ደም፡ ካብ መሸጣ ዕዳጋ ክሳብ ልገሳ

ደም ለገስቲ ኣብ ባንኪ ደም ኢትዮጵያ

ቀደም ዝሓመመ ሰብ 'ደም የድልየካ እዩ' እንትበሃል መሬት ይጽልምቶ፤ ሕሙም ይኹን መላዓሊ ሰቡ ከማኽር ናብዝን ናብትን ክብል ምርኣይ ልሙድ ነይሩ።

ድፍር ኢሉ ናብ ባንኪ ደም ዝኸደ ድማ ደም ሂቡ ህይወት ከትርፍ ምስዝተሰለፈ ገባሪ ጽቡቕ፣ ደም ሸይጡ ነዃል ናብርኡ ንምሽፋን ደፋእፋእ ምስዝብል ነጋዳይ፣ ደም ኣሻይጡ ቁሩብ ከትርፍ ምስ ዝጓየ ደላላይ ምርኻቡ ዘይተርፍ እዩ።

እቲ እዋን ህይወት ንምድሓን ንጣብ ደም ምርካብ ዓቐብ ዝነበረሉ እዋን ነይሩ። ርሑቕ ይምሰል እምበር፡ ንገለ ሰባት ግን ትማሊ መሲሉ እዩ ዝስመዖም።

ወዲ 54 ዓመት ኣይተ ሰለሞን በየነ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልዑን እዩ። ብናይ ውልቀ ስራሕ ዝመሓደር ኣይተ ሰለሞን፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ካብ 1981 ጀሚሩ ን72 ግዜ ደም ለጊሱ።

ኣብ ባንኪ ደም፡ ደም ንምሻጥ ምስዝተሰለፉ ሰባት ተዳፊኡ ደም ይልግስ ምንባሩ ይዝክር። ደም ክልግስ ዝገበሩዎ ኣጋጣሚታት ኣይርሰዖምን።

ጽቡቕ ዘምሃሮ ሕማቕ ኣጋጣሚ

እቲ ቀዳማይ፡ ኣብ ቀይሕ መስቀል ወለንተኛ ኣምቡላንስ ኮይኑ ኣብ ዝሰርሐሉ እዋን፡ ብምኽንያት ምንጻል ጥንሲ ደም ስኢና እንትትመውት ምርኣዩ እንትኾን፤ እቲ ካልኣይ ኣጋጣሚ ድማ ብተመሳሳሊ ኩነታት ብዙሕ ደም ዝፈሰሳ ሰበይቲ ደም ተዋሂብዋ ካብ ኣፍ ሞት እንትትተርፍ ምርኣዩ እዩ።

ከም ሰለሞን ዝበሉ ንዓመታት ደም ዝለገሱ ሰባት ከምዝገልጽዎ፡ ደም ክሳብ ሓሙሽተ ሽሕ ዝሽወጠሉ እዋን ነይሩ። ዋላ'ኳ ብሕክምና ደም ምልጋስ ዝከኣል ኣብ ሰለስተ ወርሒ ሓደ ግዜ እንተኾነ፤ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ደሞም ዝሸጡ ጽጉማት ከምዝነበሩ ኣይተ ሰለሞን ይዝክር።

ኣብቲ ንግዲ ደለልቲ እውን ነይሮም። እቲ ዕዳጋ '' ንግዲ ብዕራይ ይበሃል ነይሩ'' ይብል።

ሓደ ተሓካሚ ክንድዚ ዝኣክል መጠን ደም የድልዮ እንተተባሂሉ፤ ቤተሰብ እቲ ተሓካሚ ነቲ ዝተብሃሉዎ መጠን ደም ናብ ባንኪ ደም ብምኻድ ይልግሱ።

ባንኪ ደም ድማ እቲ ዝተብሃለ መጠንን ዓይነትን ደም፡ ናብቲ ተሓካሚ ዝርከበሉ ሆስፒታል ይልእኽ።

መሸጣ ደም ከመይ ጠጠው ኢሉ?

መሸጣ ደም ክሳብ 2003/4 ዓ.ም ውዑይ ነይሩ። ድሕሪ እዚ ግና ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብ ትሕቲ ቀይሕ መስቀል ዝነበረ ባንኪ ደም ተጸዋዕነቱ ናብቲ ሚኒስተር ብምግባር ነቲ ዝነበረ ተተካኢ ደም ናይ ምቕራብ ኣሰራርሓ ጠጠው ክብል ገይሩ።

ክሳብ ሐዚ እዋን ኣብታ ሃገር 42 ባንኪታት ደም ኣለዋ። ካብቲ ዝእከብ ጠቕላላ ደም እቲ ሲሶ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝእከብ እንትኸውን እቲ ዝተረፈ ክልተ ኢድ ድማ ካብ ክልልላት ይርከብ።

Image copyright Ethiopian Blood bank

ከም በዓል ኣይተ ሰለሞን ዝበሉ ወለንተኛታት ምስጋና ይብጸሓዮም፡ ሎሚ ባንለኪ ደም መተካእታ ደም ናይ መቕራብ ኣሰራርሓ ገዲፉ፡ ደም ንዘድልዮ ተሓካሚ ኩሉ፡ ደም እናሃበ ይርከብ።

ዋና ዳይረክተር ሃገራዊ ባንኪ ደም ዝኾኑ ኣይተ ያረጋል፡ ኣብ ልገሳ ደም ምምሕያሻት እኳ እንተሃለወ፡ ዕዉታት ኢና ኣብ እንብለሉ ደረጃ ግን ኣይበጻሕናን ይብሉ። ምኽንያቱ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ በዝሒ ህዝቢ ሓንቲ ሃገር፡ ሓደ ምኢታዊት ብወለንተኝነት ደም ዝልግስ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግን አዐርዩ ዝነኣሰ እዩ ይብሉ።

እዚ ማለት ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ እቲ ሓደ ሚልዮን ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ ደም እንተዝልግስ፡ ሰለስተ ሚልዮም ምተረኸበ ነይሩ። እንተኾነ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ክልተ ምኢቲ ሽሕ ደም ጥራሕ ከምዝእከብ እዮም ዝዛረቡ።

ኣብ 2011 ዓ.ም ሕጽረት ደም ከምዘየጋጠመ ዝዛረቡ እቶም ዳይረክተር፡ ኣብ ዓይነታት 'ነጌቲቭ' ደምን ፕላትሌትን ግን ሕጽረት ከምዘሎ ይገልጹ፤ ብፍላይ ንኹሉ ዓይነት ደም ዝልገስ 'ኦ ነጌቲቭ'። ናይዚ ጸገም ዋና ምኽንያት ድማ ቁጽሪ 'ኦ ነጌቲቭ' ደም ዘለዎም ሰባት ውሑድ ምዃኑ እዩ።

''ንኣደና ደም ሃበልና''

መንእሰይ ጥበቡ ቢያድግ፡ ቅድሚ 17 ዓመታት ብኣጋጣሚ ሰባት ደም እንትልግሱ ሓቢሩ ብምኻድ ንመጀመሪያ ግዜ ደም ለጊሱ። 'ኦ ነጋቲቭ' ደም ዘለዎ ጥበቡ፡ ክሳብ ሐዚ 38 ግዜ ደም ለጊሱ። ደም ሕጽረት እንተጋጥም ባንኪ ደም ካብ ዝድውለሎም ሰባት ሓደ እዩ።

ምስመሓዙቱ ደም ንምልጋስ እንትኸይድ ደለልቲ '' ገንዘብ ክትረኽቡሉ እናኸኣልኩም ንምንታይ ደም ብነጻ ትህቡ?'' ይብሉዎም ነይሮም።

ናብራ እነይ ዘውዱ ይልምልም'ሎ

ጥበቡ ዘይርሰዖ ኣጋጣሚ 'ውን ኣለዎ። ሓንቲ ጎረቤቱ መጥባሕቲ ክግበረለን ዳግማዊ ሚኒሊክ ኣትየን፤ ደቀንን ኣሕዋተንን ደም ምሃብ ስለዝፈርሑ ንጥበቡ ''በጃኻ ንኣዴና ደም ሃበልና'' ኢሎምዎ። ደም ምልጋስ ምንም ጸገም ከመረዘይብሉ ዋላ'ኳ ከረደኦም እንተፈተነ ክቕበልዎ ኣይከኣሉን። ኣብ መወዳእታ ነተን ኣደ ደም ከምዝልግሰለን ኮይኑ ግና ካሊእ እዋን ደም ክልግሱ ከምዘለዎም ቃል ክኣትዉ ገይሩ። ጥበቡ ደም ለጊሱ ነተን ወላዲት ኣትሪፉወን።

ላቦራቶሪ ቴክኒሻን ዝኾነ፡ ወዲ 37 ዓመት ዳዊት ፍቅሩ፡ ካብ 1995 ጀሚሩ ብወለንተኝነት ደም ይልግስ። ዓይነት ደሙ 'ኦ ነጋቲቭ' እንትኸውን ክሳብ ሎሚ 38 ግዝ ደም ለጊሱ እዩ። ካብቲ ባንኪ ተደወለሉ ኣይተደወለሉ፡ እናኸደ ደሙ ይህብ።

ደም ንምልጋስ ናይ ዘይምድላይ ኩነታት ኣብዘለሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን፤ ''ናተይ ደም ንኹሉ ከምዝኸውን ይፈልጥ እየ። ዝኾነ ሰብ እንተደሓነሉ ሓጎሰይ እዩ'' ይብል። ብተወሳኺ ዳዊት '' እቲ ደም ስኢኑ ዝመውት ሰብ ኣደይ፣ ኣቦይ ወይ መሓዛይ እንትዝኸውንከ?'' ኢሉ ስለዝሓስብ ገንዘብ ከምዘየሰስዖ ይዛረብ።

Image copyright Getty Images

ሕብረት ወለንተኛታት

መንእሰይ ጸደቀ ሞገስ ን57 ግዜ ደም ዝለገሰ እንትኸውን፡ ሰለስተ ማሕበራት ወለንተኛ ለገስቲ ደም 'ውን ክምስረታ ኣተሓባቢሩ እዩ።

ቅድም ክብል ደም ይልግሱ እኳ እንተነበሩ፡ ብማሕበር ኮይኖም ደም ምልጋስ ዝጀመሩ ግን ድሕሪ ዕግርግር 1997 ዓ.ም እዩ። ሽዑ ሓያል ሕጽረት ደም ኣጋጢሙ ነይሩ። ኣብቲ ወቕቲ በዝሒ ለገስቲ ደም ካብ 1 ሽሕ ዘይበልጽ ከምዝነበረ ይንገር።

ሰባት ብወለንተኝነት ደም ክልግሱ ምግባር ከምዘድሊ ዝዛረብ መንእሰይ ጸደቀ፡ መብዛሕተኦም ሰባት ኣብ ቤተክርስትያን ከምዝረኸቦም ይዛረብ።

ንወለዶም እኳ ደም ንምሃብ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ ሰባት ንጸደቀ እውን ኣጋጦመሙዎ እዮም።

ሲስተር ኣሰጋሽ ጐሳ ካብ 1984 ዓ.ም ጀሚሩ 72 ግዜ ደም ለጊሳ። ''ኣዶ ደቀይ ካብ እትመውት ደመይ ሂበያ ኣነ ክመውት'' ዝበለ ካብ ገጠር ዝመጸ ሰብኣይ ኣይትርሰዖን። ደሙ ሂቡ ዝመውት እዩ መሲሉዎ ነይሩ። ንበዓልቲ ቤቶም ደም ንምልጋስ ፍቓደኛ ዘይኮኑ ሰባት ከምዝረኣየት ትዛረብ።

ሓደ ሰብ ክብደቱ 45 ኪሎ፣ ዕድሚኡ ካብ 18 ክሳብ 65 ዝኾነ ምንም ዓይነት መድሓኒት ዘይወስድ ዝኾነ ሰብ ደም ምልጋስ ከምዝኽእል ሲስተር ኣሰጋሽ ትገልጽ።

ካሊእ ወለንተኛ ዳዊት ተስፋዬ ኣብ 25 ዓመታት 75 ግዜ ደም ለጊሱ እዩ።

'' በቲ ዝለገስክዎ ደም፡ ክልተ ምኢቲ ዝኾኑ ሰባት ተጠቒሞም ኢለ ይሓስብ'' ይብል።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ