ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ኣትዮም

ስደተኛታት ኣብ ነፋሪት እናተሰቕሉ Image copyright UNHCR Libya

ብሰንኪ ኣብ ሊብያ ተፈጢሩ ዘሎ ኲናትን ናይ ጸጥታ ብድሆታትን፡ ላዕለዋይ ኮሚኒሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መዳጎኒታት ሊብያ ተዓቑቦም ዝጸንሑ ኣስታት 149 ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ከም ዘግዓዘ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቶም 65 ቖልዑትን፡ 13 ትሕቲ ሓደ ዕድመ ሕጻናት ዝርከቡዎም ስደተኛታት ኤርትራውያ፡ ሱዳናውያን፡ ኢትዮጵያውያንን ሶማልያውያንን እዮም።

ዝበዝሑ ስደተኛታት ብጥሜትን ዓጸቦን ዝተጠቕዑ ብምዃኖም ሕክምናዊ ክንክን ከም ዘድልዮምን እቲ ትካል ሓቢሩ።

እቲ ምግዕዓዝ ብምትሕብባር መንግስቲ ሊብያን ጥልያንን ከም ዝተኻየደ'ውን እቲ ትካል ስደተኛታት ወሲኹ ኣረዲኡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ሶርያውያን፡ ሱዳናውያንን ሶማልያውያንን ዝርከቡዎም 62 ስደተኛታት ናብታ ዝተቐበለቶም ሃገረ ኖርወይ ክኸዱ ናብ ሩሜንያ ከምዝኣተዉ ተፈሊጡ። ክሳብ ናብ ኖርወይ ዝኸዱ፡ ኣብ ሩሜንያ መግብን ክዳንን ከምኡ'ውን ዘድሊ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይግረበሎም ምህላው እቲ ትካል ሓቢሩ።

እቲ ትካል ስደተኛታት፡ ኣብ ዓመተ 2019 ጥራይ፡ ልዕሊ ሽሕ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባን ካብ ሊብያ ናብ ካልኦት ሃገራት ከምዝገዓዘ ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝፈተኑ ኣስታት 1200 ስደተኛታት፡ ብሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ከም ከምዝተመልሱ ትካል ተጸዋዕቲ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ብሰንኪ ኣብ ሊብያ ተፈጢሩ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ፡ ልዕሊ 83ሽሕ ሊብያውያን ካብ ኣባይቶም ከምእተመዛበሉን 600 ሰባት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ጸብጻባት ውድብ ጥዕና ዓለም የረድእ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት