'ደብረቢዘን እታ እንኮ ኣንጻር ፓለቲካዊ ምትእትታዉ ደው ኢላ ዘላ ገዳም'

መንበረ ፓትሪያርክ ኤርትራ Image copyright LISANTEWAHDO
ናይ ምስሊ መግለጺ ካብ መንበሮም ዝወረዱ ፓትሪያርክ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ንነዊሕ ዓመታት ናይ ገዛ ሕዩር ኮይኖም ምጽንሖም ይፍለጥ

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ንሓሙሽተ መነኮሳት ደብረቢዘን ከም ዝኣሰሩ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ጠንቂ መእሰሪኦም፡ ነቲ መንግስቲ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርትያን ክገብሮ ዝጸንሐ ምትእትታው ምዃኑ፡ ቆሞስ ደብረቢዘን ዝነበሩ ኣባ ሰመረ ፍሳህየ ካብ እስራኤል ንቢቢሲ ሓቢሮም።

"ንፓለቲካዊ ምትእትታውን፡ ሕማቕ ኣካይዳ መንበረ ፓትሪያርክ ኤርትራን ክቃወሙዎ'ዮም ጸኒሖም። በዚ ኸኣ ብዙሕ ጸገማት'ዩ ክበጽሖም ጸኒሑ" ይብሉ ኣባ ሰመረ።

ብዘይካ'ዚ፡ ገዳም ደብረ ቢዘን ነቶም ንፓትሪያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብ ስልጣን ዘውረዱ ኣባላት ሲኖዶስ ክቃወሞም ከም ዝጸንሐ ብምጥቃስ፡ ነቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝዓረፉ ሊቀጳጳስ ሃገረ ስብከት ዞባታት ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ዝነበሩ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ኣብቲ ገዳም ኣይቅበሩን'ዮም ኢሉ ከም ዝኣበየ ኣባ ሽኖዳ ሃይለ ካብ ብሪጣንያ ንቢቢሲ ገሊጾም።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ቤተክርስትያን ኢዱ የእቱ ኣሎ ዝብል ክሲ ብሓያሎ ተጣበቕቲ ሰባዊ መሰላት ክቐርበሉ ጸኒሑ'ሎ።

"ደብረቢዘን እታ እንኮ ኣንጻር ምትእትታው ናይቲ ስርዓት ኣብ ቤተክርስትያንና ደው ኢላ ዘላ ገዳም" ኢሎም ኣባ ሽኖዳ።

ኣባ ሽኖዳ ከም ዝብሉዎ፡ ሓደ ጳጳስ ምስ ዓረፈ ብልማድ ኣብቲ ዝመንኮሰሉ ገዳም'ዩ ዝቕበር። ይኹን 'ምበር ገዳም ደብረቢዘን ብምቅዋሙ፡ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ኣብ ኣስመራ ክቕበሩ ተገዲዶም ኢሎም።

ኣባ ሰመረ ከም ዝብሉዎ ግን፡ ደብረቢዘን እቲ ሊቀጳጳስ ኣባሎም ብምዃኖም ሬሳኦም ኣብቲ ገዳም ክቕበር'ኳ እንተፍቐዱ፡ እቶም ካልኦት ጳጳሳት ግና በቲ ገዳም ዝተወገዙ ስለዝኾኑ ኣብቲ ስነስርዓት ክሳተፉ ኣይክእሉን'ዮም ዝብል ተቓውሞ'ዩ ቐሪቡ።

ካብ መንበሮም ዝወረዱ ፓትሪያርክ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ንነዊሕ ዓመታት ናይ ገዛ ሕዩር ኮይኖም ምጽንሖም ይፍለጥ።

እንተኾነ ግን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ኣቡነ ሉቃስ፡ መንግስቲ ከም ዘይኣሰሮም ብምግላጽ፡ ባዕሎም ከም ዝዓጸውዎ ተዛሪቦም ነይሮም።

ብድሕሪኡ ኣብ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ድማ፡ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ተገሊሎም ከም ዘለዉ ክዛረቡ ተሰሚዖም።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ክልተ ተገሚዓ ከም ዘላ ይፍለጥ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዩ ንክልቲኦም ወገናት ንምትዕራቕ ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ንሱ፡ ነታ ንዓመታት ኣብ ክልተ ተገሚዓ ዝነበረት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ብምትዕራቕ ሓድነት ክፈጥሩ ኣኽኢልዎም'ዩ።

ካብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትሪያርክ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።

መንግስቲ ብዛዕባ ማእሰርቲ ናይቶም መነኮሳት ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት