ኬንያ፡ ኣባል ባይቶ 'ንመዘናኡ ጓለንስተይቲ ኣባል ፓርላማ ብምጽፍዑ' ተኣሲሩ

ፓርላማ ኬንያ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ደቂኣንስትዮ ኣባላት ፓርላማ፡ ተቓውሞአን ንምግላጽ ካብ ኣዳራሽ ፓርላማ ወጺአን

ሓደ ኣባል ፓርላማ ኬንያ፡ ንሓንቲ መሳርሕቱ ኣባል፡ ነቲ ንሱ ዝውክሎ ካባቢ ባጀት ኣይመደብክሉን ኢሉ ብምኽሳስ ከም ዝጸፍዓ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

እቲ ራሺድ ቃስም ዝተባህለ ኣባል ባይቶ፡ ንኣባል ሽማገለ ባጀት ዝኾነት ፋጡማ ገዲ ጸፊዕካ ተባሂሉ'ዩ ተኸሲሱ ዘሎ።

ስእሊ ናይታ ኣብ ኣፋ ደም ወጺኣ እናበኸየት እትርአ ፋጡማ ገዲ፡ ኣብ ትዊተር ብሰፊሑ ክዝርጋሕ ውዒሉ።

ድሕሪ'ቲ ፍጻመ፡ ደቂኣንስትዮ ኣባላት ፓርላማ፡ ደቂተባዕትዮ መዛኑአን ክሕጭጩለን ምስ ጀመሩ፡ ተቓውሞአን ንምግላጽ ካብ ኣዳራሽ ፓርላማ ወጺአን።

እቲ ኣባል ፓርላማ፡ ኣብ ቀጽሪ ህንጻ ፓርላማ ኬንያ ኣብ ዝርከብ መዐሸጊ መካዪን (ፓርኪንግ)፡ ስለምንታይ ነቲ ንሱ ዝውክሎ ኣብ ሰሜናዊ-ምብራቓ ዝርከብ ዞባ ዋጂር ገንዘብ ከም ዘይመደበትሉ ንምሕታት ደው ምስ ኣበላ፡ ከም ዝጸፍዓ'ዩ ዝኽሰስ ዘሎ።

ብድሕሪኡ፡ ደቂ-ተባዕትዮ ኣባላት ፓርላማ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ንደቂኣንስትዮ መዛኑኦም ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ናይቲ ፓርላማ፡ ክሕጭጩለን ከም ዝጀመሩ፡ ሳቢና ዋንጂሩ ዝተባህለት ኣባል ፓርላማ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

"ገለ ደቂተባዕትዮ መሳርሕትና፡ መዓልቲ ምጽፋዕ'ዩ እናበሉ፡ ከላግጹልና ጀሚሮም"።

ንሳ ከም እትብሎ፡ እቶም ኣባላት፡ "ደቂ ኣንስትዮ ኣደብ ክገብራ ኣለወን" ከም ዝበሉን "ንደቂ ተባዕትዮ ብኸመይ ከነኽብሮም ከም ዘለና"ን ክዛረቡ ጀሚሮም ኢላ።

ብድሕሪ'ዚ ኩለን ደቂኣንስትዮ ኣባላት ፓርላማ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ብጸይተን ዝወረደ ምስርጣይ ብምቅዋም ካብ ኣደራሽ ፓርላማ ብምውጻእ፡ ኣባል ባይቶ ራሺድ ቃስም ክእሰር ከም ዘለዎ ጠሊበን።

ጸኒሑ ድማ እቲ ኣባል ባይቶ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፓሊስ ኣትዩ።

"ኩላትና ኣባላት ፓርላማ ኢና ካብኦም... ኣይንንእስን ኢና" ክትብል እታ ኣባል ባይቶ ቁጠዐኣ ገሊጻ።

እንተኸነ ግን፡ ራሺድ ቃስም ዛጊት ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዝሃቦ ርእይቶ የለን