ብዝተበከለ ደም ዝሞቱ ኣርባዕተ ኣሕዋት

ጆን ኮርነስ

ምስ ሓሙሽተ አሕዋቱ ብዝተበከለ ደም ዝተጠቕዐ ጆን ኮርነስ፡ ኣርባዕተ ኣሕዋቱ ከመይ ከምዘሞቱ የዘንቱ።

ኣብ ልዕሊ እቲ ብዝተበከለ ደም ዝተፈጸመ ጽያፍ ገግባር፡ ዝግበር ዘሎ ምርመራ ምስክር ኮይኑ ዝቐረበ ጆን ኮርነስ፡ ንዘጋጠሞ ናይ ደም ምፍሳስ ሕማም፡ ሕክምና ኣብ ዝተገበረሉ እዋን 'ሀፓታይተስ ሲ' ብዝበሃል ሕማም ጸላም ከብዲ ተለኺፉ ጸኒሑ።

ቤተሰቡ ሓያል ኣእምሮኣዊ ቅልውላው ከምዘጋጠሞ ከም ዝገልጽዎ ዝዛረብ ጆን ኮርነስ፡ ክልተ ደቁ ብዝበጽሖም ተነጽሎ፡ ሽም ኣቦኦም ከምዝቐየሩ ገሊጹ።

እቲ ምርመራ ክሳብ ሰነ 21 ክካየድ እየ።

እቲ ምርመራ ኣብ 1970ታትን 1980ታትን፡ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ተሓከምቲ ከመይ ዝተበከለ ደም ክወሃቦም ከምዝኸኣለ እዩ ዘጽንዕ ዘሎ።

እቲ ኩነታት ብልሙድ 'ኣብ ታሪክ ሕክምና እቲ ዝዓበየ ጽያፍ' እናተብሃለ እዩ ዝጽዋዕ።

ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ከባቢ 4800 ዝኾኑ ምስ ደም ምፍሳስ ዝዛመድ ሕማም ዝነበሮም ተሓከምቲ፡ ብ 'ሀፓታይተስ ሲ' ተበኪሎም።

ከባቢ 2 ሽሕ ሰባት ድማ ከም ዝሞቱ ይግመት።

Image copyright SPL

ወዲ 58 ዓመት ነባሪ በርሚንግሃም፡ ጆን ኮርነስ፡ ሰለስተ ኣሕዋቱ ብ ኤችኣይቪ ተበኪሎም፡ ኣብ 1990ታት ከም ዝሞቱ ነቲ ቤት ፍርዲ ተዛሪቡ።

ወዲ 26 ዓመት ጋሪ፡ ኣብ 1992፤ ወዲ 26 ዓመት ሮይ፡ ኣብ 1994፤ ወዲ 40 ዓመት ጎርዶን ድማ ኣብ 1995፡ መይቶም።

ካልእ ብ 'ሀፓታይተስ ሲ' ዝተለኸፈ ሓዉ ድማ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት መይቱ።

ብዛዕባ እቲ ቤተሰብ ኣብ ሚድያታት ብምቕራቡ ፡ ስነ ልቦና እቲ ቤተሰብ ከም ዝተጎድአ ዝዛረብ ኮርነስ፡ ኣብ በርሚንግሃም ''ቤተሰብ ኤድስ'' እናተብሃሉ ይጽውዑ ከምዝነበሩ ይገልጽ።

ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ጋሪ ድማ 50 ጋዜጠኛታት ስእሊ ክስእሉ፡ ብደጎል ተሓቢኦም ከም ዝነበሩ ይዝክር።

ብዓልቲ ቤት ጋሪ 'ውን ብኤችኣይቪ ስለ ዝተለኸፈት፡ ኣብ 2000 ሞይታ።

"ብዙሓት ዘኽትማት ዝኾኑ ደቂ ሓውን ደቂ ሓፍትን ኣለዉኒ'' ይብል።

''ብውሑዱ 30 ኣባላት ስድራይ ተጠቒዖም እዮም፡ ነቶም ዝተበከሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቶም ተጠቃዕቲ 'ውን እየ ወኪለ ኣብዚ ተረኺበ።'' ድሕሪ ምባል ብዘይበደልዎ ዝበጽሖም ጉድኣት ምስቲ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣየርላንድ ድሕሪ 1974 ዝበጽሐ በደል የመሳስሎ።

ተወሳኺ ዛንታ