የመን፡ ልዕሊ 2000 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ'ዮም

ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ከተማ ዓደን Image copyright IOM Yemen/Twitter

ልዕሊ 2000 ኣብ የመን ተዳጒኖም ዝጸንሑ ስደተኛታት ብወለንትኦም ናብ ሃገሮም ከም ዝምለሱ ዓለምለኻዊ ውድብ ፍልሰት (IOM) ዝተባህለ ትካል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቶም ስደተኛታት ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝመጽእ ሰሙን ብምሉኦም ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ምዃኖም ወኪል እቲ ትካል ኣብ የመን ኦሊቭያ ሂዶን ተዛሪባ።

ትማሊ ረቡዕ 124 ካብኣቶም ካብ ወደባዊት ከተማ ዓደን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ኣለዉ።

ብተመሳሳሊ፡ ብ12 ጉንበት'ውን 222 ኢትዮጵያውያን ካብ ከተማ ሰንዓ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። ኣብ የመን ብተመሳሳሊ ኩነታት ተታሒዞምን ተዓጊቶምን ዝጸንሑ ሶማላውያን ስደተኛታት'ውን ናብ ሃገሮም ይምለሱ ኣለዉ።

ሰብመዚ የመን፡ ብዘይ ፍቓድ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ስደተኛታት ብምሓዝ ኣብ ግዝያዊ መዳጎኒ ክሕዝዎም ምጽንሐምን፡ እቶም መዳጎኒታት ግቡእ መሳለጥያታት ዘይብሎም ብምዃኖም እቲ ትካል ይገልጽ።

Image copyright IOM Yemen/Twitter
ናይ ምስሊ መግለጺ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ከተማ ዓደን

"ብሰንኪ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዝሰዓበ ሕማም፡ ሂወት ናይ ገለ ስደተኛታት ከም ዝሓለፈን፡ ሓደ ካብኦም ብጥይት ብምህራሙ ዳግም ብእግሩ ከም ዘይከይድ ኮይኑ'ሎ" ይብል፡ ኣብቲ ትካል ዳይረክተር ህጹጽ ጉዳያት መሓመድ ኣበዲከር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ።

ናብ ስዑድያን ካልኦት ሃገራት ወሽመጥ ክሰግሩ ዝደልዩ ካብ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝመጹ ስደተኛታት ነታ ብኲናት ሓድሕድ ትሳቐ ዘላ የመን ከም መሰጋገሪ ከም ዝጥቀሙላ ይንገር።

ይኹን 'ምበር እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት፡ ንመገዶም ዓጊቱ ኣብ ሓዲግ ከም ዘውድቖምን፡ ኣደዳ ማእሰርቲን ሞትን ክኾኑ ከም ዝግደዱ ይንገር። ሓያሎ ኤርትራውያን'ውን ግዳይ በቲ ግጭት ከም ዝተጸለዉ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።

ኣብኡ ቅድሚ ምብጽሐም'ውን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብሓደጋ ምጥሓል ጃልባታት ኣብ ቀይሕ ባሐዕሪ ሂወቶም ዝሰኣኑ ውሑዳት ኣይኮኑን።