ኢትዮጵያ ኢንተርነት ብምቁራጽ መዓልታዊ 4.5 ሚሊዮን ዶላር ትስእን

ኢትዮጵያ ኢንተርነት ብምቁራጽ መዓልታዊ 4.5 ሚሊዮን ዶላር ትስእን Image copyright LAKRUWAN WANNIARACHCHI

ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ እተቋርጸሎም ነፍሲ ወከፍ መዓልታት፡ ብውሑድ ልዕሊ 4 ሚሊዮን ዶላር ከም እትስእን፡ ዳይሬክተር ተበጻሕነትን ነጻነትን ኢንተርነት ዝቆጻጸር ኔትብሎክስ ዝተብሃለ ትካል ኣልፕ ቶከር ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ ዳይሬክተር ከም ዝበሎ፡ "ኢትዮጵያ ኢንተርነት ንሓደ መዓልቲ ክተቋርጽ ከላ ብውሑድ 4.5 ሚሊዮን ዶላር ትስእን"።

እዚ ካልኦት ክሳራታት ከይሓወሰ ዝመጽእ ጉድኣት ኮይኑ፡ ብተወሳኺ ድማ እምነት ንቑጠባዊ ዕብየት ኣገደስቲ ዝኾኑ ኣውፈርቲ ክትስእን ይገብራ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ምቁራጽ ኢንተርነት፡ ኣብ መዓልቲ 500 ሽሕ ዶላር ትስእን ነይራ። ሕዚ ድማ፡ ብኢንተርነት ዝንቀሳቐስ ቁጠባዊ ክፍሊ እናሰፍሐ ይመጽእ ዘሎ ብምዃኑ፡ መጠን እቲ ክስዕብ ዝኽእል ክሳራ ክብ ከም ዝብል ይእመን።

ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ብውልቀሰባት ዝግበር ምዝውዋር ገንዘብ ሓዊሱ ብዙሓት ዓበይቲ ምንቅስቓት ኢንተርነት ተጠቒምካ ስለ ዝሳለጡ፡ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘቋርጻ ሃገራት፡ ልዑል ቁጠባዊ ጽዕንቶ ከም ዘሕደረን ኣልፕ ይዛረብ።

ኢትዮጵያ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት እታ ሃገር ዝነበሩ ተቓውሞታት ንምግታእን ስርቂ ወረቐት ፈተና ንምቁጽጻርን፡ ን36 መዓልታት ኣገልግሎት ኢንተርነት ብምቁራጻ፡ ልዕሊ 130 ሚሊዮን ዶላር ከም ዝኸሰረት ዓለምለኸ ቴክኖሎጂ መረዳእታ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ዝተብሃለ ትካል ዘውጽኦ መረዳእታ ይሕብር።

ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ እትዓጽወሉ ግዘ፡ በብሰዓቱ 5296006 ብር ትስእን።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ፤ ብፍላይ ፖለቲካዊ ቅልውላዋት እንተጋጥም መንግስታት ኣቐዲሞም፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ብምዕጻው ነቶም ጸገማት ክቆጻጸሩ ይፍትኑ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ኢትዮጵያ ኢንተርነት ብምዕጻው ካብ ዝፍለጣ ሃገራት ሓንቲ ኾይና'ያ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ለውጢ ንክገብር ዘገደዶ ህዝባዊ ናዕቢ ምስ ኣብቅዐ፡ ኾነ ተባሂሉ ዝተገበረ ሃገራዊ ምቁራጽ ኢንተርነት ከየጋጠመ ጸኒሑ'ዩ።

ኣብዚ ሰሙን ሃገራዊ ፈተና ምስ ተጀመረ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ግን፡ ኣብ መላእ ሃገር ኢንተርነት ተቋሪጹ'ዩ።

ነዚ ዝምልከት፡ እቲ ብሕታዊ ኣቕራቢ ኣገልግሎት ቴሌኮም ዝኾነ መንግስታዊ ትካል ኢትዮ ቴሌኮም ኾነ ካልእ መንግስታዊ ኣካል እቲ ኣገልግሎት ዝተቋረጸሉ ምኽንያት ኣግሂዱ ክዛረብ ኣይደለየን።

ብዙሓት ግን፡ ብምኽንያት ፈተና ኽኸውን ከም ዝኽእል ግምቶም የቐምጡ።