ማእከላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብመንግስቲ ኤርትራ ይህገራ ኣለዋ

ካተድራለ ኣስመራ Image copyright Getty Images

ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝመሓደራ ማእከላት ጥዕና ብመንግስቲ ኤርትራ ይህገራ ከም ዘለዋ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ኣባላት ጸጥታ ኣብ ዝተፈላለያ ማእከላት ጥዕና ብምኻድ፡ ነቶም ኣካየድቲ ማእከላት ጥዕና "ኣረክቡ" ብምባል የፈራርሕዎም ከም ዘለውን፡ ነቲ መምርሒ መንግስቲ ምቕባል ዝኣበዩ ድማ ካብቲ ማእከል ጥዕና ብምስጓግ ነቲ ማእከል ጥዕና ዓሺጎም ብኣባላት ጸጥታ ይሕልዉዎ ከም ዘለው ገሊጾም።

ነቶም ኣብ ማእከላት ጥዕና ተዓቑቦም ዝነበሩ ሕሙማት ድማ ናብ መንግስቲዊ ሆስፒታላት ከም ዘሰጋገርዎም ተፈሊጡ።

መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ከኣ ናብ ዝምልከቶ ኣካል መልእኽቲ ሰዲዶም ከም ዘለው ሓቢሮም።

ብዛዕባ ምኽንያት መሀገሪ እቲ ክሊኒካትን ማእከላት ጥዕናን ክሳብ ሕጂ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

ኣብ መስከረም 2017፤ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቀጽሪ ካተድራለ እትርከብ ቤት-ትምህርቲ መድሃኔ ኣለም ክትዕጾ መምርሒ ከምዝሃበን፡ ነቲ መምርሒ ዝተቓወሙ ሓደ ካህንን ፈላሲትን ተኣሰሮም ከምዝነበሩ ይፍለጥ።

ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ 2018 ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ዝመሓደራ 5ተ ማእከላት ጥዕና ኣብ ጸሮና፡ መንደፈራ፤ ደቀ-ምሕረ ከምኡ'ውን ኣብ ከረን ዝርከባ ዓጽዩ።

ኣብ ዝሓለፈ መያዝያ 2019 ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ፡ ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ፡ ሃገራዊ ዕርቂ ክካየድ ዝጽውዕ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ጺሒፎም ነይሮም።

Image copyright Catholic Eparchy of Keren

እቶም ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ: ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝተበጽሐ ዕርቀ ሰላም ብምምስጋን እሱራት ክፍትሑ፡ ዝተሰደደ ክምለስ፡ መነባብሮ ክልቲኡ ህዝቢ ዝተንከፈ ዶባት ንረብሓ ክልቲኡ ህዝቢ ብዝጠቅም ኣገባብ ተሓንጺጹ ንቡር ህይወቱ ንክሕደስ ኩሉ ኣድላይ ዘበለ ጻዕሪ ንክግበር 'ውን ጻውዒት ገይሮም።

"ሰላም ንኹሉ" ብዝብል ሃዋርያዊ ቃል ኣብ ዝሰመዩዎ እዚ ጽሑፎም፡ እዚ ንኣስታት ምእቲ ዓመት ካብ ሽግርን መከራን ዘይተላቐቐ ህዝቢ፡ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም እውን እንተኾነ፡ ዝምስገን ፍታሕን ተስፋን ከምዘይረኸበ፡ በንጻሩ ንህላዌን ቀጻልነትን ሃገርን ህዝብን ብዘሰክፍ፡ ዋሕዚ ስደትን ፍልሰትን ብምቕጻሉ ኣዚዩ ከምዘተሓሳሰቦም ብምጥቃስ፡ ፈጣሪ ነታ ሃገር ምሕረቱ ከውርደላ'ውን እቶም ጳጳሳት ተመንዮም።

Image copyright Getty Images