ተራ ኤርትራ ኣብ ተኣፋፊ ጉዳያት መስመር ቀይሕ ባሕሪ

ባጽዕ Image copyright Getty Images

መስመር ቀይሕ ባሕሪ፡ ድሕሪ ምኽፋት ስዊዝ ካናል፡ ኣገዳስነቱ ዝዓዘዘ፡ ቅድምን ድሕርን ኵናት ዓለም፡ ኣህጉራውያን ሓይልታት ክቆራቐሱሉ ዝጸንሑን ዘለውን ኩናትን ወረ ኩናትን ተፈልዩዎ ዘይፈልጥ እስትራቴጂካዊ ስፍራ እዩ።

ሕጂ እውን እንተኾነ፡ ምስዚ ባሕሪ እዚ ብቐጥታ ዝዳወባን፡ ኣብቲ መስመር ቁጠባዊ ረብሓ ዘለወን ሓይልታት፡ ንጸጥታኡ ብዝምልከት ቀጥታውን ተዘዋዋርን ጽልዋታት ይገብራ ኣለዋ።እቲ ኣብ መጋቢት 2015 ዝጀመረ፡ ስዑድያን ኢሜሬትን ብጽምዶ ዝመርሐኦ፡ ኤርትራ ብሽርክነት እትዋሳኣሉ ዘላ ኣንጻር ዑጡቓት ሖቲ ዝካየድ ልፍንታዊ ወፍሪ እውን ሓደ ኣካል እዩ።

እዚ ዛጊት ሰለስተ ዓመቱ ኣሕሊፉ ክነሱ ክሳብ ሕጂ ዘይዓረፈ ኲናት፡ ትማሊ 12 ሰነ 2019 እውን፡ ዑጡቓት ሖቲ ወንጪፎሞ ብዝተባህለ ሚሳይል ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብሃ ስዑዲ ዓረብ ልዕሊ 26 ሰባት ከምዘቑሰለ ማዕከናት ዜና ጸብጺበን።

እዚ ሕድሕድ ኲናት ካብ ዝጀመር ክሳብ ሕጂ ኣስታት 7 ሽሕ ሲቪል ከም ዝሞቱን ልዕሊ 10 ሽሕ ከምዝቖሰሉን፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ካበ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን ተጸበይቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ኮይኖም ከምዘለውን ጸብጻባት ኣምኒስት ኢንተርናሺናል ይሕብር።

ተወለድቲ ብሄረ ዓፈር ዓሰብን ከባቢኣን ኤርትራውያን ከኣ፡ ኣብቲ ዝድረሩሉን ዝነባበሩሉን ባሕሮም ከም ድላዮም ክወሳወሱ ከምዘይከኣሉ ብምረት ይዛረቡ።ብሓጺሩ እቲ ከባቢ ወጥሪ ሰፊኑዎ 'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት እውን፡ ናይ ኢመሬት፡ ስዑዲ ዓረብን ኖርወይን ምዃነን ዝተነግረለን ኣርባዕተ መራክብ፡ ኣብ ጥቓ ሆርሙዝ ኣብ ዝርከብ "ፉጀይራህ" ኣብ ዝተባህለ ቦታ፡ ብዘይተፈልጠ ብረት፡ ኣብ ባሕሪ ከምዝተጠቕዓ ተነጊሩ።

ድሕሪ እቲ ፍጻሜ፡ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፐይ፡ በቲ መጥቃዕቲ ንኢራን ብምኽሳስ፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ቅልውላው ምስ ኤውሮጳውያን መዛንኡ ዘትዩሉ።

ስዑዲ ብወገና: "ንዞባውን ኣህጉራውን መስመር ንግድ ባሕሪ ዝዘርግን ዝዕንቅፍን ገበናዊ ተግባር ብኣግኡ ክግታእ ኣለዎ" ብምባል፡ ኣባላት ምትሕብባር ባይቶ ሃገራት ወሽመጥን፡ 57 ሃገራት ዝኣባላቱ ማሕበር ምርግጋጽ ረብሓ እስላማዊ ዓለምን ዝተሳተፉዎ ሰፊሕ ኣኼባ ዓዲማ ንኢራን ኮኒና። ኢራን ከኣ "ዕንደራ-ባሕሪ ደው ይበል" ብዝብል መግለጺ፡ ነቲ ተግባር ከምዘይወዓለቶን እቲ ጉዳይ ብምርመራ ክጻረን ሓቲታ ኣላ።

እዚ ኤርትራ፡ ንሰላማን ርግኣታን ብኸመይ ክጸልዎ ይኽእል?

Image copyright HA
ናይ ምስሊ መግለጺ ዶክተር ሃይለ ሓጎስ

ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ እውን፡ ኢትዮጵያ፡ ሓያል ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ደላይ ከምዝነበራ ብምግላጽ ነቲ ጥሙሕ'ቲ ዘሳላስል ኣሃዱ ኣቛማ ኣላ። ፕረዚደንት ጂቡቲ ዑመር ገለ ከኣ ምስ ናይ ፈረንሳ ሚድያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ኢትዮጵያ እቲ መዓስከር ኣብ ኤርትራ ኣብ ባጽዕ ከምእትገብሮ ሓቢሩ።

እዝን ወዲ እዝን ንኤርትራን ጎረባብታን እንታይ ዓይነት ውሕስነት ወይ ስግኣት ክፈጥረለን ይኽእል? ንዝብል ዛዕባ፡ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ነበር ኤርትራዊ ዶክተር ሃይለ ሓጎስ፡ ርእይቶኡን ተመኩሮኡን ኣካለፊሉና ኣሎ።

"ሓንቲ ሃገር፡ ክሊ ባሕራ፡ ገማግማ ኮነ ደሴታታ ንኸተውሕስ ሓይሊ ባሕሪ የድልያ። ሓይሊ ባሕሪ ከኣ ኣካል ሓይሊ ምድርን ኣየርን ምክልኻል ሓንቲ ሃገር እዩ። ቀንዲ ዕማም ሓይሊ ባሕሪ፡ ልኡላወነት ሃገር ምሕላው፡ ንሃብቲ ባሕሪ ምክልኻል፡ ብባሕሪ ንዝካየዱ ዘይሕጋዊ ንግድን ምስግጋር ሰባትን ምቁጽጻር ኮይኑ፡ ድሕነት እተን ኣብ ክሊ ባሕሪ እታ ሃገር ዝንቀሳቐሳ መራኽብ ንግድ ምሕላ'ውን የጠቓልል" ይብል ዶክተር ሃይለ ንትርጉምን ኣገዳስነትን ሓይሊ ባሕሪ ክገልጽ እንከሎ።

ኣብ ሓደ ውሁብ ጂኦግራፊ እትርከብ ሃገር፡ ኣብ ዝምእምኣን ዘርብሓን ጽላትን ዓውድን ናይ ግድን ምስ ጎደቦታታን ጎረባብታን ሃገራት ክትዋሳእ ስለእትግደድ፡ ኤርትራ እውን ኣብቲ የርብሓኒ እዩ እትብሎ ጉዳያት ምስ ጎረባብቲ ኮነ ዞባዊ ሓይሊ ክትዋሳእ ትኽእል እያ።

ስለዝኾነ ኤርትራ፡ ምስ ስዑዲ ኮነ ኢሜረት ምሽራኻ፡ እንታይ ከምዘርብሓን ከምዝጎድኣን ርእያን ኣጽኒዓን ኣትያቶ ክትከውን ከምእትኽእል ይገልጽ። " እቲ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝለዓል ቀንዲ ሕቶ ግን መንግስቲ ሓንቲ ሃገር ዝውስኖ ዝኾነ ይኹን ነገር ጽባሕ ንጎሆ ነታ ሃገርን ህዝብን ዝሃሲ በሰላ ዝገድፍ ክኸውን ኣይግባእን እዩ። ከምኡ ንክኸውን ከኣ እቲ ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ዝኾነ ዝውስኖ ዲፕሎማሲያዊ ኮነ ፖለቲካዊ ኩነታት ብወከልቲ ህዝቢ ኣቢሉ ክዝትየሉን ክማኸረሉን እዩ ዝግባእ" ዝብል ሓሳብ ኣለዎ።

"ኣብ ኤርትራ ግን ከምኡ ኣሎ ድዩ? ዝሰርሕን ዝውስንን ባይቶ ኣሎ ድዩ? ብስሩዕ ዝእከብን ዝዝትን ካቢነ ሚኒስተራት ኣሎ ድዩ? እቲ መንግስቲ ዝቕየደሉን ዝምራሓሉን ሃገራዊ ቅዋም ኣሎ ድዩ? ልዕልና ሕግን ግዝኣተ ሕግን ኣሎ ድዩ? ንዝብል ሕቶ - እቲ ኹሉ እትረኽቦ መልስታት የሎን ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ስክፍታን ሽቓሎትን ይስመዖ ኣሎ ዝብል እምነት ኣሎኒ" ክብል ገምጋሙ የቕርብ።

Image copyright HA

ስለምንታይ እዩ ዶ/ር ኣይ ኣሕመድ ሓይሊ ባሕሪ ከቕውም ዝሸባሸብ ዘሎ?

እቲ 1955 ብሓገዝ ኖርወጃውያን ዝተመስረተ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ናይ ኣመሪካ ደገፍ እውን ስለዝነበሮ፡ ብዝዓጠቖ ኣጽዋርን ውዳበን፡ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝነበረ ሓይልታት ሓይሊ ባሕሪ ጂቡቲን ሱዳንን ጸብለልታ ከምዝነበሮ ይዛረብ።

ኣብ 50ታትን 60ታትን ድማ ሓይሊ ባሕሪ ሱዳን ናብ ባጽዕ መጺኦም ይምሃሩ ከምዝነበሩ ዝዝክር ዶክተር ሃይለ፡ ምቛም ንግዳዊ መስመር መራኽብ (ማሪታይም ሺፒንግ ላይን) እውን ካብ ምቛም ሓይሊ ባሕሪ ፈሊኻ ዘይረአ ምዃኑ ይገልጽ።

ማሪታይም ሺፒንግ ንንግዳዊ ንጥፈታት ዝከታተል ኣካል እዩ። እዚ ንግዳዊ ንጥፈታት ከኣ ብዙሕ ግዜ ብውልቃዊ ትካላት እዩ ዝካየድ። ብዙሕ ግዜ መንግስቲ ኢዱ ኣየእትወሉን እዩ። ድሕነት ኣብ ክሊ ባሕሪ ሓንቲ ሃገር እትንቀሳቐስ መርከብ ግን ሓይሊ ባሕሪ እዩ ሓላፍነት ዝወስድ። ሓንቲ ሃገር ንግዳዊ መስመር መራኽብ ንኽህልዋ ባሕሪ ክህልዋ ናይ ግድን ኣይኮነን። ምኽንያቱ እተን መራኽብ፡ ኣብ ዝኸደኦ ሃገር ግቡእ ክፍሊት እናኸፈላ ከራግፋን ክጽዕናን ይኽእላ እየን።

ንኣብነት ኣብ ሓደ እዋን ሶማላውያን ክሊ ባሕሮም ክቆጻጸሩ ስለዘይከኣሉ፡ ዘዘርከቡ፡ ብናእሽቱ ጀላቡ ዓበይቲ መራኽብ እናኸተሩ ክፍሊት የገድዱን ነይሮም።

ሽፍትነት ባሕሪ( ቅርሰና) ስለዝበዝሐ ከም ሕብረት ኤውሮጳ ዝኣመሰላ ሓይልታት ረብሐአን ንምርግጋጽን ድሕነት መራኽብ ንግድ ንምውሓስን ሸፋቱ ባሕሪ ዝሃድንን ነቲ ባሕሪ ዝቆጻጸር ሓይሊ ልኢኸን ክከታተልኦ ጀሚረን። ዝኾነ ክሊ ባሕሪ ዝቆጻጸሮ እንተዘይብሉ መፍቶን ኣደዳን ሸፋቱ ባሕርን ዘይሕጋዊ ንግድ እዩ ዝኸውን።

ሕጂ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ 'ሓይሊ ባሕሪ ከነቕውም ኢና' ዝብል ዘረባ ተደጋጊሙ ኣሎ። ርኡይ ምልክታት እውን ኣሎ። ኣበይ ዝብል ሕቶ ንኤርትራውያን ኣየቕሰኖምን። ኣቐዲሙ ምናልባት ኣብ ጂቡቲ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ገማጋም ነይሩ።

ፕረዚደንት ጂቡቲ ዑመር ገለ፡ ኣብ ባጽዕ ምዃኑ ምስሓበረ ሓያሎ ኤርትራውያን፡ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ እንድሕር ኣትዩ ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ፈተነ ክኣቱ እዩ ዝብል ስምዒት አሕዲሮም።

እቲ ኣብ ገደም ዝመዓስከሩ ብዕጥቁን ሓይሊ-ሰቡን፡ ብዙሕ ዘይሰጎመ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ክወሓጥን ክዕብለልን ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ከኣ ፈቐድኡ ይስማዕ ኣሎ።

"ሓይሊ ባሕሪ ምክያድ ሓያል እዩ። ኣዝዩ ብዙሕ ወጻኢ ዝሓትት ዓውዲ ከኣ እዩ" ይብል ዶክተር ሃይለ እቲ ትካል ምስ ሓይሊ ኣየር ብምንጽጻር። ንኣብነት፡ ኣብ ሓይሊ ኣየር፡ ሓንቲ ነፋሪት እንተዘይበሪራ፡ እተውጽኦ መጻኢታት ውሑድ እዩ። ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ግን፡ ሓንቲ መርከብ ኣብ 24 ሰዓታት 'ሰርቪስ' እንተዘይገይራ ዓቢ ክሳራ እዩ ዘጋጥም። ንዓኣ ንምጽጋንን ንምክንኻንን ዝወጽእ ወጻኢታት ብዙሕ እዩ። ዓባይ መርከብ እንተኾይና ከኣ ካበ 300-400 ሰባት እያ ትሕዝ። ዕጥቅን ስንቅን እቲ ዓቕሚ ሰብ ኮነ እቲ ንሳ እተህልኾ ጸዓትን ኣጽዋርን ከኣ ክቡር ምዃኑ የረድእ ዶክተር።

Image copyright HA

ኣብ ከም ብዓል ኤርትራ ዝኣመሰላ ናእሽቱ ሃገራት፡ ብናእሽቱ መራኽብ ኮለላ እናካየድካ ንማያዊ ክልኻ፡ ክትቆጻጸሮ ትኽእል ኢኻ። ግዙፍ ሓይሊ ባሕሪ ከተቕውምን ክትሃንጽን ግን ከቢድ እዩ። ኣብዚ ዞባና ዝልዓለ ሓይሊ ባሕሪ ዘለዋ ሃገር ስዑዲ ዓረብ እያ ይብል ዶ/ር ሃይለ።

ስዑዲ ኣብ 1957 ኣቢሎም እዮም ሓይሊ ባሕሪ ኣቒሞም፡ ካብ ብዓል ኣሜሪካን ፈረንሳን ንሓንቲ መርከብ ክሳብ ክልተ ቢልዮን ዶላር እናኸፈሉ ይዕድጉ ከምዝነበሩ ይዛረብ። ስለዚ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ሓንቲ መርከብ ኣላትኒ ምባል ትርጉም ከምዘይብሉን፡ ብዘዋጽኣካ ኣገባብ ክትሃንጾ ከምዝከኣልን እዩ ዝዛራብ።

''ዓቢ እንተሓሲብካ ግን እቲ ባጀት ኣይትኽእሎን ኢኻ። ንኣብነት ኣብ ገድሊ ኤርትራ፡ እተን ዓበይቲ መራኽብ ኢትዮጵያ ብናኣሽቱ ፈጣናት እየን ተደምሲሰን። ሕጂ ከኣ ኢትዮጵያ፡ ንዘለዋ ጸጥታውን ቁጠባውን ቅልውላው ከይፈትሐት ካልእ ገዚፍ ባጀት ዝሓትት ትካል ሓይሊ ባሕሪ ከተቕውም ምድላያ ተወሳኺ ጸገም ምፍጣር ኮይኑ ዝስመዖም ባሕረኛታት ውሑዳት ኣይኮኑ" ይብል። ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝተፈጥረ ሰላም ልዑል ኣድናቖቱ ዝገልጽ ዶክተር ሃይለ ሓጎስ፡ "እቲ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ንክልቲአን ሃገራት ሓሊኹወን ዝጸንሐ፡ ወጥሪ ኣይሰላም ኣይኵናት ምብቅዑ፡ ዓቢ ተስፋ ብምዃኑ፡ ብፍላይ ኤርትራ ዘቤታዊ ጉዳያታ ክትፈትሕን ኣብ ህንጸት ቅዋምን ምርግጋጽ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ኣበርቲዓ ክትሰርሕ ይምሕጸን" ክብል ተስፍኡን ትጽቢቱን ይገልጽ።

ኤርትራ ኣብ እስትራቴጂካዊ መስመር ቐይሕ ባሕሪ ተደኲና፡ ኣስታት 1300 ኪ-ሜትሮ ገማግም ባሕርን ክሳብ 300 ዓበይትን ናእሽቱን ሓቒቕ ዝመስል ማይ ባሕርን ሑጻን ዝርከቦም ደሴታት ትውንን እያ። ውሕስነትን ድሕነትን እዚ ብገዚፍ እጀታ እትካፈሎ፡ ልዕሊ 40% ንግዲ ማሪታይምን ነዳድን ዓለምና ዝመሓላለፈሉ መስመር ከተውሕስ ሓላፍነት ድማ ሓላፍነት ኣለዋ።

ይኹን እምበር እቲ ኣብ 1990ታት ብናእሽቱ ፈጣናት ጀላቡ ዘበናዊ ኣጽዋር ንዝዓጠቐ ግዙፍ ሓይሊ ባሕሪ ዝሰዓረ ውልዶ ሓይሊ ባሕሪ: ኣብ ዝሓለፈ 20 ናይ ወጥሪ ዓመታት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝጸንሓ እገዳ፡ ብዓቕሚ ሰቡን ዕጥቁን ከምቲ ዝድለ ኣይማዕበለን ተባሂሉ እዩ ዝዝረብ።