ብዙሓት እጽዋት ካብ ምድረ-ገጽ ይጠፍኡ ምህላዎም ንሃለዋት ሰባት የስግእ ኣሎ

ኣብ ዝሓለፉ 250 ዓመታት 600 ዝጽግዑ እጽዋት፡ ካብ ምድረ ገጽ ምጥፍኦም ሓደ ሓድሽ መጽናዕቲ ገሊጹ Image copyright REBECCA CAIRN WICKS

ኣብ ዝሓለፉ 250 ዓመታት 600 ዝጽግዑ እጽዋት፡ ካብ ምድረ-ገጽ ከም ዝጠፍኡ፡ ሓደ ሓድሽ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

እቲ መጽናዕቲ፡ 600 ዝጽግዑ እጽዋት ካብዛ መሬት ምጥፍኦም፡ ንፍጥረታት ዘስግእ'ዩ ዝብል ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ'ውን ኣመሓላሊፉ።

እዚ ቑጽሪ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ካብ ምድረ-ገጽ ካብ ዝጠፍኡ፡ መጥበውቲ እንስሳትን ኣብ ማያዊ ኣካለት ዝርከቡ እንስሳትን ብክልተ ዕጽፊ ዝዛይድ ምኻኑ እዩ ዝሕበር።

እቶም ተመራመርቲ ከም ዝበሉዎ፡ እቶም ዝጠፍኡ ዘለው እጽዋት ብተፈጥሮአዊ ኸይዲ ክጠፍእሉ ካብ ዝግባእ 500 ዕጽፊ ዝቐልጠፈ'ዩ።

Image copyright RICHARD WILFORD

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሓደ ሚሊዮን ኣትክልቲ እንስሳትን ካብ ምድረ-ገጽ ከም ዝጠፍኡ ኣተሓሳሲኑ ምንባሩ ዝዝከር'ዩ።

ዶክተር ኣሊስ ሃምፍሬይስ "ናይ እንስሳት ምጥፋእ ብዙሕ ዘየገርም ክኸውን ይኽእል፤ ጉዳይ እጽዋት ግን ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ከሕስበና ይግባእ" ኢላ።

ካብቶም ዝጠፍኡ ኣትክልቲ፡ ንምህርቲ ዘይቲ ኣውሊዕ ዝውዕሉ እጽዋት ከም ዝርከቡዎም እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።

ደቂ ሰባትን ካልኦት ፍጥረታትን ዘተንፍሱዎ ኦክስጅን ካብ ኣትክልቲ ዝርከብ ምኻኑ፡ እዚ ጉዳይ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ክኸውን ገይሩዎ ኣሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ