ሜክሲኮ፡ ምሻጥ ነፋሪት ፕሬዝደንት እታ ሃገር ዘይሕጋዊ ፍልሰት ስደተኛታት ንምቁጽጻር ዝዓለመ'ዩ

ኣብ 2016 ዝተዓደገት ነፋሪት ፕሬዝደንት ሜክሲኮ Image copyright Getty Images

ሜክሲኮ ኣሜሪካ እተኽፍላ ቐረጽ ብምትራፍ፡ ኣብ ክንድኡ ኣብ ማእኸላይ ኣሜሪካ ዘጋጥም ዘሎ ፍልሰት ስደተኛታት ክትዓጹ ምስ ኣሜሪካ ኣብ ስምምዕ በጺሓ።

ብድሕሪ'ዚ ድማ፡ ፕሬዝደንት ሜክሲኮ ኣንድሬስ ማኑኤል ሎፔዝ ኦብራዶር፡ ካብ መሸጣ ዝጓዓዘላ ነፋሪት ዝርከብ ገንዘብ፡ ዘይሕጋዊ ፍልሰት ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ክውዕል ወሲኑ።

ግምት ዋጋ እታ ቦይንግ 787 ድሪምላይነር 150 ሚሊዮን ዶላር'ዩ እውን ኢሉ።

ኣብ 2018 ኣብ ዝነበረ ጎስጓስ መረጻ፡ ፕሬስደንት ሎፔዝ ኦብራዶር፡ እታ ብ218 ሚሊዮን ዶላር ወጻኢ ዝተዓደገት ነፋሪት ክሸጣ ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ንደገፍቱ ድማ፡ ነፋሪት ህዝባዊ መጓዓዝያ ክጥቀም ከም ዝኽእል ገሊጹ ነይሩ፤ ፕሬዝደንት ካብ ዝኸውን ብዙሕ እንከይጸንሐ ድማ እታ ነፋሪት ክትሽየጥ ከም ዝፈቅድ ሓቢሩ።

እታ ነፋሪት ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ንመሸጣ ኣብ ዕዳጋ ካሊፎኒያ ትርከብ ዘላ ኮይና፡ ሜክሲኮ፡ ብተወሳኺ 60 ናይ መንግስቲ ነፈርትን 70 ሄሊኮፕተራትን ክትሸይጥ ኣብ ምድላው ኣላ።

ስምምዕ ኣሜሪካን-ሜክሲኮን እንታይ'ዩ?

ትራምፕ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ካብ ሜክሲኮ ኣብ ልዕሊ ዝመጽኡ ኣቑሑ 5 ሚኢታዊት ቐረጽ ከንብር'የ ምስ በለ ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ስደተኛታት ኣብ ምግታእ ሓቢረን ክሰርሓ ተሰማሚዐን'የን

በዚ መሰረት ሜክሲኮ፡ ምስ ጓቲማላ ናብ ዘዋስና ዶብ 6000 ዝጽግዑ ወተሃደራት ክተውፍር'ያ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣሜሪካ ኾይኖም ዕቑባ ዝሓቱ ዘለው ስደተኛታት ጉዳዮም ተጻርዩ መዕለቢ ክሳብ ዝረክብ ኣብ ሜክሲኮ ክጸንሑ ተሰማሚዐን።

ይኹን'ምበር፡ ብዙሓት ሜክሲኮውያን፡ ብኸፈልቲ ግብሪ ሜክሲኮ ዝተዓደገት ነፋሪት ፕሬዝደንት ሸይጥኻ ዜጋታት ሜክሲኮ ንዘይኾኑ ሰባት ንምሕጋዝ ዝቐርብ ዘሎ ሓሳብ ፕሬዝደንት ሃገሮም፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብሰፊሑ ይቃወሙዎ ኣለው።

ካልኦት ድማ፡ እታ ነፋሪት ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ገዛኢ ከይረኸበት ጸኒሓ'ያ፤ ድሕሪ ሕጂ፡ ኣብ ውሽጢ 45 መዓልታት ዓዳጊ ረኺባ ሜክሲኮ ስደተኛታት ምግታእ እንተዘይኽኢላ፡ ካልኦት ሃገራት ናብቲ ውዕል ክኣትዋ እየን ይብሉ ኣለዉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ