መንገዲ አየር ኢትዮጵያን ኢትዮ-ቴሌኮምን ንዕዳጋ ምቕራብ የካትዕ'ሎ

ኣርማ ኢትዮ ቴሌኮምን መገዲ ኣር ኢትዯጵያን Image copyright Ethiotelecom/ET

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን፤ ምስ ኤርትራ ሰላም ከም ዘውርድ፣ መንግስቲ ዝሓዞም ዓበይቲቲ ትካላት ልምዓትን ቑጠባን ሙሉእ ንሙሉእን ብኽፋልን ናብ ውልቃዊ-ዋንነት ክሰጋገሩ ከም ዝገብር ተመጻቢዑ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን እዞም ጉዳያት ትኩረት ፖለቲከኛታት፣ ሚዲያን ካልኦትን ስሒቦም ከዘራርቡ ቐንዮም። ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዕርቂ ተፈጢሩ ሰላም ወሪዱ ተባሂሉ፤ ጉዳይ ምዝውዋር ዓበይቲ ትካላት ቑጠባ ናብ ዋንነት ብሕቲ ግን ክሳብ ሕዚ ብውዓል ሕደር ጸኒሑ።

ዳግም ተመሊሱ መዘራረቢ ብዙሓት ዝኾነ እዚ ነጥቢ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ኩባኒያታት ወጻኢ ኣብ ዓውዲ ቴሌኮም መዋእለ ንዋዮም ከውፍሩ ዝፈቅድ ረቒቅ ሕጊ ኣጽዲቑ'ዩ።

እቲ ባይቶ፡ 'ዘይሻራዊ' በዓል መዚ ቤት ዕዮ ንምጥያስ ዘኽእል ኣዋጅ ከም ዘጽደቐ፡ ዶክተር ሙሉጌታ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ በዓል መዚ፡ ተመን ዋጋ ቴሌኮም፣ ፖሊሲታት ኮምዩኒኬሽን ምፍጻምን ምቁጽጻር ማዕበላት ኢንተርነትን ሬድዮን ዝብሉ ሓላፍነት ክወሃቦ'ዩ።

'ፕራይቬታይዜሽን' ወይ ድማ ትሕዝቶታት መንግስቲ ናብ ውልቀ ምዛር፡ ሰብ ሞያ ስነ ቑጠባን ፖለቲከኛታትን ኣብ ሰለስተ ከፊሉዎም'ዩ።

'እወ ክሽየጥ ኣለዎ' ዝብሉ ኣብ ሓደ ሸነኽ ዘለው እንትኾን፡ ክሳብ መዓዝ'ዮም እዞም ትካላት ብሓደ ኣካል ዝትሓዙ? ዝብል ሓሳብ ዘልዕሉ ሰባት ይርከቡዎ።

'እዚ ሃገር ካብ ምሻጥ ዘይነኣኣስ'ዩ፤ ናይ ምውድዳር ዓቕሚ ከየጥረና ስለ ምንታይ ሃፋትም ክኣትው ንፈቅድ?' ኢሎም ዝሟገቱ ድማ ብካልእ ሸነኽ ይርከቡ። ብሳልሳይ ወገን ድማ፡ 'ክሽየጥ ዘለዎምን ዘይብሎምን ፈሊኻ ክቕመጡ ኣለዎም" ዝብሉ ኣለው።

ሙሁር ስነ ቑጠባ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፕሮፌሰር ኣለማየሁ ገዳ፡ ኣብ ሞንጎ ዝተኸፈለ ሓሳብ ኣለዎም።

'እዚ ፖሊሲ ዘፈጽሙ ሰባት ኩሉ ፕራይቬታይዝ ይግበር'ዩ ኢሎም ክሓስቡ የብሎምን። ናብ ብሕቲ ኽሰጋገሩን ክሰጋገሩ ዘይብሎምን ትካላት ኣለው'ዮም። ንኣብነት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዝኾነ መዐቀኒ፡ ናብ ብሕቲ ክሰግር የብሉን። ብመንጽር ረብሓ ሃገር ብፖለቲካዊ ኾነ ብቑጠባዊ መዐቀኒ ክትንከፍ የብሉን" ኢሎም ይካትዑ።

ይኹን'ምበር ይብሉ እቶም ሙሁር፡ "ካልኦት ከም ፋብሪካታት ሽኮር እንተተሸጡ'ውን የዋጽእ'ዩ። ኢትዮ-ቴሌኮም ድማ 70 ሚኢታዊት ሒዝካ ዝተረፈ ምሻጥ የዋጽእ'ዩ። እቲ ዝተረፈ ዝሕዞ ድማ ኣፍሪቃዊ ትካል እንተዝከውን ይምረጽ" ኢሎም።

ምሻጥ ግድን'ዩ ዝብል መርገጺ እንተሃልዩ ድማ፡ ተቖጻጻሪ ኣካል ክቖውም ከም ዘለዎ ፕሮፈሰር ኣለማየሁ ገዳ የረድኡ።

መንግስቲ 60 ሚኢታዊት እቶቱ ካብ ቴሌኮም ዝርከብ ምኻኑ ዝዛረቡ እቶም ሙሁር፡ 30 ሚኢታዊት ድማ ካብ ባንክ ንግዲ ከም ዝረኽቦ ይዛረቡ።

"ስለዚ እዚኦም ምሻጥ ማለት ጥራሕ ኢድካ ኣብ ኣራት ኪሎ ኮፍ ምባል ማለት'ዩ። ምጣነ ሃብታዊ ውሳነ ክትውስን ዘኽእል ኢንቨስትመንት ድማ ኣይክህልወካን" ዝብል ሙሁራዊ መብርሂ ይህቡ።

ሰማያዊ ፓርቲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ሰልፊ ኣባል ዝነበረ ፖለቲከኛ ዮናታን ተስፋዬ ብወገኑ፡ ትልሚ ምስግጋር ትካላት መንግስቲ ካብ ሞንጎ ዝድግፉ'ዩ።

"ሓደ ረብሓ ፕራይቬታይዜሽን፡ 'ሞኖፖሊ' ከይህሉ ምግባሩ'ዩ። ካልእ ናይ ውድድር ዕዳጋ ክህሉን ሕብረተሰብ ዝሓሸ ምህርትን ኣገልግሎትን ክረክብን ይገብር" ኢሉ።

ምጣነ ሃብታዊ ወይ ቑጠባዊ ትንታነ ንሰብ ሞያ ክገድፎ ዝብል ዮናታን፡ "ትካላት መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር መንግስቲ ምዃኖም፡ ምልኪ የተባብዕ'ዩ" ዝብል ርኢይቶ ኣለዎ።

"ንሕብረተሰብ ዝሓሊ ኣነ'የ ዝብል ስነልቦና'ዩ እናዕበየ ዝኸይድ። እዚ ኣተሓሳስባ እናሰረጸ ምስ ዝኸይድ፡ ንኻልኦት ተወዳደርቲ ከም ተነሓናሕቲ ስልጣን'ዩ ዝርእዮም፤ እዚ ድማ ውድድር ዘይብሉ ስርዓት ዕዳጋ ክፍጠር'ዩ ዝገብር"።

ፍቓድ ህዝቢ

ሰብ ሞያ ስነ ቑጠባ፡ ትካላት ኣየር መንገድ፣ ቴሌኮም፣ ባንክ፣ ባቡርን ፋብሪካታት ሽኮርን 'ዘ-ቢግ ፋይቭ' (ሓሙሽተ ግዙፋት) ኢሎም ይጽውዑዎም።

መንግስቲ እዞም ትካላት ንናይ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ምሻጥ 'ምስ ህዝቢ ከመያይጥ ኣለዎ' ዝብሉ ሓሳባት ውጥም ቅልቅል ይብሉ'ዮም።

ፖለቲከኛ ዮናታን፡ "እዚ ናይ ቑጠባ ጉዳይ ስለ ዝኾነ፡ ሰብ ሞያ ዘካይዱዎ መጽናዕቲ ተደሪክኻ፡ ምስቲ ዘሎ ኩነታት እዚ'ዩ ዘዋጽአና ኢልካ ዝውሰን ነገር እምበር፡ ከም ባንዴራ ወይ ሕቶ ክልል ውሳነ ዝወሃቦ ኣይኮነን። ኣብ ዓለም ህዝቢ ኣብ ከምዚ ዝበሉ ዓበይቲ ፖሊሲታት ቑጠባ ቀጥታዊ ውሳነ ከሕልፍ ኣይኽእልን" ኢሉ'ዩ ዝካታዕ።

ከምዚ ዓይነት ለውጢ ቀጥታዊ ተሳትፎ ህዝቢ'ኳ እንተዘይሓወሱ፡ ሃገራዊ ምርጫ ክሳብ ዝመጽእ ግን ምጽናሕ'ዶ ኣይምተኽኣለን? ዝብል ሕቶ ዘልዕሉ ድማ ካልኦት ብዙሓት ኣለው።

"ሕዚ ብዘሎ ኩነታት ቑጠባ እታ ሃገር ይደቅቕ'ዩ ዘሎ" ዝብል ዮናታን፡ ነዚ ዓብዪ ብጽሒት ዝወስዱ ድማ ትካላት ልምዓት መንግስቲ'ዮም ይብል።

"እዞም ትካላት ልምዓት ክወዳደሩ ዝኽእሉ ስለ ዘይኮኑ፡ ሕዚ ዘሎ ቑጠባ እዚ ክፃወር ዝኽእል ኣይኮነን። ሰብ ሃፍቲ ወጻኢ ክመጽኡ ዝኽእሉ ድማ ናይ ቑጠባ ፖሊሲ ክቕየር ከሎ'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ኣሜሪካ ዝቕመጥ ሙሁር ስነ ቑጠባ እዮብ ባልቻ ድማ፡ እዚ ትልሚ 'ፕራይቬታይዜሽን' ብውልቀሰባት'ዩ ዝምራሕ ኢሉ'ዩ ዝካታዕ።

ከም ናቱ ርኢይቶ፡ ነቲ ቐዳማይ ሚኒስተር ዘማኽሩ ውልቀሰባት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ምስ ዓለማዊ ትካል ገንዘብ ኣይኤምኤፍን ባንኪ ዓለምን ርክብ ዘለዎም'ዮም። ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ጉዳይ 'ፕራይቬታይዜሽን' ዘለዎም ቅዋም 'ዘተኣማምን ኣይኮነን' ይብል።

ፕሮፌሰር ኣለማየሁ'ውን፡ እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብ ውሽጢ ጽዕንቶ ዓለማዊ ትካላት ከምዘሎን፡ እዚ ክጻወር ዝኽእል ዓቕሚ ከም ዘይብሉን ይዛረቡ።

ሕዚ ትካላት መንግስቲ ናብ ዕዳጋ ምቕራብ ግዝኡ ኣይኮነን ብምባል በዚ ኣካይዳ እንተቐጺሉ እቲ ኸስቢ ካብ መንግስቲ ናብ ውልቀሰብ ምስግጋር ካብ ዝብል ወጻኢ ካልእ ትርጉም ከም ዘይህቦም ይሕብሩ።

"ቴሌ ብ5 ወይ 10 ቢሊዮን ዶላር ተሸይጡ ንበል። ጽባሕ እቲ ትካል ዘትርፎ ኸስቢ ኣትሪፉ፡ ዝተረፈ ሒዙ'ዩ ዝወጽእ። ናይ ኢትዮጵያ ሕጊ ድማ ድላይኻ ዘትረፍካዮ ሒዝካ ምውጻእ ይፈቅድ'ዩ። ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክትወስድ ክትሓስብ ከለኻ ህጸት ኣየድልን። መንግስቲ ዶላር ስለ ዝሓጸሮ እምበር ደልዩዎ'ውን ኣይመስለንን ክሸይጥ'የ ዝብል ዘሎ" እዮም ዝብሉ፡ ፕሮፌሰር ኣለማየሁ።

መዓዝ'ዩ ድኣ እቲ ትክክለኛ እዋን?

ንኣቶ ዮናታን ሕዚ'ዩ። "ቑጠባ እታ ሃገር ይወድቕ'ዩ ዘሎ" ዝብል ድማ መካትዒ ነጥቡ።

እዚ ጉዳይ ኣብ ክልተ ፈልዮም ንዝርእዩዎ ፕሮፌሰር አለማየሁ ድማ፡ እዞም ትካላት ቑጠባ እታ ሃገር ዝቆጻጸሩ ስለ ዝኾኑ፤ መንግስቲ ንጹር ፖሊሲ ንህዝቢ ኣፍሊጡ ካብ ህዝቢ ፍቓድ ምስ ረኸበ'ዩ ክፍጸም ዘለዎ።

"ስለዚ እቲ ትኽክለኛ ግዘ፡ መንግስቲ ፖለቲካዊ ውክልና ህዝቢ ምስ ረኸበ'ዩ ክኸውን ዘለዎ። ብመንጽር ቑጠባ'ውን እንተኾነ ሕዚ ይኹን ዝብል ልክዕ ኣይኮነን። ስለምንታይ? መንግስትን ሃገርን ኣይተረጋግኡን። ብድሕሪት ሓይሊ ዘለዎም ኣካላት ሽጡዎ እናበሉ ይደፍኡዎ ይህልው ይኾኑ። እቲ መማረጺ ክኸውን ዝኽእል ድማ ዝተወሰነ ሃብቲ 'ፕራይቬታይዝ' ምግባር'ዩ" ኢሎም።

ተወሳኺ ዛንታ