ህንዲ፡ ሓደ ህንዳዊ 'ብፈተነ ጭውያ ነፋሪት' ንሕልፈት ተፈሪዱ

ጀት Image copyright Reuters

ሓደ ህንዳዊ ናይ ሓሶት ደብዳብ ውጥን ጭውያ ነፋሪት፡ ኣብ ዓይኒ ምድሪ ካብ ደልሂ ናብ ሙምባይ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ጄት አየርወይስ ብምቕማጡ ንሕልፈት ተፈሪዱ።

እዚ ቢረጁ ሳላ ዝተብሃል ህንዳዊ፡ ኣፍቃሪቱ ኣብ ኣየር ከም ኣሳሳይት [ሆትተስ] ትሰርሕ ኮይና፡ በዚ ደብዳበ እቲ በረራ ደው ክብል'ሞ፡ ኣፍቃሪቱ ምስኡ ክትውዕል ሓሲቡ ከም ዝገበሮ ሓቢሩ።

እዚ ነዚ ዝገበረ ቢረጁ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ንሕልፈት ማእሰርቲ 720,725 ዶላር ክኸፍል'ውን ብቤት ፍርዲ ተበይንሉ ኣሎ።

ቢረጁ ሳላ ናይ መጀመርታ ብሓዲሽ ሕጊ ጸረ ጭውያ ነፈርቲ ህንዲ ዝተፈረደ ህንዳዊ እዩ።

እቲ ሕጊ ንቀሊል ፈተነ ጭውያ ነፈርቲ ንሕልፈት ካብዚ ዝብኣሰ ምስ ዝኾነ ድማ ክሳብ ብሞት ዘቕጽዕ ድንጋገ'ዩ ዘለዎ።

እዚ ህንዳዊ፡ ነቲ ጽሑፍ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ጽሒፉን ኣሕቲሙ'ዩ ኣብ ወርሒ ጥቕምቲ 2017 ኣብ ዓይኒ ምድሪ እታ ነፈሪት ኣቐሚጥዎ።

ኣብቲ ደብዳበ፡ 12 ጨወይቲ ነፋሪትን ሓያሎ ተባራዒ ነገራትን ኣብታ ኣየር ከም ዘሎን ነታ ነፋሪት ኣብቲ ብፓኪስታን ዝመሓደር ክፋል ካሽሚር ክትዓለብ ዘገድድ ውጥን ከም ዘሎ'ዩ ዝገልጽ።

እታ ነፋሪት ኣብ ጉዕዞ ከላ፡ ናብቲ ዝወጠነቶ ከተማ ሞምባይ ክትዓልብ 778 ኪሎ ሜተር ምስ ተረፋ እቲ ደብዳቤ ስለ ዝተረኸበ ኣብ ኣህመዳባድ ክትዓለብ ተገዲዳ እያ። ነዚ ተግባር ዝፈጸሞ ንሱ ምዃኑ ምስ ተፈለጠ ከኣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

ነዚ ጉዳይ ክምርምር ዝተመዘዘ ኣካል ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ቢረጁ ሳላ ዋላኳ ኣየር ኣይጭወ፡ እቲ ዝገበሮ ግን ካብ ፈተነ ጭውያ ነፋሪት ፈሊኻ ከም ዘይረአ ገሊጹ።

ካብቲ ክኸፍሎ ዝተበየነሉ መቕጻዕቲ ነብሲ ወከፍ ፓይሎት 100000 ሩቡ፡ ኣሳሰይቲ [ሆስተስ} 50000 ከምኡ'ውን ተሳፈርቲ 25000 ሩቢ ክወሃቦም ቤት ፍርዲ ኣዊጁ።

ጠበቓ ቢረጁ ሳላ ዝኾነት ራሂት ቨርማ ነቲ ውሳነ ናይ ቤት ፍርዲ ብምቕዋም ይግባይ ከም እትብል ኣፍሊጣ ኣላ።

ጄት ኣየርወይስ ካብ ህንዲ ካልኣይ ዝዓበየ መንገዲ ኣየር ዝነበረ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ፋይናንስያዊ ጥፈሻ ካብ መጀመርታ እዚ ዓመት ጀሚሩ ኣገልግሎት ምሃብ ዘቋረጸ መንገዲ ኣየር እዩ።