ኤርትራ፡ ላዕለዋይ መራሒ መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ኤርትራ በጺሑ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ (የማን) ምስ ሌ/ጀ ዓብዱል ፋታህ ኣል-ቡርሃን ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ 14 ሰነ 2019 Image copyright Yemane G. Meskel/Twitter

ኤርትራ ንመሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዘለዋ ደገፍ "ምሉእን ዘየወላውል" ምዃኑ ሎሚ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝወጸ ንመሪሕነት ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ዝኹንን ጋዜጣዊ መግለጺ ኣነጺሩ።

ሰራዊት ሱዳን ምስ ህዝቢ ምውጋኑ፡ ነታ ሃገር ካብ ገምገም ገደል ከም ዘድሓና ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንኢዱ ክብል ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣቐዲሙ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣቶ ኢሳይያስ፡ ሎሚ ምስ ላዕለዋይ መራሒ መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፡ ሌተናል ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡራሃን ኣብ ኣስመራ ተራኹቡ'ዩ።

ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ቤተመንግስቲ ኣስመራ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ሰፊሕ ዝርርብ ከም ዘካየዱ'ውን እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።

"ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንምልዕዓል ህዝቢ ሱዳን ዘለዎ ደገፍ ደጊሙ ኣረጋጊጹ" ይብል እቲ ሓበሬታ።

እቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ዝነበረ ዝምድና ብምሕርፋፉ፡ ዶባተን ክሳብ ምዕጻው በጺሐን'የን።

"ርክብ ኤርትራን ሱዳን ብዘይተደልየ ወጥሪ ሓርፊፉ ከም ዝጸንሐ ብምስምማዕ"፡ ናብ ንቡር መሊሶም ናብ ዝለዓለ ደረጃ ከዕብዩዎ ድልውነቶም ገሊጾም።

ተንተንቲ ከም ዝብልዎ፡ ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ሱዳን ምስታ ካብ ኤርትራ እናረሓቐት ዝኸደት ቐጠር ጥቡቕ ዝምድና ብምምስራታ ኤርትራ ባህ ኣይበላን።

ኣብ ሓደ እዋን'ውን፡ ኤርትራን ግብጽን ክወራኒ ይሓስባ ኣለዋ፡ ብምባል ሱዳን ኣሽሓት ሰራዊት ዶባት ክልቲአን ኣንቀሳቒሳ ምንባራ ይዝከር።

ኣብቲ ሎሚ ዝወጽአ ጋዜጣዊ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ፡ እቲ ብዑመር ኣልበሽር ዝምራሕ ዝነበረ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ሱዳን "መቐጸልታ እስላማዊ ምንቅስቓስ" ምንባሩ ገሊጹ።

ፓሊሲታት ስርዓት ኣልበሽር ንሱዳን ከም ዝሃሰያ ብምጥቃስ፡ "ኣዕናዊ ፓሊሲኡ" ምንጻል ደቡብ ሱዳንን ግጭት ዞባ ዳርፉርን ከም ዘስዓበ'ውን ይዛረብ።

ኣብቲ ዞባ ህውከት ንምእታው ድማ ንከም በዓል ቢን ላደንን ኣልቃዒዳን መዕቆቢ ከም ዝሃበ ብምዝኽኻር፡ ቅልውላዉ ሱዳን ካብዚ ፓሊሲ'ዚ ዝመንጨወ'ዩ ክብል ነቒፉ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት፡ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ሓደ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ ናብ ካርቱም ብምኻድ ምስ መራሕቲ ወታሃደራዊ ምምሕዳር ተዘራሪቦም ነይሮም።

ኢትዮጵያ ብወገና፡ ነቲ ኣብ መንጎ ተቓውምትን እቲ ወታሃደራዊ ቤት ምኽርን ዘሎ ወጥሪ ንምፍታሕ ከም መንጎኛ ኮይና ትሰርሕ ምህላዋ ይፍለጥ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ