ሓደ ካብ ተደለይቲ ገበነኛታት ኣውሮጳ ኣብ ማልታ ተታሒዙ

ክሪስቶፈር ገስት ሞር Image copyright CHESHIRE POLICE
ናይ ምስሊ መግለጺ ክሪስቶፈር ገስት ሞር ኣብ ዝርዝር ተደለይቲ ገበነኛታት ኣውሮጳ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኢዩ ሰፊሩ።

ብጭካነ ሰብ ድሕሪ ምቕታሉ ን16 ዓመታት ሃዲሙ ዝጸንሐ፡ ሓደ ካብ ተደለይቲ ገበነኛታት ኣውሮጳ ኣብ ማልታ ተኣሲሩ።

ወዲ 41 ክሪስቶፈር ገስት ሞር፡ ንብርያን ዋተርስ ዝተባህለ ሰብ ኣብ 2003 ኣብ ቅድሚ ክልተ ደቁ ብስቅያት ቐጥቂጡ ድሕሪ ምቕታሉ ኢዩ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተሰወረ።

ሞር፡ ንዝነበሮም ናይ ዕጸ ፋርስ ዕዳ ንምድቃስ ኣብ ናትስፎርድ ቺሻየር ናብ ዝርከብ ሕርሻ ዋልተር ምኻዱ ኢዩ ዝኽሰስ።

ብምሰረት መግለጺ ሃገራዊ ወኪል ገበናት፡ ሞር ሓሙስ ለይቲ ኢዩ ተታሒዙ።

ብናይ 2003 ቅትለት ዋልተር ዝተኸሰሱ ጆን ዊልሰን፡ ጀምስ ረይቨንን ኦቲስ ማቲውን ናይ ሕልፈት ፍርዲ ተዋሂብዎም ድሮ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኢዮም ዘለዉ።

እዞም ሰባት ገንዘብ ደልዮም ሕርሽኡ ክወርዎ ከለዉ፡ ዋልተር ናይ ካናቢስ (ንዕጸ ፋርስ ዝኸውን ተኽሊ) ግራት ኢዩ ዘካይድ ነይሩ።

ኣብ ሰድያ ኣሲሮም ብኹርማጅ ቀጥቂጠሞ፡ ኣቃጺለሞ፡ ብመሳምር ወጊኦሞ፡ ቁልቁል ኣፉ ሰቂሎም ብተንዲኖ ጾታዊ መጉዳእቲ ኣብጺሖምሉ። ኣብዚ ናይ ሰለስተ ሰዓታት ጸበባ፡ 123 መጉዳእቲ በጺሕዎ።

ወዱ ጋቪን ውን መጥቃዕቲ በጺሕዎ ኢዩ። 21 ዝዕድሚኣ ጓሉ ናታሊያ ውን ጠበንጃዊ ምፍርራሕ በጺሕዋ ኢዩ።

ሞር እንበኣር ምስ ቅትለት ዋልተር ብዝተሓሓዝ ኢዩ ክድለ ጸኒሑ፡ ፈተነ ቅትለት ዝርከቦም ካልኦት ገበናት ምፍጻሙ ውን ይንገር።

ሃገራዊ ወኪል ገበናት ከም ዝገለጾ፡ ምስ ሰብ መዚ ማልታ ብምትሕብባር ኣብ ዝተገብረ ስርሒት፡ ሞር ኣብ ሰሜናዊ ማልታ ኢዩ ተታሒዙ።

ሞር ኣብ ቫለታ ርእሰ ከተማ ማልታ ኣብ ሕጊ ዝቐረበ ኮይኑ፡ ናብ ሃገሩ ኣሕሊፈካ ናይ ምሃቡ መስርሕ ተጀሚሩ ኣሎ።