደጋታት ነፈርቲ ህይወቶም ዝሓለፈ ውልቀሰባት ይቕረታ ሓቲቱ። እቲ ሓላፊ ቅድሚ ሕጂ'ውን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ይቕረታ ዝሓተተ ኮይኑ፤ እዚ ካልኣዩ እዩ።

ዋንነነታ ናይ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ነፋሪት፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ድሕሪ ምውዳቓ፡ ድሕሪ ገለ ሰሙናት፡ እቲ ሓላፊ ብስም ቦይንግ ይቕረታ እኳ እንተሓተተ፡ ንኣብራሪ እታ ነፋሪት፡ ካፒተን ያሬድ ጌታቸው ኣቦኡ፡ እቲ ይቕረታ ደንጉዩ ኢሎም ነይሮም።

እቲ ሓላፊ ምስ ሲቢኤስ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት "እቶም ዘጋጠሙ ሓደጋታት ኣሕዚኖምና እዮም" ኢሉ።

ኢቲ 302 ቦይንግ 737 ማክስ ብዝጋጠማ ሓደጋ፤ 157 ሰባት ምምዋቶም ይዝከር። ቅድሚ እዚ ሓደጋ ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ፤ ዋንነት መንገዲ ኣየር ላየን ዝኾነ ነፋሪት ብምውዳቓ፡ 189 ሰባት ሞይቶም እዮም።

ዴኒስ ሙይንበርግ "ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ኩነታት ይቕረታ ንሓትት። ኣብ ክልቲኡ ሓደጋታት ህይወት ሰባት ብምጥፍኡ'ውን ይቕረታ ንሓትት" ኢሉ።

ወሲኹ'ውን "እቲ ዘጋጠመ ኩነታት ከም ሓላፊ እቲ ትካል፡ ቀጥታዊ ጸቕጢ ኣሕዲሩለይ ኣሎ" ክብል ተሰሚዑ።

"ኣብ ቦይንግ ካብ ዝጸናሕኩሉ 34 ዓመታት እቲ ዝኸበደ ሽግር ዘጋጠመኒ እዚ እዩ። ነቲ ዘጋጠመ ምቕያር ዝከኣል እኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ቀጻሊ ንውሕስነት ዝለዓለ ኣድህቦ ክንህብ ኢና" ኢሉ።

"ንመጻኢ'ውን ውሕስነቱ ዘተኣማምን" ከም ዝኸውን ንኤስቢኤስ ኒውስ ተዛሪቡ። ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ኣብ ኢትዮጵያን ኢንዶኔዥያን ድሕሪ ምውዳቖም፡ እቲ ሓላፊ ቃለ መሕትት ክገብር እዚ ናይ ፈለማ እዩ።

ዴኒስ ሙይንበርግ፡ ንመቕርብ ግዳያት እቲ ሓደጋታት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብነፈርቲ ንዝጓዓዙ ሰባት ብሓፈሻ ይቕረታ ሓቲቱ ኣሎ።

ቦይንግ ኪንዮ ሓላፍነት ምውሳድ ኣድላዩ ምምሕያሻት ክገብር ምዃኑ'ውን ገሊጹ።