ፌስ ቡክ፡ ማርክ ዙከርበርግ ካብ ሓላፍነቱ ክለዓል ክሕተት ከምዝኽእል ተገሊጹ

ማርክ ዙከርበርግ Image copyright Reuters

ዓመታዊ ጉባኤ ፌስቡክ ሎሚ መዓልቲ ክካየድ እዩ። ማርክ ዙከርበርግ ካብ ሓላፍነት እቲ ኩባንያ ማሕበራዊ መራኸቢ ክለዓል ዘኽእል ምርጫ ክካየድ ትጽቢት ይግበር።

ማርክ ዙከርበርግ ናይ ፌስቡክ ኣመሓዳሪን ሓላፊ ዳይክተራት ቦርድን ኮይኑ እናሰርሐ ይርከብ። ካብ ሓላፍነቱ ክለዓል ዝደልዩ ኣካላት ድማ ማርክ ኣብ ምምሕዳራዊ ስራሕቲ ጥራሕ ከተኩር ይጥልቡ።

ማርክ 60 ሚኢታዊት ብጽሒት እቲ ትካል ስለዝውንን፡ ኣብቲ ምርጫ ክሰዓር ዝኽእለሉ ኣጋጣሚ ዝጸበበ እዩ።

ኮይኑ ግና ካልኦት ኣብቲ ትካል ብጽሒት ዘለዎም ኣካላት፤ ብዛዕባ ክእለት መሪሕነት ማርክ እንታይ ከም ዝሓስቡ ዝረኣየሉ ምርጫ ከም ዝኸውን ይእመን።

ካብቶም ማርክ ካብ መዝነቱ ክለዓል ዝደልዩ፡ ኣብ ፌስቡክ ከባቢ ሸውዓተ ቢልዮን ብጽሒት ዘለዎ 'ትሪለም ኣሴት ማነጅመንት' ይርከቦም።

ምክልት ፕረዚደንት 'ትሪለም ኣሴት ማነጅመንት' ከም ዝገለጾ፤ ሐዚ ማርክ ኣብ ክልተ ስራሕ እዩ ተጸሚዱ ዘሎ። ኣብ ናይቲ ትካል ምምሕዳራዊ ስራሕቲ ጥራሕ ብምድሃብ፡ እቲ ናይ ቦርድ ሓላፍነት ብኻሊእ ሰብ ክሽፈን ኣለዎ።

ከም ኣብነት ዘልዐሎ ቢልጌትስ፡ ናይ ማይክሮ ሶፍት ፈጣሪ እምበር ናይ ቦርድ ሓላፊ ዘይ ምዃኑ እዩ። ማርክ 'ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ እንተወሲዱ፡ ንሱን ካልኦት ኣብቲ ትካል ብጽሒት ዘለዎም ኣካላትን ተጠቀምቲ ከም ዝኾኑ ተዛሪቡ።

ኣብዚ ዝሓዝናዮ ወርሒ ማርክ ካብ ፌስቡክ ሓላፍነቱ ክለዓል፡ ብሓላፊ ድሕነት ፌስቡክ ኣሊክስ ስታሞስ ተሓቲቱ እዩ። ማርክ ኣብ ፌስቡክ '' ሓያል ስልጣን ኣለዎ'' ኢሉ ነይሩ።

ቅድሚ ሐዚ ማርክ ኣብቲ ናይ ምምሕዳር ቦታ ምቕማጡ ልክዕ ከም ዝኾነ ተዛሪቡ ነይሩ። ከም ፌስቡክ ዓይነት ፍሉይ ትካል ጸገማት ከጋጥምዎ ባህርያዊ ምዃኑ'ውን ገሊጹ።

ተወሳኺ ዛንታ