ህንዲ፡ ኣብ ልዕሊ 28 ምህርቲታት ኣሜሪካ ቀረጽ ኣንቢራ

ገንዘብ ህንዲ Image copyright Reuters

ህንዲ፡ ካብ ሰንበት ጀሚሩ፡ ኣብ ልዕሊ ቱፋሕን ለውዝን ዝርከቡዎም 28 ምህርቲታት ኣሜሪካ ዓጸፋ ቀረጽ ከምዘንበረት ኣፍሊጣ።

ነቲ ክሳብ 70 ምኢታዊት ዝበጽሕ ቀረጽ ኣቐሚጣ ዘላ፡ ኣሜሪካ ኣብ ምህርቲታት ሓጺንን ኣሉሚንየምን ህንዲ ዝንበረቶ ከቢድ ቐረጽ ክተልዕል ፍቓደኛ ብዘይ ምዃና እዩ።

ኣብ መጀመርያ እዚ ወርሒ፡ ህንዲ ትረኽቦ ዝነበረት ናይ ትሑት ቀረጽ ጥቕሚ፡ ከም ዝለዓል ፐረዚደንት ትራምፕ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ዛሓለፈ ወርሒ ሰነ ህንዲ ክሳብ 120 ምኢታዊት ዝበጽሕ ቀረጽ ክተንብር ወሲና'ኳ እንተነበረት፤ ኣብ መንጎኦም ብዝተገበረ ዝርርብ ከይተተግበረ ጸኒሑ።

ሚኒስትሪ ፋይናንስ ህንዲ እቲ ቀረጽ ብድልየት ህዝቢ ከም ዝተነበረ ገሊጹ።

ክልተኣዊ ንግዲ እዘን ሃገራት ብኣቆጻጽራ ኤሮጳ 2001 ካብ ዝነበሮ ብሸውዓተ ዕጽፊ ብምውሳኽ ኣብ 2018 ናብ 142 ቢልዮን ዶላር ክበጽሕ ኪኢሉ።

ቅድም ክብል 5.6 ቢልዮን ዶላር ዝግመቱ ምህርቲታት ብዘይቀረጽ ናብ ኣመሪካ እትልእኽ ዝነበረት ህንዲ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን እቲ ዕድል ተኸሊኣ'ላ።

እቶም ክልከላታት ምስ ካልኦት ሃገራት ዝግበር ንግዲ ፍትሓዊ ኣይኮነን ብዝብል እዮም ብምምሕዳር ትራምፕ ዝንበሩ ዘለዉ።

ካብዚ ብተወሳኺ ህንዲ ካብ ኢራን ዘይቲ እንተገዚኣን፤ ካብ ሩስያ ኤስ-400 ጸረ ነፈርቲ ሚሳኤል ንምግዛእ ዝሓዘቶ ትልሚ እንተቐጺላትሉን ማዕቀብ ክንበረላ ከምዝኽእል ፐረዚደንት ትራምፐ ኣጠንቂቑ እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ