ብሪጣንያ፡ ተሬዛ መይ ካብ ናይ ሰልፊ መሪሕነታ ወሪዳ

ተሬዛ መይ Image copyright PA
ናይ ምስሊ መግለጺ ተሬዛ መይ፡ ኣብ 2016፡ ድሕሪ ህዝበ-ውሳነ (ረፈርነደም) ብረክዚት'ያ ናብ ስልጣን ደዪባ

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ተሬዛ መይ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብዝኣተወቶ ቃል መሰረት፡ ሎሚ ካብ መሪሕነት ዓቃባዊ ሰልፊ (ኮንሰርቫቲቭ) ወሪዳ።

ይኹን 'ምበር እቲ ሰልፊ ንዓኣ ዝትክእ ክሳብ ዝምረጽ፡ ከም ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር ኮይና ክትቅጽል'ያ።

ተሬዛ መይ፡ ኣብ 2016፡ ድሕሪ ህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም) ብረክዚት'ያ ናብ ስልጣን ደዪባ፡ ነቲ ሽዑ ብሰንኪ ውጽኢት ናይቲ ረፈርንደም ብወለንትኡ ዝወረደ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ዴቪድ ካሜሮን ብምትካእ።

ክልቲኦም መራሕቲ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ክትወጽእ የብላን ዝብል መርገጺ'ዮም ሒዞም ነይሮም።

ኣብ ትሕቲ ዴቪድ ካሜሮን፡ ን6 ዓመታት ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ብምኻን ኣባል ካቢነ ኮይና ኣገልጊላ ነይራ።

ክሳብ ሕጂ 11 ኣባላት ባይቶ ዝኾኑ ዓቃባውያን ብጾታ ንዓኣ ንምትካእ ክወዳደሩ ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ መን ከም ዝ/ትዕወት ክፍለጥ ትጽቢት ይግበር። ክሳብ'ቲ ምርጫ ዝፍጸም ግን ብግዝያዊነት ነቲ ሰልፊ ክትመርሖ'ያ።

ተሬዛ መይ፡ ጉዳይ ብረክዚት ኣብ መወዳእታኡ ከይብጽሓቶ ትወርድ ምህላዋ ከም ዘጉሃያ ምግላጻ ይዝከር።

ንሳ፡ ድሕሪ ነዊሕ ልዝብ ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ዝበጽሓቶ ስምምዕ፡ ብፓርላማ እታ ሃገር ተቐባልነት ብዘይ ምርካቡ'ያ ክትወርድ ተገዲዳ። ነቲ ስምምዕ ሰለስተ ሳዕ ምምሕያሻት'ኳ እንተገበረትሉ፡ ኣብ ፓርላማ እኹል ደገፍ ክረክብ ግን ኣይከኣለን።

ብሪጣንያ ምስቲ ሕብረት እትፋታሓሉ መዓልቲ ን29 መጋቢት ተቖጺሩ'ኳ እንተነበረ፡ በዚ ምኽንያት መጀመርታ ናብ 12 ሚያዝያ፡ ቀጺሉ ድማ ናብ 31 ጥቅምቲ ናይዚ ዓመት ክሰጋገር ተገዲዱ።

ካብ ስልጣና ክትወርድ ምዃና ኣብ ዘፍለጠትሉ እዋን፡ ነቲ ዘረብረባ ጉዳይ ብረክዚት ካልእ ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዘድልዮ ተዛሪባ ነይራ።

እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ ሎሚ ዓርቢ ካብ መዝነታ ከም ዝወረደት ናብ 'ኮሜቲ 1922' ናይቲ ሰልፊ ብጽሑፍ ኣፍሊጣ።

ንመሪሕነት ዝወዳደሩ ኣባላት ባይቶ ፈለማ ናይ ሸሞንተ ብጾቶም ኣባላት ባይቶ ደገፍ ክረኽቡ ኣለዎም። እቲ ናይ መወዳእታ ዝርዝር ምስ ቀረበ፡ እቶም ኣባላተ ባይቶ ክልተ ተወዳደርቲ ክሳብ ዝተርፉ ብስቱር ድምጾም ይህቡ። ክልተ ምስ ተረፉ ድማ ኹሎም ኣባላት ናይቲ ሰልፊ መራሒ/ት ሰልፊ፡ ብኡ ኣቢሉ ድማ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ይመርጹ።

ቀንዲ ካብቶም ናብ መሪሕነት ንምድያብ ዝወዳደሩ ዘለዉ 11 ኣባላት፡ እቲ ኣብ ሓደ እዋን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረን፡ ቀንዲ ደጋፊ ብረክዚትን ዝኾነ ቦሪስ ጆንሰን እዩ።