ካብ ትምባኾ ነጻ ዝኾነ መዓልቲ፡ ካብ መድሓኒትነት ናብ ሕማም ዝተቐየረ ምትካኽ ሽጋራ

ጊልስ ኤቨራርድ Image copyright Getty Images

ሸጋራ ካብ ዘትክኹ ሰባት፡ እቶም ፍርቂ፡ ብምኽንያት ሽጋራ ህይወቶም ከምዝሓልፍ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ። በብዓመቱ 6 ሚልዮን ሰባት ብቐጥታ ሽጋራ ብምትካኽ ዝሞቱ እንትኾን፤ ሽጋራ ዘየትክኹ 600 ሽሕ ሰባት ድማ፡ ንትኪ ሽጋራ ብምቅለዖም በብዓመቱ ይመቱ።

ብኣቆጻጽራ ኤሮጳውያን ኣብ 2000፡ በዝሒ መትከኽቲ ሽጋራ ዓለምና 27 ምኢታዊት ዝነበረ እንትኾን፤ ኣብ 2016 ግን ናብ 20 ምኢታዊት ወሪዱ እዩ። እዚ ለውጢ ጽቡቕ ከምዝኾነ ዝገልጽ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ናብቲ ስምምዕ ዝተገበረሉ ኣሃዝ ንምብጻሕ ግን ብዙሕ ከምዝተርፍ ይገልጽ።

ኣብ ዓለምና 1.1 ቢለዮን ኣትከኽቲ ሽጋራ ኣለዉ። ካብዚኦም እቶም 80 ሚኢታዊት ማእከላይን ዝተሓተን ኣታዊ ኣብዘለወን ሃገራት ዝርከቡ ምዃኖም እቲ ጉዳይ ከቢድ ይገብሮ።

ሎሚ 'ካብ ትምባኾ ነጻ መዓልቲ' ዝኽበረሉ እዩ። ትምባኾ ካበይ ጀሚሩ ኣብዚ ዘለዎ ደረጃ በጺሑ?

ምትካኽ ትምባኾ፡ ንብዙሕ እዋናት ኣካል ጥዕና ዘለዎ መነባብሮ ተገይሩ እዩ ዝሕሰብ ነይሩ።

ኣብ ትምባኾ ዝርከብ 'ኒኮቲን' ዝተብሃለ ናይ ምንቕቓሕን ወልፊ ምትሓዝን ባህሪ ዘለዎ ንጥረ ነገር፡ ስያመኡ ዝረኸበ ኣብ 16 ክፍለ ዘበን እንትኾን፤ ካብ ፈጣሪ ዝተልኣኸ መዐገሲ መድሓኒት ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ትኪ ትምባኾ ናይ መድሓኒትነት ባህሪ ኣለዎ ዝብል ኣመለኻኽታ ብምንባሩ፤ ብዙሓት ናብ ሓኪም ምኻድ ስለዝገደፍዎ ተደላይነት ሞያ ሕክምና ቀኒሱ ምንባሩ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ሆላንዳዊ ተመራማሪ ጊልስ ኤቨራርድ ጽሒፉ እዩ።

ኣብቲ ብ1587 ዝጸሓፎ መጽሓፍ፡ ኣብቲ እዋን፡ ትኪ ትምባኾ፡ ዝተመረዘ ሰብ ንምድሓንን ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምክልኻልን ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ከምዝነበረ ገሊጹ እዩ።

ጣልያናዊ ዳህሳሲ ክሪስቶፎር ኮሎምበስ ብ1942 ኣብ ዝጸሓፎ መፍሓፍ ድማ፡ ናብ ናይ ሎሚ ሃገራት ኩባ፣ ሄይቲን ባሃማስን ዝተበከሉ ከባቢታት ንምጽራይ፣ ድኻም ንምቕናስን ሕማም ንምክልኻልን ቆጽሊ ትምባኾ ምቅጻል ልሙድ ከምዝነበረ ገሊጹ።

ኣብ ቬነዝዌላ ቆጽሊ ትምባኾን ኖራን ብምሕዋስ ስኒ ዘጽሪ ሳሙና ንምስራሕ የገልግል ዝነበረ እንትኾን፤ ኣብ ህንዲ 'ውን ክሳብ ሕዚ ይዝውተር እዩ።

ኣብ ሜክሲኮ ድማ ኣብ ከባቢ ክሳድ ዝወጽእ ቁስሊ ንምፍዋስ፡ ሓካይም መጥባሕቲ ምስገበሩ፡ነቲ ቁስሊ ብቖጽሊ ትምባኾን ጨውን ብምሽፋን ሕክምና ይህቡ ነይሮም።

ኣብ 16ን 17ን ክፍለ ዘበን ዶካትር፣ ሰብ ሞያ መጥባሕትን ተምሃሮን፤ ንምርምር ዝጥቀሙሉ ናይ ሰብ ሬሳ፡ ጨንኡ ንምቕናስን ካብ ዝሞቱ ሰባት ክተሓላለፍ ዝኽእል ሕማም ንምክልኻልን ትምባኾ ምትካኽ ዝተለመደ እዩ ነይሩ።

ኣብ እንግሊዝ ኣብ 1655 ተኸሲቱ ዝነበረ ተላጋቢ ሕማም ንምክልኻል ተምሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ትምባኾ ከትክኹ ይግበር ነይሩ። ትምባኮ ዘትከኹ ህጻናት ካብቶም ተላገብቲ ሕማማት ነጻ ከምዝኾኑን፤ እንተተለኺፎም ድማ ናብ ካሊእ ሰብ ከምዘየተሓላልፉን ይእመን ነይሩ።

Image copyright Wellcome Collection

ናይ ዝሞቱ ሰባት ሬሳ ዝቐብሩን ዘቃጽሉን 'ውን፡ ትምባኾ ከትክኹ ይግበር ነይሩ።

ኮይኑ ግና ናይ ትምባኾ ጎዳእነት ቀዲሞም ዝተረድኡ ሰበት ግን ኣይተሳእኑን ነይሮም። እንግሊዛዊ ተመራማሪ ጆን ኮታ 'ኳ ኣብ 1612 ትምባኾ ካብ ዘለዎ ጥቕሚ ብተወሳኪ ንህይወት ሓደገኛ ዝኾነ ንጥረ ነገር ከምዘለዎ ጽሒፉ ነይሩ።

ዋላኳ ጎዳእነት ትምባኮ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናተፈለጠ እንተመጸ፡ ተደላዪነቱ ግን ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናወሰኸ ከይዱ እዩ። ናይ እዝኒ ሕማም ንምፍዋስ ትኪ ትምባኾ ናብ እዝኒ ምእታው ክሳብ 18 ክፍለዘበን ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ነይሩ እዩ።

ሳዕቤናት ትምባኮ ብስፍሓት እናተፈለጠ ኣብ ዝመጸሉ 1920 ክሳብ 1930ታት፤ 'ካሜል' ዝተብሃለ ኣፍራዪ ሽጋራ 'ዶካትር ሽጋራ ምትካኽ ጠቓሚ ከምዝኾነ ኣረጋጊጾም እዮም፤ ንባዕሎም እኳ የትክኹ ኣለዉ' ክብል ሰራሕቲ ምልላይ ኣካይዱ ነይሩ።

ብተወሳኺ ደረፍቲ ድምጾም ክጸርየሎም ሽጋራ ከትክኹ ይምከሩ ነይሮም። በዚ ምኽንያት ድማ ፍሉጣት ደረፍትን መራሕቲ መድረኽን ብብዝሒ ሽጋራ የትክኹ ነይሮም።

ኮይኑ ግና ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ሽጋራ ኣብ ጥዕና ብዛዕባ ዘስዕቦ ጉድኣት ኣመልኪቱ ብዙሓት መጽናዕቲታት ምምጸኦም ስዒቡ፡ ሰባት ጥንቃቕ ምግባር ጀሚሮም።

በዚ ምኽንያት ብዙሓት ሃገራት፡ ህዝቢ ኣብ ዝእከበሎም ከባቢታት ሽጋራ ምትካኽ ዝኽልክል ሕጊ ከውጽኡ ዝተገደዱ እንትኾን፤ ግንዛበ መፍጠሪ መድረኻት 'ውን በቢከባቢኡ ብብዝሒ ክረአዩ ጀሚሮም። ገለገለ ሃገራት ድማ ኣብ ናይ ሽጋራ መሸፈኒ ጉድኣት ሽጋራ ክግለጽ ዝገብር ሕጊ ኣውጺአን።

ጥኑሳት ደቂ ኣንስትዮ፡ ሽጋራ ኣብ ጥንሲ ዘብጸሖ ጉድኣት፡ ቅድሚ 30 ዓመታት እየን ክፈልጥኦ ጀሚረን።

ዓለምና ካብ ዘጓነፍዋ ለበዳታት እቲ ዝኸፍአ ትምባኾ እዩ ኢሉ ዝኣምን ውድብ ጥዕና ዓለም፤ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ትምባኾ ጥቡቕ ሕጊ ክህልወን ይመክር።

በዚ ድማ መናእሰይ ትምባኮ ከየትክኹ ዝኽልክሉ ደንቢታት ከውጻኣ፣ ምልላይ ትምባኮ ክኽልክላን ኣብ ልዕሊ ኣፍረይቲ ትምባኾ ልዑል ግብሪ ከንብራን ሓሳብ ኣቕሪቡ እዩ።

ተወሳኺ ዛንታ