ቅልውላው ቬኔዝዌላ፡ ስደተኛታት ናብ ዶብ ፔሩ ይውሕዙ'ልው

ቱምቤስ ኣብ ዝተብሃለት ኣብ ዶብ እትርከብ ከተማ ፔሩ ኣብ ኢሚግረየሽን ዝተሰለፉ ቬኔዝዌላውያን Image copyright Reuters

መንግስቲ ፔሩ፡ ፍልሰት ስደተኛታት ንምቁጽጻር ቪዛ ዝሓትት ሕጊ ቅድሚ ወግዓዊ ምግባሩ ቀዲሞም ናብታ ሃገር ንምእታው ዝተሰለፉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ቬኔዝዌላውያን ናብ ፔሩ ይተሙ ኣለው።

ትማሊ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ቬኔዝዌላውያን መዓልቱ ዘይሓለፎ ፓስፖርትን ቪዛን ክህልዎም ግድን'ዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ጭንጭንታ እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ንዓመታት ካብ ዝዘለቐ ቅልውላው ቬኔዝዌላ ዝሃደሙ ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ዶብ ፔሩ ክጽግዑ ምኽንያት ኾይኑ።

ካብ 2015 ጀሚሩ ናብ 4 ሚሊዮን ዝጽግዑ ቬኔዝዌላውያን ከም ዝተሰደዱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይጠቅስ።

ምጣነ ሃብታዊ ዕብየት እታ ሃገር እናፈረሰ ልዑል መጠን ስእነት መግብን ስራሕን ፈጢሩ፡ መድሓኒት ከም ልብኻ ከይርከብ'ውን ዘጸግም ኩነታት ፈጢሩ'ዩ።

ዝሓለፈ ቐዳም እዚ ሓድሽ ሕጊ ቅድሚ ምውጽኡ፡ ነበርቲ ቬኔዝዌላ ናብ ፔሩ ንምእታው መለለዪ ካርዲ ጥራሕ'ዮም ዝሕተቱ ነይሮም።

ብሓሙስ፡ 6ሽሕ ዝኾኑ ናብ ከተማ ቱምቤስ ከም ዘምርሑ ዝገለጹ ሓለፍቲ እቲ ዶብ፡ ፍልሰት ሰባት ሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ ኢሎም።

Image copyright Reuters

ማሪያኒ ሉዛርዶ ዝተብሃለት ቬኔዝዌላዊት ምስ ክልተ ደቃ ናብ ዶብ ፔሩ እናኸደት ከላ፡ "ኣብ ቬኔዝዌላ ፓስፖርት ክተውጽእ ኣይትኽእልን" ክትብል ንኤኤፍፒ ተዛሪባ።

ፕሬዚዳንት ፔሩ ማርቲን ቪዝካራ ዝሓለፈ ሓሙስ ዝጸንሐ ሕጊ ኢሚግሬሽን ተቓዊሙዎ'ዩ።

ፒውራ ኣብ ዝተብሃለት ከተማ ድማ፡ "ሃገርና ን800ሽሕ ቬኔዝዌላውያን ኢዳ ዘርጊሓ'ያ" ኢሉ ነይሩ።

"ቪዛ ብምሕታት ናብ ሃገርና ዝኣትው ስደተኛታት ምቁጽጻር ትርጉም ዘለዎ ነገር ኣይኮነን" እውን ኢሉ።

ብፕሬዝደንት ኒኮላስ ማዱሮ እትምራሕ ቬኔዝዌላ፡ ቑጠብኣ መይቱ'ዩ። ሕጽረት መግብን ኣፋውስን ካብ ዝገጥማ ነዊሕ ግዜ ኣቑጺራ።

ብሓደ ገጽ ነዳዲ ንዕዳጋ ዓለም እናቕረበት፡ ኣብታ ሃገር ነዳዲ ኣይርከብን። መንግስቲ ነዞም ጸገማት፡ ብኣሜሪካ ዝተነበረ ማዕቀብ ከም ምኽንያት የልዕል።

ኣመራርሓ ተቓወምቲ ሰልፍታት ግን፡ እቲ ጠንቂ ቬኔዝዌላ ብተኸታታሊ ዘመሓደሩ 'ሶሻሊት ርእዮተ ዓለም' ዝኽተሉ መንግስታት፡ ገንዘብ ብምብኻኖምን ብልሽውናን ምኻኑ ይዛረቡ።

ተወሳኺ ዛንታ