ቀሺ ዲመጥሮስ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምቝራን ዝጽዓሩ ፈላሲ

ታሪኽ ኤርትራ ብዙሕ ሕልኽላኽ ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ጽቡቑ ሕማቑ፡ ኩሉ ታሪኽ ኤርትራውያን እዩ።

ንኣብነት፡ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝቖረነ ታሪኽ 'ኣንድነታውያን'፡ እውን ታሪኽ'ዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ምናዳ ከበሳውያን፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ይዅን ብጐነጽ 'ኢትዮጵያ ወይ ሞት' ዝበልሉ እዋን ነይሩ።

ሓደ ካብ'ቶም፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንምጽንባር ዘጐስጐሱ ቀሺ ዲመጥሮስ ገብረማርያም (1900-1989) እዮም። ጉዕዞ ህይወቶም ከመይ ነበረ?

ናይ ምስሊ መግለጺ ቀሺ ዲመጥሮስ ገብረማርያም፡ ንኤርትራን ኢትዮጵያ ኣብ ምቝራን ዓቢ ተራ ዝተጻወቱ ፈላሲ

ኣብ ኣርበዓታት/ሓምሳታት ተኸታታሊ መግዛእትታት ንህዝቢ ኤርትራ ደዊኑዎ ከም ዝነበረ መጻሕፍቲ ታሪኽ ሰኒዱዎ ኣሎ። ኣብዚ እዋን ታሪኽ ኤርትራ፡ ብባዕዳውያን፣ ናጽነታውያንን 'ኣንድነታውያን'ን ዝተሓመሰ'ዩ ነይሩ።

በዚ ዝተልዓለ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብኣጀንዳታት ጣልያን፣ እንግሊዝን ኢትዮጵያን ተጨናኒቑ ናበይ ከም ዘብል ጠፊኡዎ ነይሩ።

እቲ ዝኸፍአ ኸኣ ደቀባት እታ ሃገር ንሓድሕዶም ክሰማምዑ ብዘይምኽኣሎም መፍቶ ጓኖትን ተበለጽትን ኮይኖም።

ቤቶምን ውሻጠኦምን ንዝዘርጉ ባእታታት መዓጹ ኣርሕዮሙሎም። ስለዚ፡ ሽግር ኤርትራ ብዓቢኡ ናይ ኤርትራውያን ኢድ ነይሩዎ'ዩ።

እቲ ዝሓየለ ምንቅስቓስ ብሓደ ሸነኹ ኣብ ሃይማኖት ክርስትና ተመርኵሱ፡ ብኢትዮጵያውነቱ ኣሚኑ ዝጐስጐሰ "ማሕበር ኣንድነት" እዩ። ቀሺ ዲመጥሮስ ገብረማርያም ከኣ ሓደ ካብ'ቶም መራሕን ኣጎሳጓስን ነበሩ።

ቀሺ ዲመጥሮስ ኣዝዮም ብልሓተኛን ትጉህን ሰብ'ዮም ነይሮም። ንሶም ንመሳልል መዓርጋት ቤተ-ክርስትያን ቀልጢፎም ብምድያብ ካብ ተራ ቀሺ፡ ኣባ መልኣከ-ሰላም ክዀኑ በቕዑ።

ምስ ወከልቲ መንግስቲ ሃይለስላሴ ብምስምማዕ ድማ ልዑል ፖለቲካዊ ስልጣን ደለቡ። ካብ ኣንድነታውያን ጸብለል ኢሎም ከኣ ዉዑላት ፈደረሽን ኣብ ምፍራስን ኤርትራ ብምስምስ ሕብረት ኣብ ምልሓን ምስ ዘውዲ-ሸዋ ዓቢ ተራ ተጻወቱ።

ብሰንኪ'ዚ ከኣ ኣብ ኤርትራ ስሞም ብጽቡቕ ኣይልዓልን። ይኹን እምበር ዳሕራይ፡ "ኣንድነት ዝበልናሉ፡ ካብ ኣመንቲ ምስልምና ጎረባብትና ስግኣት ስለ ዝነበረና እምበር ናጽነት ጸሊእና ኣይኮንናን" ከም ዝበሉ ይዝረብ እዩ።

ማሕበር ፍቕሪ ሃገር

ሓድነታዊ ፖለቲካ ቀሺ ዲሜጥሮስ ካብ 'ማሕበር ፍቕሪ ሃገር' (ማ.ፍ.ሃ) ኢዩ ዚጅምር። ማሕበር ፍቕሪ ሃገር (ማ.ፍ.ሃ) ብ1941፡ መንግስቲ እንግሊዝ ንጥልያን ስዒሩ ኣብ ኤርትራ ዝኣተወሉ እዋን'ዩ ተመስሪቱ።

መስረትቲ እዚ ማሕበር፡ ገብረመስቀል ወልዱ (ፕረሲደንት)፣ ዓብደልቃድር ከቢረ (ምኽትል)፣ ኣብራሃ ተሰማ፣ ኢብራሂም ሱልጣን፣ ዑመር ቃዲ፣ ወልደኣብ ወልደማርያም ነበሩ።

እዚ ማሕበር ኣብ ፈለማ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ኣይነበረን።

ጸኒሑ ግን፡ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ንመጀመርያ ጊዜ ብኤርትራውያን ዝተወደበ ማሕበር ብምዃኑ፡ ቆላሕታ መንግስታት እንግሊዝን ኢትዮጵያን ክስሕብ ጀመሩ። በቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ክርአ ዝጀመረ ምፍሕፋሓት ከኣ ሓጸልጸል ክብል ጀመረ።

ብ1946 ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ስማ ለዊጣ፡ "ማሕበር ፍቕሪ ሃገር - ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ" ዀነ።

ሽዑ፡ ብጊዜ ጣልያን ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮም ከም ዳኛን ሓላፊ ጕዳያት ዉሽጢ ሃገርን ኰይኖም ዘገልገሉ ኤርትራዊ ፊተውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ "ምስ ኢትዮጵያ ብውዕል'ምበር ብዘይውዕል ኣይንሕበር" ስለ ዝበሉ ካብ ስርሖም ከም ዝእለዩ ተገብረ።

በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ብዓል ተድላ ባይሩ፡ ቀንዲ ሓድነታዊ፡ " 'ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ' እናበሉ ሆ!" ይብሉ ስለ ዝነበሩ ንፊተውራሪ ገብረመስቀል ኣብ'ቲ ብ"ዋዕላ ቤት-ጊዮርጊስ" (1946) ዚፍለጥ ኣኼባ ከም ዝግለፉን ብተድላ ባይሩ ከም ዝትክኡን ተገብረ።

ፊተውራሪ ገብረመስቀል ብእኡ ኣቢሉ ሰለሎ ኣተዎም።

ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ዉዲታዊ ለውጢ ኣብ ዉሽጢ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ክትኣታቶ ብናይ ጃንሆይ ኢድ ምትእትታውን ብናይ ኣቡነ ማርቆስ ብልሓትን ነበረ።

ኣቡነ ማርቆስ ንሃይማኖት ምስ ፖለቲካ ብምትእስሳር "መንፈሳዊ ሓይሊ" ዝተጠቕሙ ኤርትራዊ ኣቡን ነበሩ። ኵነታት ኤርትራ ካብ 1946 ጀሚሩ እንተንቆልቁል፡ ሽፍትነትን ሽበራን ከኣ ገነኑ።

ካብ 1946-1952 ንናጽነታውያን ዝጕዕጽጽ ብዙሕ ሽበራታት ተኻየዱ። ኣብ ሃይማኖት ክርስትና ዝተመርኰሰ ምንቅስቓስ፡ መብዝሕትኡ ህዝቢ ከበሳ ርዒዱ፡ ዓይነ-ዓይኒ ኣቡነ ማርቆስ እናጠመተ ተጓዒዙ'ዩ።

ቀዳማይ ኤርትራዊ ኣቡን ኣቡነ ማርቆስ፡ ናይ 'ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ጥራይ ዘይኰኑስ ድልየታት ኢትዮጵያ ንምርዋይ ምስ ተድላ ባይሩን ቀሺ ዲመጥሮስን ብምትእስሳር፡ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ክጠልፉ ኣበርቲዖም ዝሰርሑ ኣቡን ነበሩ።

"ኣንድነት በል ወይ ክትውገዝ ኢኻ" ብዝብል ሓይለ-ቃል ምእመናን ዘፈራርሑ ዝነበሩ ኣቡን'ውን ነይሮም። ናጽነት ይሕሸና ዝበሉ ክህደኑ፡ ኣስላም ኤርትራ ክዋሰኑ፡ ኣቡነ ማርቆስ መንፈሳዊ ስርሖም ከየካውኑ ኣብ ማእከል ዉዲትን ዕግርግርን ነበሩ።

ተራ ንጉስ ሃይለስላሴ

ንጉስ ሃይለስላሴ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ምስርት ክትብል ብዉሽጠ-ዉሽጢ ብዝከኣሎም መጠን ነቶም ንሕብረት ምስ ኢትዮጵያ እሺ ኢሎም ዝተቐበልዎም ኤርትራውያን ሒዞም ክንቀሳቐሱ ጀመሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕመጡ ካብ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዳርጋ 500 ዝዀኑ ስራሕ መንግስቲ ዝተዋህቦም ናታቶም ማሕበር መስረቱ። ንጉስ ሃይለስላሴ ድማ ነቲ ብ'ሓማሴን ምስ ኢትዮጵያ' ዝፍለጥ ዝነበረ ማሕበር ከም መሳርሒ ተጠቐምሉ።

ነቲ ማሕበር ሓገዝ ብምሃብ ምስቲ ኣብ ኣስመራ ዝሰርሕ ዝነበረ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ከተኣሳስርዎ ከኣሉ።

ዓበይቲ ሰባት ደቂ ሃገር፡ ምስ "ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ" ብዝነበሮም ምትእስሳር ኣስመራ/ኣዲስ ኣበባ ክመላለሱ ጀመሩ፤ ብገንዘብን መብጽዓታት ጃንሆይን ከኣ ተታለሉ።

ኣብዚ ጉዳይ ልኡኽ ጃንሆይ ኮሎኔል ነጋ ሃይለስላሴ ኣብ ኤርትራ ክጥቀስ ይግባእ። ንሱ ኣብ ክሊ በዓል ተድላ ባይሩ፣ ቀሺ ዲመጥሮስ፡ ከምኡ'ውን ኣቡነ ማርቆስ ዀይኑ ነቲ ዝተፈጠረ ኵነታት ብምምዝማዝ፡ ብላዕ ብምሃብን ብምፍርራሕን ንማሕበር ፍቕሪ ሃገር ክቈጻጸር ከኣለ።

ብተወሳኺ፡ ኮሎኔል ነጋ ንማሕበር መንእሰያት ኣንድነት (ናይ ሽበራ ስርሓት ዘካይዱ ዝነበሩ መንእሰያት - ክንፊ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ማለት'ዮም) ብምቍጽጻር ንኣንጻር ደለይቲ ናጽነት ካብ ብላዕ [ጉቦ] ሓሊፉ ብሓይልን ጥይትን ዘዋፍር ዉዲተኛ ልኡኽ ስርዓት ሃይለስላሴ ነበረ።

ዘመን ፈዴሬሽን

ኣብ እዋን ፈዴሬሽን፡ ተድላ ባይሩ፡ ዋና ኣማሓዳሪ ኤርትራ ንክዀኑ ምስ ተሾሙ፡ ፖለቲካ ኤርትራ፡ ምናዳ ናይ'ቶም ንናጽነት ዝተላዕሉ ሰልፍታት፡ ሕንፍሽፍሽ ከም ዝኣትዎ ጌይሮም።

እዚ ኸኣ ብናይ ገዛእ ርእሶም ረብሓ፣ ብንጉስ ሃይለስላሴ ተታሊሎምን ብኮሎኔል ነጋ ተደፊኦምን ኢዮም ኣንጻር ናጽነት ከም ዝመከቱ፡ ከም ኣለምሰገድ ዝኣመሰሉ ጸሓፍቲ ታሪኽ ዘዘንትዉ።

ብ 1952 ብድፍኢት መንግስቲ እንግሊዝን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ዉድብ ሕቡራት ሃገራትን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብመልክዕ ፈደረሽን ተኣሲራ፤ ብፈደራላዊ ቅዋም ክትመሓደር ጀመረት።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ መስከረም 1952፡ ንጉስ ሃይለስላሴ ንሓድሽ ፈደራላዊ ቅዋም ኤርትራ ንኽጸድቕ እናፈረሙ- ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝተጸንበረትሉ እዋን -

ምስ ምትእትታው ፈደራላዊ ስርዓት 'ኣንድነታውያን' ንፓርላማ ኤርትራ ተቘጻጸርዎ፣ ቅዋም ኤርትራ ኸኣ ሱር ከይሰደደ ብተድላ ባይሩ ክገሃስ ጀመረ። ብድጋፍ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኸኣ ንተቓወምቲ ሰልፍታት ካብቲ ዓቢ ስእሊ ሃገር ኣውጽእዎም።

ኣይጸንሑን። ተድላ ባይሩ ብስልጣን ተደፊኦም ንመሳርሕቶም ክንዕቅዎም ከም ዝጀመሩ፤ ንከም በዓል ወልደኣብ ወልደማርያም ዝኣመሰሉ መወዳድርቶም ብታህዲድን ምፍርራሕን ፈተነ ቅትለትን ንክስደዱ ከምዝደፍኡዎምን ንቕጽነኦም ብተቓወምቶም ኮነ ኣባላት ኣንድነት እውን ከም ዝተነቐፈ መጽሓፍ ታሪኽ ካብ ማቲየንሶ ክሳብ ተድላ 1951-1955 ይገልጾ።

ተደላ ባይሩ ምስ ጃንሆይ ኢድን-ጓንትን ዝዀኑ ስለ ዝመሰሎም ካብ ሕንጻጽ ክወጹ ጀመሩ።

ወኪል ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ኣንደርጋቸው መሳይ፡ ረጊጾሞም ብቐጥታ ናብ ጃንሆይ ይኸዱ ነበሩ፣ ናይ ባዕሎም መደበር-ሓይሊ'ውን ክምስርቱ ፈቲኖም'ዮም።

ብዙሓት ኣባላት ባይቶ ኤርትራ ንተድላ ብትዕቢቶም ጸልእዎም፣ በዓል ቀሺ ዲመጥሮስ (ምስ በዓል ግራዝማች ተስፋሚካኤል ወርቀ ዀኑ ካልኦትን) ከኣ ዕድል ረኺቦም ኣንጻሮም ክጕስጕሱ ጀመሩ። ኣይጸንሑን ከኣ ብ 1955 ብቢተወደድ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ተተክኡ።

ናብ ቀሺ ዲመጥሮስ ክንምለስ ...

ተራ ቀሺ ዲመጥሮስ ከም ናይ ተድላ ኣይነበረን። ሓይሎም ብውሽጠ-ውሽጢን ብጕልባብ ሃይማኖትን ምስራሕ ነበረ።

ኢዶም ኣብ ፖለቲካ እንተ ዘየእትዉ ነይሮም፡ ታሪኽ ኤርትራ ካብ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ተኣልዩ ካልእ መገዲ ሒዙ ምስ ተጓዕዘ ነይሩ ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት ኣለዉ።

ቀሺ ዲመጥሮስ፡ ኣብ ኣጀንዳ ኢትዮጵያ ብምጥሓል፡ ፈደረሽን ፈሪሱ ብሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ንኽትካእ ምስ መራሒ መንግስቲ ኤርትራ ቢተወደድ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል፡ ብምሽራኽ ኣብ ምውራድ ተድላ ባይሩን ዓሊ ራዳይን ኢድ ከም ዝነበሮም ይንገር።

ተድላ፡ መሰረተ-ስልጣኖም ከደልድሉ ክጽዕሩ ከለዉ ቀሺ ዲመጥሮስ ግን ኣብ ፍጹም ሕብረት ረጊጾም ይሰርሑ ነበሩ።

ፈደራላዊ ስምምዓት፡ ኤርትራውያን ትካላት፡ እንክስሓቡ ብረታዊ ገድሊ ኤርትራ ይጅመር ነበረ። ቀሺ ዲመጥሮስ ግን፡ ኣብ ጸግዒ ኣስፍሃ ዀይኖም ድልየቶም ይፍጽሙ ብምንባሮም፤ ድልየቶም ተመላኣሎም።

ሽዑ፡ በዓል ተድላ ባይሩን ዓሊ ራዳይን ምስ ተኣልዩ ዲመጥሮስ ምኽትል ፕረሲደንት ባይቶ'ዮም ነይሮም። ኣብቲ ፈደረሽን ንምፍራስ ዝካየድ ዝነበረ ምቅርራብ ከኣ ቀንዲ ተዋስኢ ነበሩ።

ኣብ መዓልቲ ምፍራስ ፈዴረሽን ከኣ "ነቲ ከም ዓለባ ሳሬት ኰይኑ ሓው ንሓው ከይርአአ ዝጋርድ ዝነበረ ፈደረሽን ተቐንጠጠ" በሉ። ኵነታት ኤርትራ ግን ካብ ክፉእ ናብ ዝኸፍአ ከደ።

ቀሺ ዲመጥሮስ ብ1961ን ብገብረመድህን ሃይሉ ዝተባህሉ ሰብኣይ፡ ኣባል ፓርላማ ዝነበሩ፡ ዝተፈነወ ብጥይት ፍተነ ቕትለት ኣምለጡ። እቶም ሰብኣይ ብሓለውቲ-ነብሲ ዲመጥሮስ ብኡ-ንብኡ ተቐትሉ።

1962ን፡ ቀሺ ዲመጥሮስ ምስ ኣቢይ ኣበበ (እንደራሴ ንጉስ) ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ኣደዳ ዳርባ ቦምባ ዀይኖም ነይሮም'ዮም፣ ሽዑ'ውን ድሓኑ።

ቀሺ ዲመጥሮስ ንሕብረት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምስ ኣጠናቐቑ "ነቡረ-ኢድ ናይ ኣኽሱም" ተባሂሎም ሽመት ተወሰኹ።

ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርትያን ተዋህዶ ኸኣ ድልየቶም ናይ ምግባር ስልጣን ረኸቡ። ኣብ ኣስመራ ብማሕበረ-ሃዋርያት ዝፍለጥ ዓቢ ቤት-ክርስትያን፡ ምስ ቤት-ማሕተሙ፡ ኣስርሑ።

ብ 1969 ቀንዲ ኣማሓዳሪ ቤተ-ክርስትያን ተዋህዶ ኢትዮጵያ ኰይኖም ንኣዲስ ኣበባ ኸዱ። ከምኡ እናበሉ ግን ደርጊ ኣብ ስልጣን ስለ ዝመጽአ፡ ብ1975 ን11 ኣዋርሕ ተኣስሩ። እቲ ዅሉ ዝነበሮም ሓይልን ስልጣንን ግርማን ከኣ ተቐንጠጠ።

ካብ ቤት-ማእሰርቲ ምስ ወጽኡ ከኣ ንኣስመራ ተመሊሶም ንማሕበር ሃዋርያት ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሕ ብ1989 ዓረፉ። ክልተ ዓመት ድሕሪ ሞቶም ከኣ እታ ብናቶም ድፍኢትን ዉዲትን ምስ ኢትዮጵያ ዝሓበረት ኤርትራ ናጽነታ ረኸበት።

ውላዶም ዩፍታሄ ዲሜጥሮስ

ኣቦይ ቐሺ ዲሜጥሮስ ሓያሎ ውሉድ ገዲፎም እዮም ሓሊፎም። ሓደ ካብ ደቆም ዮፍታሄ ዲሜጥሮስ ኣብ እስራኤል ተማሂሩ ፍልጠትን ክእለትን ዝደለበ፡ ሸውዓተ ቋንቋታት ኣጠናቒቑ ዝፈልጥ ብምንባሩ፡ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዯጵያ ከም ቆንስል ኣገልጊሉ።

ብድሕሪኡ እውን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰሪሑ። ቅድሚ ጥሮታ ምውጽኡ ከኣ፡ ኣብ ናይ ሶማል ፕሮገራም ሕቡራት ሃገራት ኣካያዲ ስራሕ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ካብኡ ኣብ 1995-1996 ኣቢሉ ንኤርትራ ምስ ኣተወ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣካያዲ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኤርትራ ገይሩ መዚዙዎ።

ይኹን እምበር እቲ ከም ዩፍታሄ ዝመኣሰሉ ዓለማውያንን ወተሃደረዊ መኮንናትን ዝመሓደር ሃይማኖታዊ ትካል ዝምስገን ስም የብሉን።

እኳ ደኣ መሰል እምነትን ኣምልኾን ዜጋታት ኣብ ምድቋስን፡ ሕቶታት ንዘልዓሉ፡ምእመናን፡ ካህናትን ጳጰስን ከይተረፈ ግዳይ ማእሰርትን ሞቑሕን ስለዝገብር ከቢድ ኩነኔ ክወርዶ ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብዚ ቐረባ ግዜ እኳ፡ ምእመናን ኣርቶዶክስን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታትን ብምኽንያት እቶም ን13 ዓመታት ተኣሲሮም ዘለው ኣቡነ እንጠንዮስ ቅሬተኦም ከስምዑን ንክፍትሑ ዝጠልብ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ብምውዳብ ንክፍትሑ ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።

ተወሳኺ ዛንታ