ዓባይ ብርጣንያን ደቡብ ኮርያን ኣፈናዊ ንግዳዊ ስምምዕ ተፈራሪመን

ሃንጂን ኢንጆን ኮንተይነር፡ ኣብ ሲዮል Image copyright Getty Images

ዓባይ ብርጣንያን ደቡብ ኮርያን ኣብ ሞንጎአን ነጻ ንግዳዊ ልውውጥ ዝፈቅድ ኣፈናዊ ስምምዕ ተፈራሪመን።

ነዚ ስምምዕ፡ ካብ ወገን ዓባይ ብርጣንያ ሓላፊ ዓለማዊ ንግዲ ልኣም ፎክስ ምስ ደቡብ ኮርያዊ መዘንኡ ዮ ምዩንገ ሀ ኣብ ከተማ ሰዮል እዩም ፈሪሞሞ።

እዚ ኣፈናዊ ንግዳዊ ስምምዕ፡ ዓባይ ብርጣንያ ኣብ ኤሽያ ዘለዎ ቦታ ንምውሓስ ባይታ ከም ዘጣጥሕ እዩ ዝግመት።

እዚ ነጻ ንግዳዊ ስምምዕ ደቡብ ኮርያ መካይንን መቐያየሪ ኣቑሑ መካይን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክተሰድድ ካብ ኣዲ እንግሊዝ'ውን ዘይተጻረየ ነዳዲ ክትቅበል ተኽእሎ ዘዕቢ እዩ።

እዚ ስምምዕ ንዓባይ ብርጣንያን ድሕሪ እቲ ብስምምዕ ይኹን ብዘይስምምዕ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ጥቅምቲ 31 ክትፍለዮ ትሓስቦ ዘላ፡ ሂወት ብዘይ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንኽትብድህ ተሓሲቡ ዝተበጽሐ ስምምዕ'ዩ።

ክልቲአን ሃገራት ኩሉ ነገራት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣጻፊፈን፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ንግዳዊ ልውውጥ ንምጅማር'የን ኣብ ስምምዕ በጺሐን ዘለዋ።

ዓቕሚ ኢኮኖሚ ደቡብ ኮርያ፡ ካብ ኤስያ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ዝስራዕ ኮይኑ ኣብ ምፍራይ ኤሌትሮኒክስ፡ ሓጺንን መቀያየሪ ኣቑሑ መኪናን ኣብ ቅድሚት ይስራዕ።

ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ዓባይ ብርጣንያን ጥራይ ናይ 6.36 ቢልዮን ዶላር ዋግኡ ሰደድ ገይራ።

ዓባይ ብርጣንያ፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ካብ ሃገራት ኣውሮፓ ካልኣይቲ ዝዓበየ ወፍሪ ዘለዎ ሃገር ክትከውን እነከላ፡ ኣብ ኤስያ ካብ ዘውፈራ ሃገራት ከኣ ኣብ መበል 18 ትስራዕ።