ኣሜሪካ፡ ተወሰኽቲ 1000 ወተሃደራት ናብ ፖላንድ ክትልእኽ'ያ

ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ዋርሳው 2017 Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ዋርሳው 2017

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ፖላንዳዊ መዘንኡ ኣንድረዚጅ ዱባ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሃገሩ ሓደ ሽሕ ወተሃደራት ናብ ፖላንድ ንክትልኽ ከም ዝተሰማምዑ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ እቶም ወተሃደራት ምስ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን [ድሮን] ካልእ ወተሃደራዊ ንዋትን ካብቶም ኣብ ጀርመን ዘለዉ 52000 ተነኪዮም ናብ ፖላንድ ከም ዝግዕዙ ገሊጹ።

እዚ፡ ፖላንድ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምህናጽ ካብ ኣሜሪካ 2 ቢልዮን ዶላር ድሕሪ ምሕታታ'ዩ ዝኸውን ዘሎ።

ፕረዚደንት ፖላንድ ኣንድረዚጅ ዱባ ብሮቡዕ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ፡ ነቲ ሓዲሽ ዝህነጽ ወተሃደራዊ መዓስከር 'ዕርዲ ትራምፕ' ክሰምይዎ ከም ዝኽእሉ ብጭርቃን ተዛሪቡ።

ፕርዚደንት ትራምፕ፡ ኣሜሪካ በዚ ሕቶ ፖላንድ ኣዝያ ሕጉስቲ ከም ዝኾነት ብምሕባር፡ ኣሜሪካ ኣብ ፖላንድ ቀዋሚ መዓስከር ክህልዋ ድዩ ንዝብል ሕቶ ግን ክምልስ ኣይደለየን፡ ንጋዜጤኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል'ውን "ብዛዕባ ቀዋሚን ዘይቐዋሚን ከዛረብ ኣይደልይን'የ" ኢሉ።

ፕረዚደንት ዱባ ኣብዚ ዓመት ንኻልኣይ ግዚኡ'ዩ ናብ ኣሜሪካ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ፖላንድ ዝርከቡ ወተሃደራት ኣሜሪካ ( 13 ለካቲት 2019)

ፕረዚደትን ዱባ፡ ድሕሪ ናይ ዋሽንግተን ዑደቱ፡ ናብ ቴክሳስ፣ ኔቫዳን ካሊፎርንያን ብምኻድ ኣብ ጉዳይ ጸዓትን ቴክኖሎጅን ዝምልከቱ ጉዳያት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክዝቲ'ዩ።

ፖላንድ ኣባል ሃገራት ኔቶ ኮይና፡ እዚ ምስ ኣሜሪካ ትገብሮ ዘላ ስምምዕ ነቲ ኣብ 1997 ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኔቶን ሩስያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝጥሕስ ብምዃኑ ካብ ሩስያ ተቃውሞ ከጋጥሞ ከም ዝኽእል እዩ ዝንገር።

ፖላንድን ኣሜሪካን ኣብ ምንታይ'የን ተሳማሚዐን ዘለዋ?

መራሕቲ እዘን ሃገራት፡ ክልቲኤን ኣብ ምክልኻል ብሓባር ንኽሰርሓ፡ ዘስርሕ ስምምዕ ከቲሞም ኣለዉ።

ኣብቲ ስምምዕ፡ ፖላንድ ነዞም ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ መሬታ ንዖኦም ዝኸውን መዓሰክር ከተዳሉ'ውን ኣብቲ ስምምዕ ሰፊሩ ኣሎ።

ወጻኢታት እዞም ወተሃደራትን ምስኦም ክኸዱ ዝኽእሉ ሰራሕተኛታትን መን ይሽፍኖ ዝብል ግን ኣይተነጸረን።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ፖላንድ ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ልምምድ ክካየድ ጸኒሑ'ዩ

ኣቀዲሞም ኣስታት 5000 ዝኾኑ ወተሃደራት ኣሜሪካ ናብ ፖላንድ ብብእብረ ክኣትዉ ጸኒሖም'ዮም።

እዚ ከኣ ሩስያ ካብ 2014 ጂሚራ ኣብ ዩክረይን ትገብሮ ንዘላ ምንቅስቓሳት ግብረ መልሲ ንምሃብ ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ።

ካብዚ ዝተፈለየ ካልእ ስምምዕ'ውን፡ ፖላንድ 32፡ ኤፍ-35 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ካብ ኣሜሪካ ክትዕድግ ጠሊባ'ላ።