ናብ ቤልጅም ዝልኣኽ ዝነበረ ናይ ኢትዮጵያ ቡን ተሰሪቑ

ፖሊስ

ናብ ቤልጅም ክልኣኽ ናብ ጅቡቲ ዝጉዓዝ ዝነበረ 40 ቶን ተሰሪቑ ተባሂሉ።

ኣብ ተሳሓቢት መኪና ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ጅቡቲ ዝኸይድ ዝነበረ ቡን፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሸዋ፡ ወረዳ ሎሜ ከም ዝተሰረቀ ኣካያዲ ስራሕ መርመራ ገበን እቲ ዞባ፡ ኮማንደር ተስፋሁን ታደሰ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ሰራሕተኛ 'ኩሩ ኢትዮጵያ ኮፊ ዴቨሎፕመንት' ዝኮነ ኣቶ ቴድሮስ ተፈሪ ብወገኑ፡ ብሰኑይ ኣብ ተሰሓቢት መኪና ተጻዒኑ ናብ ጅቡቲ ይኸይድ ዝነበረ ምኻኑ ብምግላጽ፡ እቲ መኪና ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ከባቢ 10 ሰዓት ኣጋምሸት ከም ዝተበገሰ ገሊጹ።

ኣቶ ጌታቸው እቲ ቡን ካብ ክልተ ኮንቴይነር ዝተጽዓነ 693 ካሻ [40 ቶን ዝጽጋዕ] ከም ዝኾነ ሓቢሩ። ዘዋሪ እታ መኪና ከም ዝተወቕዐን ሰዓተ ሰለስተ ምሸት ከም ዝተሰርቀን'ውን ተዛሪቡ።

እቲ ስርቂ፡ [ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ሰኑይ ምሸት 19 ግንቦት 2011 እዩ ተፈጺሙ ዝበለ ኮማንደር ተስፋሁን ብወገኑ፡ ኣብታ መኪና ኣስታት 40 ኩንታል ዝገማገም ቡን ከም ዝነበረ፡ እንተኾነ፡ ፖሊስ ብዝገበሮ ምክትታል ግን ልዕሊ 5 ኩንታል ጥራሕ ከምዝኾነ ኮማንደር ተስፋሁን ገሊጹ።

ካብቶም ቪትስ ዝዓይነታ መኪና ዝተጠቕሙ ውልቀ ሰባት ሰረቕቲ፡ ሓደ ጥርጡር ከምእተታሕዘን ዝተረፉ ንምሓዝ ድማ ጻዕሪ ይግበር ከምዘሎ እቲ ኮማንደር ኣረዲኦም።

ኣብዚ ጉዳይ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ መርመራ ዝርዝር መብርሂ ንምሃብ ከም ዝጽገም ዝገለጸ እቲ ኮማንደር፡ እታ ቡን ጽዒና ትጓዓዝ ዝነበረት ተሳሓቢት መኪና ሕብረሰተብ ብዝሃቦ ሓበሬታ ከም ዝተረኸበት ሓቢሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ