ቨርጂኒያ፡ ሓደ ሰራሕተኛ ኣብ ልዕሊ መሳርሕቱ ብዝኸፈቶ ተኹሲ 12 ሰባት መይቶም

ጉድኣት ዝበጽሖም ሰባት ናብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ተወሲዶም Image copyright Reuters

ትማሊ ዓርቢ፡ ኣብ ቨርጂኒያ ኣብ ዝርከብ ናይ መንግስቲ ህንጻ ኣብ ልዕሊ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ብዝተተኮሰ ጠያይቲ 12 ሰባት መይቶም ብዙሓት ድማ ቖሲሎም።

ፖሊስ እቲ ጥርጡር ንነዊሕ ግዘ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ደንደስ ባሕሪ መዘናግዒ ዘገልገለን እናሰርሐ ዝርከብን ቑጹር መንግስቲ ኾይኑ፡ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ውሽጢ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ መሳርሕቱ ጥይት ብምትኳስ ጉድኣት ኣብጺሑ'ዩ።

መንነቱ ክሳብ ሕዚ ዘይተገለጸ ጥርጡር፡ ምስ ፖሊስ ኣብ ዝነበረ ልውውጥ ተኹሲ ክቕተል ክኢሉ'ዩ።

ሰበ ስልጣን እቲ ኸባቢ በቲ መጥቃዕቲ ሓደ ፖሊስ'ውን ከም ዝተጎድአ ሓቢሮም።

ሓደ ካብቶም ግዳያት ኣብ ደገ ኣብ መኪና እንከሎ እንትትኮሶ፡ ዝተረፉ ኣብቲ ህንጻ ውሽጢ'ዮም ተረኺቦም ኢሉ ኣዛዚ ፖሊስ ጀምስ ሰርቬራ።

ንሱ፡ እቲ ገበን ኣዝዩ 'ዘፍርሕን' 'ቐጠና ኲናት' ኢልካ ክግለጽ ከም ዝክኣልን ተዛሪቡ።

Image copyright Reuters

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ህንጻታት ምምሕዳር ደንደስ ባሕሪ ቨርጂኒያ ኣብ ዝርከበሉ ከባቢ እንትፍጸም፡ መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሐ ምስተሰምዐ፡ ፖሊስ ናብቲ ከበባቢ ብምኻድ ዝኣትውን ዝወጽኡን ሰባት ብምእጋድ እቶም ሰራሕተኛታት ካብቲ ህንጻ ኣውጺኡዎም'ዩ።

"ኣብቲ እዋን፡ ፖሊስ እቲ ውልቀሰብ ዚያዳ ጥፍኣት ከየብጽሐ ጠጠው ከብሎ ክኢሉ'ዩ" ኢሉ።

ክሳብ ሕዚ መንነት እቶም 12 ግዳያትን ጥርጡርን ኣይተገለጸን። ኣዛዚ ፖሊስ እታ ከተማ ስድራ እቶም ግዳያት ምስ ተረድኡ መንነት እቲ ጥርጡር ክግለጽ'ዩ ኢሉ።

ዝበጽሖም ጉድኣት ክሳብ ክንደይ ከቢድ'ዩ ዝብል ዘይተገልጸ፡ ኣርባዕተ ሰባት ድማ ቖሲሎም ኣለው።

ሴናተር ቨርጂኒያ ቲም ካኔ "ኣብ ደንደስ ባሕሪ ቨርጂኒያ ዝነበረ ተኹሲ ዘስካሕክሕ'ዩ" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት