30 ማሕበራት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝምልከት ናብ ውሕሃ መልእኽቲ ሰዲዶም

ፕሬዝደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ [ማእከል]፣ ፕሬዝደንት ሶማሊያ መሓመድ ፋርማጆ [የማን] Image copyright Getty Images

ሂዩማን ራይትስ ዎችን፣ ኤሪትሪያን ዲያስፖራ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ማሕበር ሰብ ሞያ ሕጊ ኤርትራውያንን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ዝርከቡዎም፡ 30 ዓለምለኻውያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝምልከት ደብዳበ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጽሒፎም።

እቶም ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብ11 ሰነ 2019 ኣብ ዝጽሓፉዎ ደብዳበ፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት እቲ ውድብ ኣብ ዘካይዶ መበል 41 ኣኼባ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝርዝር ከቕርብ ሓቲቶም።

እቶም ዓለምለኻዊ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኤርትራ፡ ድሕሪ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተጀመረቶ ሓድሽ ዲፕሎማሲያዊ ርክብን፡ ኣብ ሞንጎ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝተፈረሙ ስሉሳዊ ስምምዓትን ዝኾነ ዓይነት ምምሕያሽ ኣይገበረትን ኢሎም።

ኣብታ ሃገር ናጻን ዘይሻራውን ሚዲያ ከም ዘየሎን፣ ካብ 2001 ጀሚሮም ብዘይፍርዲ ዝተሓየሩ ጋዜጠኛታት'ውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝርከቡ ኣብ ጽሑፎም ጠቒሶም።

ብተመሳሳሊ፤ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኣፍሪቃ ዘለው፡ ጋዜጠኛታት፣ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ደረስትን ዝርከብዎም 103 ኣፍሪቃውያን፡ ሃገረ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ናብ ንቡር ምምላሳ ብኹሉ ደላዪ ጽቡቕ ዝንኣድ ምኻኑ ብምግላጽ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝግብኦ ሓርነታት ክረክብ ዝጠልብ ክፉት ደብዳበ ናብ ፕረዝደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ዝጽሓፉ ይዝከር።

ንሳቶም ኣብ መልእኽቶም፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝሓፈ 20 ዓመታት ኣገዳሲ ለውጥታት ክገብራ ምጽንሐን ብምጥቃስ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝበዝሑ ኣፍሪቃውያን ካብ ጭቆና ነጻ ኮይኖም ኣብ ናጽነት ይነብሩ ምህላዎምን፡ ሃገራት'ውን ኣብ ወፍርን ቱሪዝምን ብዝገበረኦ ወፍሪ ምምሕያሽ ይገብራን ኣለዋ ኢሎም።

ዓለምለኻዊ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂውማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ 17 ጥሪ 2019 ኣብ ዘውጸኦ ዓመታዊ ጻብጻብ፡ ኤርትራ ሕጂ'ውን ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ምምሕያሽ ኣየርአየትን ክብል ነቒፉ'ዩ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕርቂ ምውራዱን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ምልዓሉን ተኸቲሉ፡ ኣብታ ሃገር ኣወንታዊ ለውጢ ክረአ ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ።

ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ 12 ጥቅምቲ 2018 ኣብ ዝገበሮ ስሩዕ ኣኼባ፡ ኤርትራ ኣባል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ክትከውን ብምምራጹ ካብ ብዙሓት ነቐፌታ ክበጽሖ ጸኒሑ'ዩ።

ካብተን ኣብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ተመሪጸን ዘለዋ 18 ሃገራት፡ ብሕሉፍ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክኽሰሳ ዝጸንሓ ሃገራት ክህልወአን እንከለዋ፡ ንኣፍሪቃ ወኪለን ናብቲ ቤት ምኽሪ ተጸምቢረን ዘለዋ ሃገራት ኤርትራ፡ ቡርኪና ፋሶ፡ ካሜሩን፡ ሶማልን ቶጎን እየን።

ተወሳኺ ዛንታ