ፕረዚደንት ትራምፕ ብምኽንያት ኣብ ለንደን ዘጋጠሙ ሓደጋታት፡ ነቲ ከንቲባ ዘሊፉዎ

ፕረደዚደንት ትራምፕን ከንቲባ ክሃንን Image copyright PA
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረደዚደንት ትራምፕን ከንቲባ ክሃንን

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ለንደን ዘዕንዋ ዘሎ ''መዋረዲ ሃገር'' ክብል ንከንቲባ እታ ከተማ ሳዲቅ ክሃን ደጊሙ ወቒስዎ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ድሕሪ'ቶም ምኽንያት ሞት ሰለስተ ሰባትን መቑሰልቲ ካልኦት ሰለስተን ዝኾኑ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ዝተፈጸሙ ሓሙሽተ መጥቃዕቲታት'ዩ፡ ነዚ ሓሳብ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

መራሒ ሰልፊ ሌበር ጀረሚ ኮርቢን ብወገኑ፡ ፐርዚደንት ትራምፕ በቲ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝበጽሐ ዘሕዝን ቅትለት ኣቢሉ ነቲ ከንቲባ ከጥቅዕ ምፍታኑ ''ኣዝዩ ዘሕዝን'' ክብል ገሊጽዎ።

ጽሑፍ እቲ ፕረዚደንት፡ ናይቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዝጸንሐ ባእሲ መቐጸልታ እዩ።

ፐረዚደንት ትራምፕ፡ ሳዲቅ ክሃን ''ሓደጋ'' ከም ዝኾነን ለንደን ካሊእ ከንቲባ ከም ዘድልያን ይገልጽ።

ጸኒሑ ኣብ ዝጠቀዖ ጽሑፍ ድማ ''ንለንደን ዘጥፍኣ ዘሎ፡ 'መዋረዲ ሃገር' እዩ'' ኢሉዎ።

ወሃቢ ቃል እቲ ከንቲባ፡ ሓሳባት እቲ ከንቲባ ምስቶም ጉድኣት ዝበጽሖም ስለዝኾነ፡ ንጽሑፍ ፕረዚደንት ትራምፕ መልሲ ኣብ ምሃብ ግዚኡ ከም ዘየጥፍእ ኣፍሊጡ።

ጀረሚ ኮርቢን ብወገኑ፡ እቲ ከንቲባ ፖሊስ ስርሖም ከሳልጡ ይሕግዝ ከም ዘሎ ብዝገልጽ ጽሑፍ ነቲ ከንቲባ ተኸላኺልሉ እዩ።

ፖሊስ ን14 ሰባት ከም ዝኣሰረ እዩ ዝገልጽ።

Image copyright PA

ፕረዚደንት ትራምፕን ከንቲባ ክሃንን ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ብዙሕ ግዜ ተጋጭዮም እዮም።

እቲ ከንቲባ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብዚ ወርሒ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ቅድሚ ምምጽኡ፡ እንግሊዝ ''ቀይሕ ምንጻፍ ኣንጺፋ'' ክትቅበሎ የብላን፡ ክብል ጽሒፉ ነይሩ።

ትራምፕ ድማ ኣብቶም ኣብ ለንደን ዝፍጸሙ ዘለዉ ገበናት ከትኩር ዘለዎ '' ድኹም'' ክብል መልሲ ሂብዎ ነይሩ።

ተወሳኺ ዛንታ