ኤርትራ፡ ንኣስመራ ኣስመራ ዝገበረ ህንጻ

ከተማ ኣስመራ Image copyright Getty Images

መጻሕፍትን መጽሔታትን ታሪኽ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ምስ እንገናጽል እነንብቦም መሰጥቲ ዛንታታት ብቐሊሉ ኣብ ኵሉ ክዝርግሑ እንተዝኽእሉ ኣንበብቲ ብዙሕ ክምሃሩ ምኽኣሉ።

ኣንባቢ ዘለዎ ኩነታት ንምምዛን ሃለዋቱ ምስ ሕሉፍ ብምንጽጻር ዓሚቝ ኣስተብህሎን ትዕዝብትን ክድልብ ይኽእል'ዩ ዝብሉ ተመራመርቲ ታሪኽ ኣሎዉ።

ታሪኽና ገጸ-ባህሪና'ዩ፣ ህንጻ ካቴድራለ ድማ ኣብ ታሪኽና እቱው ጥራይ ዘይኰነስ ሓደ ካብ ኣርማታት ኤርትራ'ዩ። ኰይኑ ድማ ሓደ ተራ ኤርትራዊ ንካቴድራለ ከም ሓወልቲ'ምበር ከም ቤት-መቕደስ ገይሩ ኣይርእያን።

ርግጽ'ዩ ህላወ ካቴድራለ ንኣመንቲ ካቶሊክ ፍሉይ ትርጕም ኣሎዎ። ንሕጂ ግን ኣብቲ መንፈሳዊ ዘይኰነስ ኣብ ታሪኻዊ ትርጕም ህላዌ ካቴድራለ ነትኵር።

ኣብ ስሳታት ዝዓበዩ ኤርትራውያን ንካቴድራለ ብብዙሕ ነገራት'ዮም ዝዝክርዋ። ካብ'ቶም ሓሓሊፍና ዘዛረብናዮም ሰባት ዝተፈላለዩ መልስታት ክንእክብ ከኣልና።

ገሊኦም "ብቖልዑትና ሰንበተ-ሰንበት ኣብ ካቴድራለ ሲነማ ክንርኢ ንኸይድ ኔርና፡ እኳ ድኣ ብጥርሑ" ኢሎም የዘንትዉ፣ ካልኦት ከኣ "ኣብ ቅነ ልደት ኣብ ኣፍደገ ካቴድራለ ዝካየድ ዝነበረ ሸተኽ-መተኽ ይዝከረና" ይብሉ።

"ካብ ቤት ንባብ ካቴድራለ መጻሕፍቲ ክልቃሕ እዝከረኒ" ዝበለ'ውን ነይሩ። እቶም ዝበዝሑ ግን ንክዛወሩ በቲ ኣፍደገ ካቴድራለ ሸናዕ እናበሉ ይሓልፉ ከም ዝነበሩ ይዝከሮም።

ጸብጻብ ኣባ ሃብተማርያም ዓድዑመር

ኣባ ሃብተማሪያም ዓድዑመር ዝተባህሉ ካህን፡ ካብ ማሕበር ካፑቺን፡ ዘቕረብዎ ታሪኽ ካቶሎካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ መሰረት ብምግባር እቲ ምምሕዳር ቤተ ክርስትያን ከመይ ኢሉ ካብ "ሃዋርያዊ መስተናብርነት" ናብ "ሃዋርያዊ ህየንተ መንበረ ጵጵስና" ከም ዝተሰጋገረ ክንርዳእ ንኽእል።

እቲ ጽሑፍ ኣብ "ዝኽሪ መንፈሳዊ መበቈልና" ዚበሃል መጽሓፍ ይርከብ። እቲ ዘቕረብዎ ታሪኽ ኣብ 1910'ታት ምዕባሌ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ ብጥንቃቐ ይገልጽ።

ኣብቲ እዋን'ቲ ብጻዕሪ ኣባ ሚካኤል ድ-ካርቦናራ ቍጽሪ ኣብያተ ክርስትያን ካቶሊክ ኣብ ኤርትራ 42 በጺሑ ከም ዝነበረ ይገልጹ። እተን ዝበዝሓ ኣብያተ-ክርስትያን ካቶሊክ ኣብ ከባቢ ኣከለጉዛይ እየን ተሃኒጸን።

እቲ ጸብጻብ ግን ጣልያን ከመይ ኢሉ ኣብ ኤርትራ ከም ዝኣተወ ኣየዘንቱን፣ ጽልዋ ጣልያን ምስ ምትእትታው ሃይማኖት ካቶሊክ ብኸመይ ከም ዝተኣሳሰር ኣይገልጽን፣ ምስቲ ዕብየት ቤተ-ክርስትያን ዳርጋ ዝተኣሳሰር ድሕረ-ባይታ ዝተበርጀነ ዉዕል ዉጫሌን ዉግእ ዓድዋን ሳዕቤናቱን'ውን ኣይትንክፍን።

ባህታ ሓጎስ፡ ንኣብነት፡ ኣብ'ቲ እዋን'ቲ ኣብ ኣከለጉዛይ ብዝፈጠርዎ ምልዕዓል ብሰራዊት ጣልያን ከም ዝተቐትሉ እንተ ዚጥቀስ ነቲ ዝቐረበ ጽሑፍ ታሪኻዊ ባይታን ምንጻፍን ማእለማን ምዀኖ።

ንካቴድራለ መን ሃነጻ?

እቲ ኣባ ሃብተማርያም ዘቕረብዎ ጽሑፍ ኣብ ኣቡነ ካሚሎ ካራራ ዝተባህሉ ራእይተኛ ካህን ኣትኲሩ ሓተታ የቕርብ። ኣቡነ ካራራ ንካቴድራል ኣስመራ ብምህናጽ ዓቢ ታሪኽ ዝገደፉ ኢጣልያዊ ኣቡን'ዮም።

ኣቡነ ካራራ ኣብ በርጋሞ (ኢጣልያ) ብ 14 መጋቢት 1871 ዝተወልዱ፡ ኣብ 16 ዕድሚኦም ኣብ ማሕበር ካፑቺን ኣትዮም ልብሰ-ምንኵስና ዝለበሱ ትኵርን ፍሉይ ናይ ምሕደራ ክእለትን ዝነበሮም ሰብ'ዮም። ኣብ 23 ዕድሚኦም ድማ መዓርገ ክህነት ተቐበሉ።

እቲ ብዛዕባ ኣቡነ ካራራ ዝቐረበ ሓተታ "ኣብ ሞንጎ ደቂ-ማሕበሮም ሓድሽ ናይ ሃዋርያዊ ስራሕ ከም ዘተኣታተዉ፣ ኣብ ስነ-መዕበያ ማሕበር መንእሰያት ተዀስኰስቲ ክሳዕ ዩኒቨርሲቲ ዝመሃርሉ ማዕጾ ከም ዝኸፈቱ፣ ኣብያተ-መጻሕፍቲ'ውን ብዓይነትን ብኣሃዝን ከም ዝብርክቱ ዝገበሩ" እናበለ ብኣድቖት ይገልጽ።

ኣቡነ ካራራ፡ ቅድሚ ንኤርትራ ምውራዶም፡ ኣብ ሚላኖ ሓንቲ ጽብቕቲ ቤተ-ክርስትያን - 'ቅዱስ ልቢ' (Sacro Cuore) እትበሃል - ኣስሪሖም ነይሮም'ዮም።

Image copyright ኣባ ሃብተማርያም

ኣብ'ቲ እዋን'ቲ መንግስቲ ጣልያን ኣብ ስርሓት ሃይማኖት ኢድ ከም ዝነበሮ ካብ'ቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሃዋህው ክንርዳእ ንኽእል።

'ተልእኾ ኣቡነ ካራራ ኣብ ፍጹም ሓልዮት ኤርትራ ዝተመርኰሰ ዶዀን ነይሩ ይኸውን?' ኢልና ክንሓትት ይከኣል'ዩ። ግናኸ ካብ'ቲ ኣባ ሃብተማርያም ዘቕረብዎ ጸብጻብ ክንርድኦ ከም ዝኸኣልና "ኣቡነ ካራራ እቲ ሓዋርያዊ ስራሕ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንኸብጽሕዎ በቒዖም'ዮም"።

ርግጽ'ዩ፡ እቲ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ኣብ ኤርትራ ኣብያተ ክርስትያናት ብምስራሕ ጥራሕ ዘይኰነስ ዘርኣ-ክህነት፡ ከምኡ'ውን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ'ንስትዮን ዝመሃሩሎም ብርክት ዝበሉ ኣብያተ-ትምህርትታትን መዕበያ ዘኻትም ንከም ዜስርሐን የመሓድርን ከም ዝነበረን ዘይክሓድ ሓቂ'ዩ።

ኣቡነ ካራራ ካብ ሊቀ-ጳጳስ ሚላኖ ማዕርግ ኣቡን ተቐቢሎም፡ ምስ ርእሰ ሊቀ-ጳጳሳት (ፒዮስ 10ይ)፡ ከምኡ'ውን ምስ ንጉስ ቪቶርዮ ኢማንወለ 3ይ ድሕሪ ምርኻቦም ንኤርትራ ምስ ዓሰራይ ርእሶም ብ 19 መጋቢት 1911 ተበገሱ።

ኣብ ኣስመራ ምስ በጽሑ ብዘይ ውዓል ሕደር ንሽድሽተ ኣዋርሕ ኣበዮ ስፍራታት ካቶሊክ ብምጕዓዝ ዓሚቝ መጽናዕቲ ኣካየዱ፣ ጸብጻቦም ከኣ ናብ ቅድስቲ መንበር (ዓዲ ጣልያን) ለኣኽዎ።

እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ኤርትራ ቍጽሪ ኣመንቲ ካቶሊክ 16,760 በጺሑ ከም ዝነበረ፣ በርገሳውያን ተቐማጦ ጣልያን ኣብ ኤርትራ ኸኣ 2,500፣ እቲ ማሕበር ከኣ ብሸውዓተ ኣብያተ-ጽሕፈት፡ 49 ደቀ'ባት ካህናት ዝነበሮ ቅርጺ ይካየድ ከም ዝነበረ ይሕብር።

ኣቡነ ካራራ ንሕብረተሰብ ኤርትራ ኣጽኒዖም ንኸፈልጥዎ ነዊሕ ጊዜ ኣይወሰደሎምን።

ኣብ'ቶም ማሕበራት ካቶሊክ ዝነበሩ ጽኑዓትን ሃጓፋትን፡ ዝቐደሙን ዝዛሕተሉን ሸነኻትብምጽናዕ ተጊሆም ሓደስቲ ተበግሶታትን ጽገናታትን ከተኣታትዉ ጀመሩ ኣብ ሕንጸት መንፈሳዊ ሕይወት፡ ሃዋርያዊ ኣገልግሎት፡ ሕክምናውን ትምህርታውን ኣገልግሎት፡ ምህናጽ መዕበያ ዘኻትም ከምኡ'ውን ካልኦት ስርሓት።

"ሓደ ካብ'ቲ ምስዮናውያን ካፑቺኒ ንቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ዘበርከትዎ ዓቢይ ግደ፡ ኣብ ሓጺር ጊዜ ብቝጽሩ ይዅን ብዓይነቱ ዘገርም ሕንጻታት ኣብያተ-ክርስትያንን ኣብያተ-ጸሎትን ምህንጽ'ዩ" ይብል ጸብጻብ ኣባ ሃብተማርያም።

ኣቡነ ካራራ ንኤርትራ ካብ ዝመጽሉ እዋን ኣብ ዉሽጢ 16 ዓመታት 26 ኣብያተ ክርስትያን ኣስሪሖም፣ ብቐንዱ ኸኣ እታ ዓባይን ተወዳዳሪ ዘይብላ ብ 1923 ዝተዛዘመት ካቴድራለ ኣስመራ።

ካቴድራለ ኣስመራ

ንካቴድራለ ዝሰኣለ ኣርኪተክት ስካቫኚኒ ክኸውን ከሎ ዝሃነጻ ድማ ኢጂኔር ማርዮ ማሰቲ ይበሃለ። ኣብቲ ጕልበታዊ ስራሓት እቶም ዝዓበየ ስራሕ ዜበርከቱ ነደቕቲ ድማ ካብ ማሕበር ካፑቺን ነበሩ።

ኣቡነ ካራራ ንመስርሕ ካቴድራለ ዝኸውን ገንዘብ ንኽእክቡ ኣብ ዓዲ ጣልያን ሓያል ጐስጓስ ኣካየዱ - ካብ መንበረ-ሮማ፡ መንግስቲ ጣልያን፡ ብቐንዱ ኸኣ ካብ ኣልቢኖ (ዓዶም) በርጋሞ (ዝተወልድሉ ቦታ)፡ ሚላኖ ብርክት ዝበለ ሓገዝ ረኸቡ። ካብ ዝመኸኸ መዳፍዕ ዝተሰርሐ፡ ዝተፈላለየ ዓቐንን ድምጽን ዘለዎም ሸሞንተ ደወል ክረኽቡ ከኣሉ።

ካቴድራለ ብ 14 ጥቅምቲ 1923 ብዓብይ ዓጀብ ተመርቐት። ኣቡነ ካራራ እቲ ዝዕበየ ሕልሞም ንከተማ ኣስመራን ንምእመናን ካቶሊክን ንህዝቢ ኤርትራን ዜበርከትዎ መብጽዓ ክማላኣሎም ከኣለ።

እቲ ንካቴድራለ ንከስርሑ ዘጓነፎም ሃልኪ ግን ኣብ ጥዕንኦም ድኻም ኣሕደረሎም። በቲ ዝሓደሮም ሕማም ከኣ ካቴድራለ ምስ ተመረቐት ኣብ ዓመቱ ብ 15/6/1924፡ ኣብ ሓምሳን ሰለስተን ዕድሚኦም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

Image copyright መቓብርን ሓወልትን ኣቡነ ካራራ ኣብ ዉሽጢ ካቴድራለ

ኣቡነ ካራራ ቀልጢፎም እንተዘይሞቱ ምናልባት ብዙሕ ሃዋርያዊ ስርሓት ብናህሪ ምቐጸለ ነይሩ ዝብል ግምት ኣሎ።

ንህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ህያብን መዘከርታን ገዲፎም ክሓልፉ፡ እንሆ ኸኣ ስሞም ክሳብ ሎሚ ብኣድናቖትን ናፍቖትን ይዝከር።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ