ቦይንግ 737 ማክስ 8 ኣብ ዝወደቐትሉ ከባቢ ንዝነብሩ ናይ ምስጋና መደብ ተኻይዱ

ኣብቲ ናይ ምስጋና መደብ ዝተረኽቡ ነበርቲ ብኽፋል Image copyright Netsanet tesfaye

ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ መጋቢት 1/2011 ንጉሆ፡ ቦይንግ 737 ማክስ 8 ዝዓይነታ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ ምብራር ምስጀመረት፡ ድሕሪ ኣስታት ሽዱሽተ ደቓይቕ ኣብ ወረዳ ጊምቢቹ ከባቢ ቱሉ ፈራ ወዲቓ። ናይ 35 ሓሙሽተን ሃገራት ዜጋታት ዝኾኑ 157 ሰባት ኣብታ ነፋሪት ነይሮም።

ኣብቲ ዋላ ሓደ ሰብ ብህይወት ዘይተረፈሉ ሓደጋ፡ ኩሉ ሰብ ብማዕረ ሓዚኑ። ሓዘን ነበርቲ ቱሉ ፈራ ግን ደረት ኣይነበሮን። ብፍላይ ግን ናይተን ምስ ዝዝመጸ ኢትዮጵያዊ ይኹን ኬንያዊ ነጸለአን ገልቢጠን፡ እርጋን ዘድከሞ ኣዒንተን ንብዓት እናነብዐ ብዙሕ ሰብ ዝፈልጠን ኣደይ ሙሉ።

ንሓዘን እዘን ወላዲት ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ብቪድዮን ጽሑፍን ናብ ተመልከትቲ ምስ ኣቕረብዎ፤ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ድማ ብዙሓት ሰባት ኣብዚ እዋን ዝተረኸባ በዓልቲ ጽቡቕ ልቢ ክብሉ ዛንተአን ኣባጺሐሙዎ።

ሓደ በቲ ርህራሀ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝተገረመ ተጠቃማይ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ''ንምንታይ ዘይነመስግኖም?'' ክብል ኣብ ፌስ ቡክ ከምዝጸሓፈ ኢንጂነር ስንታየሁ ደምሴ ይዛረብ።

ኢንጂንየር ስንታየሁ ደምሴ ናይቲ ኣብ ቱሉ ፈራ ዝተኻየደ ናይ ምስጋና መደብ ኣተሓባባሪ እዩ። እቲ ሓሳብ ንተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያን ንዝቐርቡዎ ሰባትን ብምግላጽ '' ነዞም ሰብ ሕያዋይ ልቢ እስኪ ዓሽኩም ንበሎም'' ኢሉ።

እቲ ሓሳብ ማዕቢሉ፤ ተበግሶ ዘለዎም ሰባት ብምትእኽኻብ ሽሞንተ ኣባላት ዘለዉዎ ኮሚቴ ተዋቒሩ። ምስ ነበርቲ እቲ ከባቢ ተመኻኺሮም ድማ ኣብቲ እታ ነፋሪት ዝወደቐትሉ ከባቢ ንዝርከቡ ነበርቲ ናይ ምስጋና መደብ ተኻይዱ።

Image copyright Netsanet Tesfaye

ነቲ ምስጋና ንምብጻሕ ሓደ ጉጅለ ጋዜጠኛታትን ምስጋነኦም ዝገልጹ ሰባትን ዝሓዛ ክልተ እቶቡሳት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብቲ ከባቢ ተንቀሳቒሰን። ገለ ናይ ባዕሎም መኪና ዘለዎም ሰባት እውን፡ ብናይ ባዕሎም መኪና ከምዝመጹ ኣባል እታ ኮሚቴ ኣይተ ነጻነት ተስፋዬ ይገልጽ።

ኣብቲ መደብ ምስጋና፡ ዝተፈላለዩ ምሁራት፡ ፍሉጣት ሰባትን ስነጥበበኛታትን ከምዝተረኸቡ ኣተሓባበርቲ ተዛሪቦም።

ፎቶ ናይተን ምልክት እቲ ከባቢ ዝኾና ኣደይ ሙሉ ድማ፡ ብመልክዕ ውህብቶ ንምምሕዳር ቀበሌ እቲ ከባቢ ከምዝተውሃበ እቲ ኢንጂነር ይገልጽ።

ካብቶም ዕዱማት ሓደ ዝነበረ ነባራይ እቲ ከባቢ ኣይተ ደቻሳ ጉተማ፡ ''ንሕና ዝበኸና እቶም መወትቲ ሰባት ብምዃኖም እዩ'' ይብል። ብናይ ሰባት ሞት ብምሕዛንኩም፣ ብመሰረት ባህሊ እቲ ከባቢ ተስካር ብምግባርኩም '' ነመስግነኩም'' እንትበሃል ድማ ኣዐርዩ ገሪሙዎ።

''ከምቲ ዘኽበርኩሙና ክበሩ'' ክብል ከኣ መሪቑ።

''ሰናይ ተግባር፣ ፍቕሪ ኣብ ዝረሓቐሉ እዋን፣ ስጋኻ ዝብል ኣብ ዝጠፈአሉ ኣብዚ እዋን፤ ነበርቲ ቱሉ ፈራ ምርካብ ዕድሎት 'ዩ'' ይብል ኢንጂንየር ስንታየሁ።

ብተወሳኺ ኣዴታትና ኩለን ኣደይ ሙሉ ይመስላ፤ ነዐአን ምምስጋን ሕያዋይነት ክስስን፣ ጽቡቕ ስራሕ ነብሲ ክዘርእ ዝገብር እዩ ይብል።

ገነት በቀለ ዝተብሃለት ትዮጵያዊት ነባሪት ኣመሪካ ድማ ንኣደይ ሙሉ ውህብቶ ጽላል፣ መሸፈኒን ቅብኣትን ልኢኻትለን እያ።

''ኣነ ኢትዮጵያውያን ወገናተይ ኣብ ከባቢና ሓደጋ በጺሑዎም ኢለ እየ ሓዚነ'' ዝብላ ኣደይ ሙሉ ብወገነን ዝተውሃበን ሽልማት ብምምስጋን ዝተውሃበን ህያብ ምስ ነበርቲ ከባቢአን ከማዝማቐለኦ ይገልጻ።

Image copyright Netsanet tesfaye

ካብ ፍቓደኛታት ብዝተረኸበ ካብ 100 ክሳብ 150 ሽሕ ወጻኢ ብምግባር ኣብቲ ከባቢ ድግስ ከምዝተገበረ ዝገልጽ ኢንጂነር ስንታየሁ፤ ነበርቲ እቲ ከባቢ 'ውን ዝርካቦም ኣሰናዲኦም ከምዝጸንሕዎም ተዛሪቡ።

ተወሳኺ ዛንታ